Friday , April 26 2024

ቁጠባ

ኣሃዱ ጸረ ብልሽውና ሽወደን፡ ኣብ ጒዳይ ኲባንያ ተሌኮም ኤሪክሰን ኣፈናዊ መርመራ ከፊቱ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ዓቀብቲ ሕጊ ኣሃዱ ጸረ-ብልሽውና ሽወደን፡ ን ጒዳይ ኲባንያ ተሌኮም ኤሪክሰን ኣመልኪቶም ኣፈናዊ መርመራ ምኽፋቶም ተፈሊጡ። እዚ መርመራ፡ እቲ ኲባንያ ኣብ ዓመታት 2013-2019 ኣብ ዒራቕ ፈጺምዎ ዝበሃል ጒቦ ክርኢ እዩ። ቅድሚ ምጅማር እዚ ኣፈናዊ መርመራ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤሪክሰን ቦርየ ኤኾልም፡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ነባሪ ለውጢ ንምርግጋጽ ከምኡ’ውን ስነምግባርን ሕጊን እቲ ኲባንያ ንምምሕያሽ” ብተወፋይነት ክሰርሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኣቦመንበር ኣህጒራዊ ተሓታትነት ሽወደን፡ ኡልሪክ …

Read More »

ኣብ ባጀት ጽድያ ተወሳኺ ገንዘብ ንምክልኻልን ጡረተኛታትን ክምደብ እዩ።

ኣብ ዩክሬይን ዝግበር ዘሎ ኲናት ነቲ ትማል ሰሉስ ዝቐረበ ባጀት ጽድያ ጽልዋ ከም ዘሕደረሉ ይግለጽ ኣሎ። ንምቕባል ስደተኛታት፡ ምክልኻል ሲቪላውያን ከምኡውን ንድኻታት ጡረተኛታት ተባሂሉ ተወሳኺ ባጀት ተመዲቡ ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ዞባታት ዝያዳ ነርስታት መታን ክቖጽራ ተባሂሉ ንክንክን ጥዕና ተወሳኺ በጀት ተሰሊዑ’ሎ። እንተኾነ ግና ሕዳጣን መንግስቲ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ውጥናቱ ኣብ ባይቶ ንኸይጸድቕ ዓብዪ ብድሆ ገጢምዎ ምህላዉ ተንታኒ ፖለቲካዊ ጒዳያት ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ተቓዋሚ ሰልፊታት ንባጀት ጽድያ “ዓበይቲ ሽግራት ዘይፈትሕ እዩ " ክብላ ነቒፈናኦ።

ተቓወምቲ ሰልፊታት ነቲ መንግስቲ ትማል ሰሉስ ዘውጽኦ ባጀት ጽድያ ብብዙሕ መልክዓቱ ይነቕፍኦ ምህላወን ይግለጽ ኣሎ። ሰልፊ ሞደራትና ከምኡ’ውን ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ምስ ሰልፊ ዴሞክራትና ብዛዕባ ኣማራጺ ባጀት ይላዘባ ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ሰልፊ ሊበራል ኣካል ናይዚ ልዝብ ድዩ ዝብል ገና ኣይተፈልጠን ኣሎ። ሰልፊ ማኣከላይ ነቲ ውሕሰንት እተዋህበሉ እማመ ጒዳይ ወሰኽ ዝነኣሰ ጡረታ ኣመልኪቱ ሓደ ሰብ ክሳብ ክንደይ ሰሪሑ ንዝብል ኣብ ግምት ዘየእቱ እዩ ክብል …

Read More »

ዝቕባበ ሽወደን 6.1 % በጺሑ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ዝቕባበ ሽወደን 6.1% ምብጽሑ ካብ ስታቲስቲክስ ሽወደን እተረኽቡ ሓደስቲ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ከምዚ ዝበለ ዝቕባበ ዋጋ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብምኽንያት እዚ ልዑል ዝቕባበ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ኣብ ክንዲ ኣብ 2024 ካብ ዝመጽእ ወርሒ ኣትሒዙ ወለድ ክውስኽ ከም ዝኽእል ተንታኒት ቊጠባ ሬድዮ ሽወደን ክሪስቲያን ኣስትሩም ገሊጻ’ላ።

Read More »

ትካል ማይብሎማን ዓመታዊ ንጥፈቱ ጀሚሩ። 

ንቆልዑ ካብ ድኽነት ዝሕሉ ትካል ማይብሎማን ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ዓመታዊ ማዕከኑ ናይ ምስሳን ንጥፈት ምጅማሩ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ትካል ነዚ ዝገብር ብወረቐት ዝተሰርሑ ዕንባባታት ብቆልዑ ከም ዝሽየጡ ብምግባር እዩ። “ንግስቲ ሽወደን ቀዳመይቲ ዕንባባ ገዚኣ’ላ” ክትብል ዋና ጸሓፊት ትካል ማይብሎማን ኤስ ኤነል ገሊጻ’ላ። ካብ መሸጣ እዚ ዕንባባታት ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ሽግር አለዉ ህጻናት ንምርዳእ ክውዕል እይ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ድኽነት ዘለዉ ህጻናት ሽወደን …

Read More »

ሽወደን፥ ኣባይቲ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ንምህናጽ ቢልዮናት ክሮና መዲባ።

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ባጀት ዝመጽእ ጽድያ ንኣባይቲን ካልእን ወጻኢታት ስደተኛታት ዩክሬይን ንምሽፋን ናይ 9.8 ቢልዮን ክሮና ክትምድብ ምዃና ሚንስተር ፋይናንስ ሚካኤል ዳምበርግ ብሓሙስ ገሊጹ። ሚኒስተር ስደትኛታት ኣንደርስ ይገማን ብወገኑ ሽወደን ዘላቕነት ዘለዎ ጽንዕ ዝበለ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ፖሊሲ ክህልዋ ኣለዎ ኢሉ። ሽወደን ዩክሬናውያን ስደተኛታት እትቕበለሉ ዘላ ኣገባብ ንሓደ ዓመት ናይ መንበሪ ፍቓድ ብምህናህ እዩ ተባሂሉ’ሎ።. ኲሎም ቆልዑ ስደተኛታት ኣብ መኣዲ …

Read More »

ሽወደን ካብ ማዕከን ድሕረ-ለበዳ 34 ቢልዮን ክሮና ክወሃባ እዩ። 

ሽወደን ካብ ማዕከን ምሕዋይ ለበዳ ኮሮና ኣውሮጳዊ ሕብረት ምወላ ክግበረላ ዘእተወቶ መመልከቲ ብ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ብመሰረት እዚ ፍቓድ ሽወደን ካብቲ ብጥቕላላ ናይ 8 ትሪልዮን ክሮና ዘለዎ ማዕከን ናይ 34 ቢልዮን ክሮና ምወላ ክግበረላ እዩ። ፍርቂ ናይዚ ምወላ ኣብ ጒዳይ ኲነታት ኣየር ንዘሎ ሽግራት ንምቅላል ወፍሪ ክግበረሉ እንከሎ ሓደ ሕምሲት ከኣ ኣብ ፕሮጀክቲታት ምድጅታልን ወፍሪታት …

Read More »

ስደተኛታት ዩክሬይን ጽቡቕ ተስፋ ሽቕለት ኣለዎም ተባሂሉ። 

ብሰንኪ ኲናት ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ዩክሬናውያን ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ርሒብ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎም ኣገልግሎት ህዝባዊ ሽቕለትን መንግስትን ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ታሪኽ ዝለዓለ እተባህለሉ ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድላት ይወዓዋዕ ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው እዮም እዞም ኣካላት ተስፋታቶም ገሊጾም ዘለዉ።  ዳይረክተር ጀነራል ኣገልግሎት ህዝባዊ ሽቕለት ማርያ ሚንዳመር ደለይቲ ስራሕ ብኸመይ ከም ዘመልክቱ ድሕሪ ምዝርዛር ሰባት ስራሕ …

Read More »

ፍቓድ ዕደና ሽወደን ተቓውሞ የጋጥሞ። 

መንግስቲ ሽወደን ካብ ጆክሞ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዘሎ ካላክ ዝተባህለ ቦታ ዕደና ኣይረን ንኽካየድ ፍቓድ እኳ እንተሃበ እዚ ፕሮጀክት ስራሕ ንኽጅምር ተወሳኺ ፍቓድ ዝጠልብ ምዃኑ ተገሊጹ። ይዂን’ምበር እዚ ውሳነ ብጒጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ደቀባት ሰሜን ሽወደን ዝኾኑ ሳሚን ብርትዕ ዝበለ ተቓውሞ ኣጋጢሞዎ’ሎ።  እዚ ፕሮጀክት ን ጥዕና ኣከባቢን መፍረ ሬይንዲርን ዝዕንቅፍ እዩ ብምባል እዮም እዞም ጒጅለታት ተቓውሞኦም ኣቕሪቦም ዘለዉ። ቆንስል ምምሕዳር ከተማ …

Read More »

ዋጋታት መግቢ ንምምሕዳራት ከተማ ብድሆ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ።

ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋታት መግቢ ቆንስላት ምምሕዳራት ከተማ ስርሒታተን ብግቡእ ከየካይዳ ብኣሉታ ይጽለዋ ምህላወን ተገሊጹ። ንኣብያተ ትምህርቲ፡ መእለዪ ዓበይቲን ካልኦት ጽላታትን መግቢ ንምቕራብ እዘን ቆንስላት ቢልዮናት ክሮና ወጻኢ ይገብራ ምህላወን ሬድዮ ሸወደን ጸብጺባ’ላ። እዘን ቆንስላት ንመግቢ ጥራይ ኣብ ዓመት 7 ቢልዮንን ፈረቓን ክሮና ወጻኢ ይገብራ ምህላወን ሓላፊት ማሕበር ውሽጣዊያን ሰብመዚን ዞባታትን ኣኒካ ቫለንሾግ ገሊጻ’ላ። ምኽንያት ወሰኽ ዋጋ መግቢን ኲናት ዩክሬይን ሒዝዎ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com