Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ኣብ ሽወደን 62 ሽሕ ሰባት ምስ ጕጅለታት ገበን ምትእስሳር ኣለዎም ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን 62,000 ሰባት ኣብ ጕጅለታት ገበነኛታት ከም ዝንቀሳቐሱ – ወይ ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ተሓቢሩ። ልዕሊ 5000 ካብዚኣቶም ትሕቲ ዕድመ እዮም። እዚ ኣሃዛት ሎሚ ፖሊስ ሽወደን ምስ ሚኒስተር ፍትሒ ጉናር ስትሮመር ብሓባር ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ እዩ ቃልዕ ተጌሩ። እዚ እናኾነ ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ብዛዕባ መጻኦም ተስፋን ሻቕሎትን ዝተሓዋወሶ ስምዒት ከም ዘለዎም ይግለጽ ኣሎ። ኦሌክሳንድራ ቤልያቭስካን ንእሽቶ ወዳን …

Read More »

ሽወደን ምስ ካሊፎርንያ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ፈሪማ

ሽወደን ኣብዚ ሰሙን ን ሓምለዋይ ጽገና ብዝምልከት ምስ ካሊፎርንያ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ከቲማ። ልእልቲ ቪክቶርያ ኣብዚ ኣብ መንጎ ፎርሰልን ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶምን ዝተኻየደ ምፍርራም ተረኺባ ነይራ። እዚ ስምምዕ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ሽወደንን መናሃርያ ጉግልን ኦፐን ኤይን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓለም ሓሙሻይ ዝዓበየ ቁጠባን ዝኾነት ካሊፎርንያን ዘሎ ምትሕግጋዝ ንምዕማቚ ዝዓለመ ዝዓበየ ስትራተጂ እዩ። ሚኒስተር ንግዲ …

Read More »

እገዳ ሂሮይን ሰባት ናብ ካልእ ሓሽሽ ክዝምብሉ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ

ጣሊባን ኣብ 2022 ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣዝመራ ዕጸፋርስ ካብ ዝእግድ ንደሓር፡ ሂሮይን ኣብ ሽወደን ዝያዳ ክቡርን ንምርካቡ ዝኸበደን ኮይኑ’ሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ወልፊ ዘለዎም ሰባት ኣብ ክንድኡ ናብ ዝበርትዑን ሲንተቲካውያንን ዕጸፋርስ ናይ ምምራጽ ተእኽሎታት ኣናኦኣበየ ከም ዝመጽእ ጌርዎ’ሎ። “ሓያሎ ሰባት ብዕጸፋርስ ይድንዝዙ ኣለዉ” ይብል ኣብ ሊንሾፒንግ ዝርከብ ወልፊ ዘለዎም ሰባት ዝእለዩሉ ማሕበር።

Read More »

ብምኽንያት ሓድሽ ሕጊ ደሞዝ ብርክት ዝበለ ሕቶ ፍቓድ ስራሕ ተነጺጉ

ንፍቓድ ስራሕ ተባሂሉ ዝወጸ ዝተሓተ ደረት ደሞዝ ወሰኽ ኣብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ን ዝግበር ምንጻግ ብናህሪ ከም ዝወሰኾ ተሓቢሩ። እቲ ለውጢ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕል ንደሓር፡ እዚ ጠለብ ጽገና ምኽንያት 25% ምንጻግ ፍቓድ ስራሕ ኮይኑ ጸኒሑ’ሎ። ሓደ ወርሒ ቅድሚ እቲ ለውጢ፡ እቲ ተዛማዲ ኣሃዝ 1% ጥራይ ምንባሩ ብምዝካር እዚ ሕጊ ን ኣሃዝ ምንጻግ ፍቓድ ስራሕ ብዝተዓጻጸፈ ደረኣ …

Read More »

ኣብ ሪዝዩሚ ሚኒስተራት መንግስቲ ዘሎ ጌጋታት ክእረም ተጌሩ

መርማሪት መደብ ተሌቪዥን ሽወደን “ኡፕግራድ ግራንስኒን” ዶሴ ውልቃዊ ሓበሬታ ሪዝዩሚ ሓያሎ ሚኒስተራት ግጒይ ሓበሬታ ከም ዝሓዙ ድሕሪ ምቅልዓ ሓይሎ ሚኒስተራት ኣብ ገጻት መንግስቲ ዝርከብ ውልቃዊ ሓበሬታኦም ዝገብልጽ ዝርዝራት ይቕይርዎ ምህላዎም ተፈሊጡ። ሚኒስተር ትሕተ ቅርጽን ኣባይትን ኣንድርያስ ካርልሰን፡ ሚኒስተር ህዝባዊ ምምሕዳር ኤሪክ ስሎትነርን ሚኒስተር ኣረጋውያንን ማሕበራዊ ድሕነት ኣና ተንጀን፡ ደረጃ ትምህርቶም ዝምልከት ሓበሬታ ኣሪሞሞ ኣለዉ። ኣብ ሽወደን ሪዝዩሚ ኩሎም ሚኒስተራት ኣብ …

Read More »

“ሳፖ”፡ስርሒታት ስለያ ሩስያ ንሽወደን ዓቢ ጸጥታዊ ስግኣት ኮይኑዋ’ሎ

ሽወደን ኣብ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ከም እትርከብ ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖሓቢሩ። ስርሒታት ስለያ ሩስያ ንጸጥታ ሽወደን ዓቢ ስግኣት የስዕብ ምህላዉ ሳፖ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻቡ ገሊጹ’ሎ። ተግባራት ሓይልታት ወጻኢ፥ ጎነጻያንን ጥሩፋትን ተሓዋዊሱ ስግኣታት ጸጥታ ሽወደን እናተደራረቡ ይመጽ ኣለዉ ክብል እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

Read More »

መጠን ዝቕባበ ናብ 3.3% ይዓቢ

ዝቕባበ ሽወደን ተተሓሒዝዎ ዝነበረ ምንቊልቋል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ደው ምባሉ፥ እዚ ድማ ብክኢላታት ስነቚጠባ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ለውጢ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ መጠን ዝቕባበ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2.3% ጸኒሑ ኣብ 3.3% ደው ምባሉ ዝፍለጥ እዩ። ገለ ካብቶም በዚ ዝቕባበ ምኽንያት ዋጋኦም ብፍጥነት ዝውስኽ ዝነበረ ሃለኽቲ ቡን፡ ሻሂን ዘይቲ ምግቢን እዮም። ዓገለ ኣብ ጎነጽ ዝተዋፈሩ ኣኽረርቲ ባእታታት ኣብ AI ተገዳስነት የርእዩ …

Read More »

ሩስያ ጥቓ ሽወደን ዝነበራ ወተሃደራዊ ህላወ ዳግማይ ትሃንጽ

ሩስያ ኣብ ቀረባ እዋን ጥቓ ሽወደን ዝጸንሓ ወተሃደራዊ ህላወ ዳግማይ ከተቐውም ምዃና ኣገልግሎት ወተሃደራዊ ስለያን ጸጥታን ሽወደን ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ሽወደን ምስ ተጻባኦን ናይታ ክትግምታ እተጸግም ሩስያ ንምግጣም ድልውቲ ክትከውን ከምዘለዋ ዳይረክተር እቲ ትካል ቶማስ ኒልሶን ገሊጹ’ሎ። ኣብ ልዕሊ ሽወደን ይዂን ብሽወደን ኣቢሉ ኣንጻር ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲን–ኔቶ– ዝግበር ስለያ ቀዳማይ ስግኣት ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ። ሽወደን ዛጊት ዝዓበየ …

Read More »

ፊንላንድ ናብ ሩስያን ማእከላይ ኤስያን እትገብሮ ሰደድ ብርኡይ መጠን የንቈልቊል

ፊንላንድ ናብ ሩስያን ማእከላይ ኤስያን ክትገብሮ ዝጸንሐት ሰደድ ርኡይ ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ተገሊጹ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጥራይ እዚ ሰደድ ብ 68.9% ከምዘንቈልቈለ “ስታቲስቲክስ ኣህጉራዊ ንግድ” ዩሮስታት ይሕብር። ኣብ 2021 ፊንላንድ ብደረጃ ሕብረት ኣውሮጳ ናብዘን ዞባታት ዝነበራ ብጽሒት 3.9% እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ 2023 ግን እዚ ኣሃዝ ናብ 1.9% ወሪዱ እዩ። እዚ ምንቁልቋል፡ ኩባንያታት ፊንላንድ ናብ ምብራቕ ዝገብርኦ ሰደድ ካብቲ ማእከላይ …

Read More »

ሽወደናውያን ጎዳኢ መጠን ጨው ኣብ መግቢ የህልኹ

ሽወደናውያን ንጥዕናኦም ብዝጎድእ መጠን ጨው ኣብ መግቦም የህልኹ ምህላዎም ተፈሊጡ። ብምኽንያት ዘይግቡእ ሃልኪ ጨው፥ ዓመታዊ ኣስታት 8,000 ሰባት ወቕዒ ልቢ ከምዘጋጥሞም ጸብጻብ “ኤጀንሲ መግቢ ሽወደን” ኣመልኪቱ። “ጨዋም መግቢ ብብዝሒ ንበልዕ ኣሎና” ትብል ኣካያዲት ናይቲ ጸብጻብ ከምኡ’ውን ክኢላ ኣመጋግባ ኣሳ ብሩጋርድ ኮንደ። ሽወደናዋን ኣብ ዝመጽእ ዓመታት መጠን ዘህልኽዎ ጨው ብ 20% ብምንካይ ጥዕናኦም ክሕልዉ ካብ ኮንደ መጸዋዕታ ቀሪቡ’ሎ። ጨው ሶድዬም ክሎራይድ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com