Friday , April 26 2024

ቁጠባ

ካብ ምምሕዳራት ከተማኦም መሰረታዊ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ዘይረኽቡ ሰባት ናብ ገዚፍ ዕዳ ይሽመሙ’ለዉ

ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ ኣዝዩ መሰረታዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝተኸልከሉ ወይ ቅድሚ ምቕባሎም ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክጽበዩ ዝግደዱ ሰባት፡ መግቢን ገዛ ኽራይን ዝዝኣመሰለ መሰረታዊ ሰብኣዊ ጠለባት ንምኽፋል ልቓሕ ምውሳድ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ተመራመርቲ “ቤት ትምህርቲ ማሕበራዊ ስራሕ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ” ገሊጾም። ኣብ ሽወደን ሰባት ንነብሶም ዝመርሕሉ መገዲ እንተዘይብሎም ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ ገንዘባዊ ሓገዝ ወይ “ፎርሾርኒንስቶድ” ከመልክቱ …

Read More »

ስፖቲፋይ ወጻኢታት ንምንካይ 1500 ስራሕ ምቑራጹ

ኣገልግሎት ስትሪሚንግ ስፖቲፋይ ቊጽሪ ሰራሕተኛታቱ ብ 17% ይቕንስ ከምዘሎን እዚ ድማ ልዕሊ ሽሕ ሰባት ስራሕ ክስእኑ ክገብር ከም ከምዝኽእልን ተገሊጹ። መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ናይቲ ሽወደናዊ ኩባንያ ዳኒኤል ኤክ ንሰራሕተኛታት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነቲ ስጉምቲ “ዓብዪ ለውጢ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ። “ሓቂ ንምዝራብ፡ ብዙሓት በላሕቲ፡ ንፉዓትን ጻዕራማትን ሰባት ክወጹና እዮም” ክብል ኤክ ኣብቲ ደብዳበኡ ገሊጹ።

Read More »

ኣባይቲ ሽወደን ካልእ ልዑል ዋጋ ጸዓት ዝረኣየሉ ክረምቲ ከጋጥመን ዶ ይኸውን?

ዝሓለፈ ክረምቲ፡ መንግስቲ ነቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ደገፍ ጸዓት ንምሃብ ኢዱ ብምእታዉ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ሽወደን ኣዝዩ ልዑል ዝተባህሀሉ መጠን ክፍሊት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘጋጠመን ተሓቢሩ። ክረምቲ 2024 ከመይ ክኸውን እዩ? ከምኡ’ውን ንዝለዓለ ሕሳብ ምውዓይ ነዳዲ ዝድርኹ ረቛሒታት እንታይ እዮም? መልሲ ናይቶም ሕቶታትን ካልእን ንምርካብ፡ ሬድዮ ሽወደን ምስ ካጅ ፎርስበርግ ዝተባህለ ተንታኒ ዕዳጋ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኤጀንሲ ጸዓት ሽወደን ኣዘራሪባ’ላ። ንሱ ኣብ መልሱ …

Read More »

ስድራቤታት ብምንቊልቋል ቚጠባ ይህሰዩ

ቁጠባ ሽወደን ሕጂ ብወግዒ ኣብ ምንቁልቋል ስለዝርከብ፡ ብዙሓት ስድራቤታት እዚ ኲነታት ክስምዖም ጀሚሩ’ሎ። ሽመታ ኣባይቲ ምንቊልቋል ካብ ዝጅምር ልዕሊ ሓደ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ሬድዮ ሽወደን እዚ ኲነታት ብልክዕ ከመይ ዝበለ ጽልዋ ኣብ ዜጋታት የሕድር ምህላዉ ንምፍላጥ ን ገለ ሰባት ተወኪሳ ኔራ። ሓደ ካብዚኦም ዝኾነ ኣቦ እዚ ኲነታት ጽልዋ ከም ዘሕደረሉ፡ ናይ ምጒዓዝ መደባቱ ዳግመ ግምት ክገብረሉ፥ ኣብ ኣወጻጽኣ ገንዘቡ ኸኣ …

Read More »

ቊጠባ ሽወደን ምንቊልቋል የጋጥሞ

ቁጠባ ሽወደን ኣብ ምንቁልቋል ከምዘሎ ሎሚ ብወግዒ ተረጋጊጹ ኣሎ፡፡ ን ክልተ ተኸታተልቲ ርብዒ ዓመት ኣሉታዊ ዕብየት ኣመዝጊቡ’ሎ። ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት 2023 ውሽጣዊ ፍርያት ሽወደን ብ 0.3% ምንካዩ ሎሚ ካብ ስታቲስቲክስ ሽወደን ዝወጸ ሓድሽ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። “ስድራቤታት ምስ ክብሪ ናብራ ኣብ ምቅላስ እዮም ዝርከቡ፣ ሸመታ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ነክዩ’ሎ፣ ብሰንኪ ልዑል ዋጋታት ንብረትን ልዑል መጠን ወለድን ጸቕጢ ይስምዖም ኣሎ” ክብል …

Read More »

ኣፍረይቲ ፍረታትን ኣሕምልትን ብ ሱፐርማርኬታት ንውጻዕ ኣለና ክብላ ይኸሳ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋ ፍረታትን ኣሕምልትን ኣዝዩ ከምዝወሰኸ መዐየሪ ዋጋ ሃለኽቲ ኣመልኪቱ። ንኣብነት ኮሚደረ፡ ሕጂ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ብ 47% ዋጋ ወሲኹ’ሎ። ኣፍረይቲ ግን ዝረኽብዎ መኽሰብ ትሑት ብምዃኑ ስርሖም ደው ከብሉ ይቕሰቡ ምህላዎም እዮም ዝገልጹ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት እዚ ኣሸጋሪ ኲነታት ዕዳጋ ዓበይቲ ሱፐርማርኬታት እኹል ክፍሊት ይገብራ ዘይምህላወን እዩ ክብሉ ከም ዝወቕሱ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ሰንሰለት …

Read More »

ማእከላይ ባንክ ንመጠን ወለድ ኣብ 4% ክጸንዕ ወሲኑ

ማእከላይ ባንክ ሽወደን–ሪክስባንክ–ቀንዲ ወለድ ኣብ 4% ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት ጀሚሩ ሸሞንተ ተኸታተልቲ ወሰኽ ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ መጠን ወለድ ክዕቅብ ወሲኑ’ሎ። እቲ ባንክ፡ ዋጋታት ንብረት ገና ኣዝዩ ልዑል ምህላዉ፡ እንተኾነ ግን ቊሩብ ምጒዳሉ፡ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ምንቊልቋል ከምዘሎን ንጹር ምልክታት ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ሕጂ’ውን ልጓም ዘለዎ ገንዘባዊ ፖሊሲ ምኽታል ኣድላዪ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ባንክ፡ …

Read More »

ፊንላንድ፥ ኩነታት ሽቕለት እናኸፍአ ይመጽእ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኲነታት ሽቕለት ፊንላንድ እናኸፍአ ምምጽኡ ተፈሊጡ። ስታቲስቲክስ ፊንላንድ ትማል ሰሉስ ን ውጽኢት ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ መጽናዕቲ ዓያዪ ሓይሊ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቁጽሪ ናይቶም ካብ 15–74 ዝዕድሚኦም ኣብ ስራሕ ዘለዉ ሰባት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብ3 1 ሽሕ ከምዝነከየን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣስታት 2,605,000 ከምዝበጽሐን ኣረጋጊጹ። ቁጽሪ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ጥቅምቲ 2022 …

Read More »

ብዛዕባ ውሳነ ወለድ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዘይርጉጽነት ይነግስ

ጽባሕ ሓሙስ ማእከላይ ባንክ ሽወደን “ሪክስባንክ” ኣብ ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ካብ ዜሮ ናብ 4.0% ዝዓረገ ዋና ወለድ ዝምልከት ናይ መወዳእታ ውሳነኡ ከፍልጥ እዩ። ገለ ክኢላታት ስነ-ቑጠባ ተወሳኺ ናይ 0.25% ወሰኽ ክህሉ እዩ ዝብል ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ። ገለ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ጥርዚ ወሰኽ ስለዝተበጽሐ ዝኾነ ወሰኽ ኣይክህሉን እዩ ክብሉ ተሟጊቶም ኣለዉ።

Read More »

ዋጋ መግቢ ዳግማይ ይውስኽ

ንገለ ኣዋርሕ ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋጋ መግቢ ኣብ ሽወደን መሊሱ ይውስኽ ኣሎ። ዋጋታት መግቢ ዝከታተል ናጻ መርበብ ሓበሬታ “ማት-ፕሪስ-ኮለን ከም ዝብሎ፡ ሲሶ ካብ ኩሉ ኣብ መሸጣታት ዝቐርብ መግቢ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ወሰኽ ዋጋ ኣርእዩ’ሎ። ዋጋታት ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ወርሒ መስከረም ክነጻጸር እንከሎ ብማእከላይ ገምጋም ብ 0.3% ወሲኹ’ሎ። ብፍላይ ድማ ከም ኣሕምልቲን ድሉዋት መግቢታትን ምስ ዘለናዮ ወቕቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com