Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ልዕሊ 7000 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሆቴልን ኮንፈረንስን ሽወደን ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ካብ ስርሖም ክጎድሉ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።

“ምሉእ ብምሉእ ጽልማት ዝኾነት ምሸት እያ እዛ እዋን…ሽቕለት ኣልቦነት ከስፋሕፍሕ እዩ፡ ኣዝዩ ሕማቕ ኲነታት እዩ ኣትዩና ዘሎ” ክብል ዋና ኣካያዲ ቪዛን ትካል ንግድን ዮናስ ሰሊማር ገሊጹ’ሎ። ፕረሲደንት ማሕበር ሆቴልን ሬስቲራንትን ማሊክ ኣኾልት ገለ 700 ዝኾኑ ሰባት ድሮ ካብ ስራሕ ለቒቖም ምህላዎምን ካልኦት 3500 ሰራሕተኛታት ክሳብ ቀዳመ ሰንበት ክሰናበቱ ኣብ ምድላው ምህላዉን ድማ ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ ክሳብ 2500 ዝኾኑ ተመላለስቲ ሰራሕተኛታት ካብ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብዛዕባ ቀረብ መግቢ ዝኾነ ዘሻቕል ነገር ከምዘየለ ይሕበር።

ሚኒስትሪ ገጠራዊ ጒዳያት ጄኒ ኔልሰን ሽወደን ሕጽረት መግቢ ከም ዘይብላን ምስ ጒዳይ ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ብምትሕሓዝ ዝውረ ዘሎ ሻቕላ ቀረብ መግቢ መሰረት ኣልቦ ምዃኑን ኣመልኪታ። ንሳ ሎሚ ምስ ተወከልቲ ኢንዱስትሪ መግቢ ተራኺባ ኣብ እዋን ቅልውላው ብዛዕባ ዝህሉ ቀረብ መግቢ ምዝታያ ተመልኪቱ። እዚ ኣኼባ ብከም Ica, axfood ከምኡ’ውን Coop ተወከልቲ ዓበይቲ ናይ መግቢ ኣቅረብቲ ትካላት ዝተሳተፍዎ ምንባሩ ድማ ተፈሊጡ። እታ ሚኒስተር …

Read More »

መንገዲ ኣየር ሳስ SAS ደሞዝ ሰራሕተኛታት ብ 20% ክንኪ እየ ይብል።

ብዙሓት መንገዲ ኣየር ብርክት ዝበለ ገንዘብ ይኽሰራ ኣለዋ ተባሂሉ። ብዙሓት ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከይልከፉ ብምባል ምብራር ምቊራጾም ድማ’ዩ ነዚ ክሳራ ኣምጺኡ ዝርከብ። SAS ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣሽሓት በረራታት ምቊራጹን ቀጻልነቱ ንምውሓስ ገንዘብ ኣብ ምዕቋር ምእታዉን ደሞዝ ብ 20% ንምንካይ ኣብ ምምካር ምህላዉን ድማ ተገሊጹ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ምስዚ ኲባንያ ክተሓባበር ድሉው ምዃኑ እኳ እንተገለጸ ኣብ ምንካይ ደሞዝ ክተሓባበር ድዩ ወይስ ኣይኮነን …

Read More »

ብሰንኪ ኮርኖ ቫይረስ ዝበዝሕ ስብ ብኦንላይን ይገዝእ እኻ እንተሎ ብዛዕባ ዋሕዲ መግቢ ግን ዘሻቅል ነገር ከመዘየለ ይሕበር።

ብዙሓት ሽወደናውያ ብ ሰንኪ ስግኣት ኮሮኖ ቫይረስ ናብ ዱካናት ኣብ ክንዲ ምኻድ ብ ኦንላይን ወይ ብመንገዲ ኢንተርነት ብምእዛዝ ዕዳግኦም ብፍላይ ኣብ ዓነታት መግቢ ኣብ ምስላጥ ይርከቡ። በዚ መሰረት ኩለን ትካላት ስጋብ ቤቶም ብምኻይድ ኣብ ምብጻሕ ይረከባ እለዋ። ብፍላይ ትካላት ኩብ Coop, ኢካ Ica ከምእውን ዊልስን Willys ገለ ብ ጻዕቒ ጠለብ መርበባት ካብ ዝሽገራ ትካላት ብሙዃን ኣብ ምስላጥ ይርከባ። እንተኾነ መብዛሕትኦም …

Read More »

ኣብ ኣርባዕተ ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ዋጋ ባጤራ ክሮና ሽወደን ካብ ናይ ኖርዌይ መዘናኡ ልዒሉ ከም እተረኽበ ተገሊጹ።

ፍርሂ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ምሽምራር ዕዳጋ ነዳዲን ኣብ ዕዳጋ ብርኪ ኖርዌይ ኣሉታዊ ጽልዋ ብምሕዳር ንዋጋ ባጤራ እታ ሃገር ለጠቕ ከም ዘበሎ ይገለጽ ኣሎ። ሎሚ ዕዳጋ ብርኪታት ኦስሎ ብ 12% ምንቊልቋሉን ድሕሪ 2016 ንመጀመርታ ግዜ ባጤራ ሽወደን ካብ ናይ ኖርዌይ ልዒሉ ከም እተረኽበን ድማ ተገሊጹ። ዋጋ ሓደ ክሮና ኖርዌይ 0.98 ይሽረፍ ምህላዉ ድማ ተፈሊጡ። 97% ብርኪ ነዳዲ ብኲባንያ ዘይቲ ኢኲኖር …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ጽባሕ ዓርቢ ን ኣብያትምህርቲ ኣመልኪቲ ውሳኔ ክህብ ሙዃኑ ገሊጹ።

ሚንስትሪ ትምህርቲ ኣና ኤክስትሮም ሎሚ ምሽት ንማእከናት ዜና ሽወደን ሎሚ ምሸት ኣብ ዝሃብቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ንለብዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ መንግስቲ ሽወደን ንጽባሕ ዓርቢ ኣብያተ ትምህርቲ ሸወድን ክዕጸዋ ወይ ክቕጽላ ዝብል ወሳኔ ኣብ ሓደ መደምደምታ ክበጽሕ ሙዃኑ ሓቢራ። ከምዝፍለጥ ደንማርክ ኣቅዲማ ንኩሉ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝዓጸወትሉ ነርወይ ብወገና ካብ ዝመጽእ ሰኑይ ጀሚሩ ኩሉ ኣባይተ ትምህርቲ እታ ሃገር ክዕጸዋ ብምእዋጃ ሽወደን ብወገና …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ዝኾነ ስራሕ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ዝሳናኸል ሰራሕ ከምዝይህሉ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፈን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ካብቲ ንቡር ብርክት ዝበለ ባጀት ንቐጻልነት ሓለዋ ጥዕና ከም ዝሰልዐን ብምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሽውደን ይዂን ካልኦት ሃገራት ዝሰናኽል ስራሕ ከም ዘይህሉን ተመልኪቱ። ሽወደን ጽቡቕ ዝበሃል ምድላዋት ጌራ ምህላዋን ነዚ ቅልውላው ንምምካት ክኢላታት ዘድሊ ዕዮ ይዓዩ ምህላዎምን ድማ ገሊጹ። ንሱ ምልባዕ እዚ ሕማም ንምቅላስ ዝግበር ዕዮ ንመንግስቲ ጥራይ ክግደፍ …

Read More »

ብምኽንያት ፍርሂ ቫይረስ ኮሮና ትራፊክ ፖሊስ ናይ ትንፋስ መርመራ ክምዘቛረጺ ገሊጹ።

በዓልመዚ ጥዕናን ምክልኻል ሓደጋን ፖሊስ ትራፊክ ሓደገኛ ኮይኑ እንተ ተሰሚዕዎ ነዚ መርመራ ክገድፎ ከም ዝኽእል ምምልካቱ ድማ ተገሊጹ። እዚ ስርዓት ኣቐዲሙ ደው ዘይምባሉ ከም ዘገረሞ ፓትሪክ ዳኔልሰን ኣመልኪቱ’ሎ። ዘሎናዮ ኣዝዩ ሓደገኛ ኲነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኤጀንሲ በዓልመዚ ጥዕና እዚ ውሳነ ምውሳኑ ግቡእ እዩ ኢሉ’ሎ።

Read More »

ሽወደን ፡ኮረና ቫይረስ ካብ መልከፍቲ ናብ ምሕላፍ ሂወት ወዲ ሰብ ይሰጋገር።

ሓደ ናይ ዕድሜ በዓል ጸጋ ዝኾነ ድሕሪ ብ ኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ህይወቱ ብምሕላፋ ናይ መጀመርያ ሰብ በዚ ቫይረስ ተለኺፉ ሂወቱ ዝሃልፈ ሰብ ኣብ ሽወደን ብሙኻን ስም ሽወደን ኣብ ስም ዝርዝራት በዚ ቫይረስ ዝመትወን ሃገራት ትኣቱ። እዚ ኣብ ሆስፒታል ካሮንሊስካ ሂወቱ ዝሓለፈት ሰብ ቅድሚ ሕጂ እውን ብ ሕዱር ናይ ክሮኒክ ወይ ዘይሓዊ ሕማም ዝሳቐ ዝነበረ ሙኻኑ ሓኻይም እዚ ሆስፒታል ይገልጹ። በዚ …

Read More »

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ልዕሊ 500 ሰባት ከይእከቡ ክኸልክል እዩ።

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና መንግስቲ ሽወደን ልዕሊ 500 ሰባት ከይእከቡ ዝኸልክል ሕጊ ከውጽእ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እቲ በዓልመዚ ሎሚ ኣብ ዝሰደዶ ለበዋ ቫይረስ ኮሮና የስፋሕፍሕ ምህላዉን በዚ ድማ ልዕሊ 500 ሰባት ከይእከቡ ክኸልክል ሕጊ ክወጽእ ከም ዝግባእ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ለበዋ ንስፖርታዊ ምትእኽኻብ፥ ኮንሰርትታት፥ ኤክዚብሽናት፥ ኮንፈረንስ ዝምልከት ኮይኑ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ናብ ሽወደን ዝመጹ ሰባት ዝገብርዎ ምትእኽኻባት ንምውጋድ ዝዓለመ እዩ። “እዚ ለበዋ ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com