Thursday , May 2 2024

ኢመግረሽን

ዜና መጽሔት News Magazine 15 ጥቅምቲ 2020

Read More »

ዜና መጽሔት News Magazine 01 ጥቅምቲ 2020

ናይዚ ሰሙን እዚ መደብ ዜና መጽሔት ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት የተኩር፣- 1 . ንሓደሽቲ ተጣየስቲ ሓተቲ ዑቕባ ማለት ኣብ ናይ ምጥያስ ፕሮግራም ንዘሎዉ ተባሂሉ ብምምሕዳራት ናይ ዝዋሃብ ግዚያዊ መንበሪ ገዛዉቲ ብዝምልከት። ዘሎዎ ትርጉምን ሕጋዉነቱን ። 2 . ንምዝዋር መኪና ፍቓድ ንምዉጻእ ኣብ ዝግበር ናይ ክልሰ ሓሳብ ፈተና ካብ ሕጊ ወጻኢ ንዝግበሩ ኣገባባት ብዝምልከት ዝቐረ ሓድሽ እማመ ሕጊ ብዝምልከት። መታሓሳሰቢ፣ ኩሉኹም ኣብ …

Read More »

ስደተኛታት ንምሕጋዝ ግዚኡን ጉልበቱን ዘወፈየ ሽወደናዊ ጥሮተኛ

ላርሽ ሎራን ኣንደርሶን ዝተባህለ ኣብ ባንክሪድ (Bankeryd) ዝነብር ሽወደናዊ ጥሮተኛ፡ ንስደተኛታት ንምሕጋዝ፡ ግዚኡን ጉልበቱን ዘወፊ ዘሎ እዩ። ኣብ ዓመተ 2015 ንዝመጹ ብዙሓት ስደተኛታት ዝሓገዘ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሓንቲ ኡዝበኪስታናዊት ስድራ ቤት ናብቲ ሓደጋ ከጓንፋ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ፡ ሃገረ ኣፍጋኒስታን፡ ንኸይትምለስ ብምሉእ ዓቕሙ ዝቃለስ ዘሎ እዩ ክብል ተለቪዥን ሽወደን ኣቃሊሑ። እዛ ኣብ ቫርናሞ (Varnamo) እትርከብ ኡዝበኪስታናዊት ስድራ ቤት፡ …

Read More »

ኤውሮፓዊ እማመ ስደት፡ ንሓተቲ ዑቕባ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከእቱ ዝኽእል ውሳነ እዩ ተባሂሉ

ኣብ ኤውሮፓዊ እማመ ስደት ተጠቒሱ ከምዘሎ፡ ንሕቶ ዑቕበኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት፡ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ምምላስ ዝብል ነጥቢ፡ ንኽትግበር፡ እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ (ማእሰርቲ) ክጸንሑ ዘገድድ መስርሕ ክሓልፉ እዮም። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ቅቡል ኣይኮነን፡ ክብሉ ብርክት ዝበሉ ሽወደናውያን ክኢላታት ከምዝተዛረቡ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ሓድሽ እማመ ከምዝሕብሮ፡ ሓደ ስደተኛ፡ ኣብ ዶባት ኤውሮፓዊ ሕብረት መጺኡ ሕቶ ዑቕባ ምስ ዘቕርብ፡ ኣብ ውሽጢ …

Read More »

ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ንእማመታት ኢሚግሬሽን ክዝቲ ጀሚሩ

ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ኣውሮፓዊ ሕብረት፡  ነቲ ብሽወደናዊት ኮሚሽነር ዑቕባን ውሽጣዊ ጉዳያትን፡ ኤልቫ ዮሃንሶን ዝቐረበ እማመ ኢሚግሬሽን ንምዝታይ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ በልጄም፡ ብራስለስ፡ ከም እተረኽቡ ተፈሊጡ። ዮሃንሶን፡ ብዛዕባ ዘቕረበቶ እማመ ኣመልኪታ፡ ተሳተፍቲ ወገናት ክሰማምዕሉ ተስፋ ከም ዘለዋ ገሊጻ ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ዋላ’ኳ ኩለን ሃገራትን ባይቶታትን ሓደ ዓይነት ኣጠማምታ ክህልወን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እንተዘይብለይ፡ ንዘቕርቦ እማመ ክቕበላ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ኣብ ዮንሾፒን ዝነበሩ 400 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ካልእ ቦታ የግዕዞም

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ነቶም ኣብ ዮንሾፒን ዝነበሩ ኣስታት 400 ሓተቲ ዑቕባ፡ ክሳብ 25 ኪ.ግ. ዝምዘን ንብረት ጥራይ ሒዞም ንምኻድ ኣፍቂዱ፡ ናብ ካልእ ቦታ ከጉዕዞም ከምዝወሰነ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት፡ ኩሎም ሓተቲ ዑቕባ፡ ናብ ካልእ ቦታ ክጉዕዙ ምዃኖም ዝሕብር ደብዳቤ ካብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ከምዝበጽሖም ይዝከር። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ዮንሾፒን ዝርከብ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ክዕጾ ስለዝተወሰነ እዩ። …

Read More »

እማመ ኢቫ ዮሃንሰን፡ ኣብ ጉዳያት ናብ ኤውሮፓ ዝፈልሱ ስደተኛታት

ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾነት ሽወደናዊት ኢቫ ዮሃንሰን፡ ንጉዳይ ፖሊሲ ናብ ኤውሮፓ ዝፈልሱ ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ሎሚ፡ እማመኣ ኣቕሪባ። እቲ ዘቕረበቶ እማመ፡ ሰለስተ መሰረታውያን ነጥብታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽጉ ሰባት ብቕልጡፍ ናብ መቦቀል ሃገሮም ከም ዝምለሱ ምግባር፡ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ቀዳመይቲ ኤውሮፓዊት ሃገር ክኸውን ዝግድድ፡ ስምምዕ ዳብሊን ክስረዝ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ምትሕብባር ክህሉ ዝግድድ መስርሕ ክህሉ ዝብሉ …

Read More »

ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ናብ መሬት ኤውሮፓ ንኸይኣትዉ፡ ዝኽልክል ውሳኔታት ክመሓላለፉ ትጽቢት ይግበር

ኮሚሽን ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ መሬት ኤውሮፓ ንኸይኣትዉ፡ ምስ ጎረባብቲ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት ምትሕግጋዙ ከስፍሕን፡ ሓለዋ ዶባት ኤውሮፓ ከዕዝዝን ወሲኑ ከምዘሎ ሓቢሩ። ንዝርዝር ናይቲ ውሳኔ ኣመልኪታ፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሽወደናዊት ኢልቫ ዮሃንሶን፡ ኣብ ዝቕጽል ረቡዕ ክትሕብር ምዃና ኣፍሊጣ። ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ካብ ዶባት ኤውሮፓዊ ሕብረት ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ቦታታት (ሃገራት)፡ ናይ ስደተኛታት መዓስከራት ብምቛም ጉዳያቶም ርእዩ መሰል ስደተኛ …

Read More »

ኮሚቴ ኢሚግሬሽን (Immigration Committee)፡ ናይ መወዳእታ እማመ ኣቕሪቡ

ብፓርላማ ሽወደን ዝተመዘ ኮሚቴ ኢሚግሬሽን፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ናይ መወዳእታ እማመ ናብ ሚኒስተር ፍትሕን ኢሚግሬሽንን ሽወደን፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ከምዘረከበ ተፈሊጡ። እዚ ዝስራሓሉ ዘሎ ፖሊሲ ግዚኡ ምስ ኣብቅዐ፡ እዚ ሓድሽ እማመ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ትጽቢት ዝተገብረሉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንጉዳይ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ብዝልከት፡ ኣብ ሞንጉ ሰልፍታት ሽወደን ዝተኻየደ ዘተ ብምፍሻሉ፡ ኮሚቴ ኤሚግሬሽን፡ ብኹለን ሰልፍታት ዝተደገፈ ጠማሪ ዝኾነ እማመ ከይሓዘ፡ በንጻሩ’ኳ ደኣ፡ ኩለን …

Read More »

ጨንፈር ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ካብ ብዙሓት ፖለቲከኛታት፡ ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶ

ጨንፈር ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ንሓደ ናይ ሓንጎል መልመስቲ ዘለዎ ዒራቓዊ መንእሰይ ንዓዱ ንኽመልሶ ብምምዳቡ ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምሕዳር ሱንድስቫል እትርከብ ሓላፊት ኮሚቴ ኣሃዱ ጥዕናን ኣባል ዓቃባዊ ሰልፊ ዝኾነት ሊንድ ኣስብሎንድ፡ ጨንፈር ኢሚግሬሽን፡ ንገበነኛታት ንዓዶም ዘይመለሰት ንኸምዚኦም ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት ካብ ገዝኦም ኣባሪሩ ናብ ሃገሮም ክመልስ ምምዳቡ ዘሕዝን እዩ ኢላ ከምዝገለጸት ኣብ ሱንድስቫል እትሕተም ጋዜጣ ሓቢራ። እዚ ኣሕመድ ዝተባህለ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com