Saturday , April 20 2024

ቁጠባ

ሓድሽ ሕግታት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ንዓሎቕ ደው ከምዘየብሎ ተገሊጹ

ሓድሽ ሕጊ ፍቓድ ስራሕ፡ ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ንዘይኮኑን ኣብ ሽወደን ክጸንሑ ዝደልዩን ካብ መጭበርበርቲ ከምዘይከላኸል ማሕበራት ንኣገግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢረን።ዳና ነቲ ሓድሽ ደረት 27,360 ክሮና ኣብ ወርሒ ንምምላእ ዝለዓለ ደሞዝ ከምዝተዋህቦኳ ፡ ነቲ ትርፊ ብጥረ ገንዘብ ንኣስራሒኡ ክመልሶ ከም ዝተነግሮ ይገልጽ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ሆቴላትን ኣብያተ መግብን፡ ኣብ ልዕሊ ስነ-ምግባር ዘይብሎም ኣስራሕቲ ዝያዳ ምጽራይ ከምዘድሊ በዚ ኣጋጣሚ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Read More »

ዋጋታት መግቢ ኣብዚ ዓመት ብ 12% ክውስኽ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ኣብዚ ዓመት፡ ዋጋታት መግቢ ሽወደን ብ 12% ክውስኽ ይኽእል እዩ ክብል፡ ን ዱካናት መግቢን ዋጋታትን ዝከታተል ኲባንያ ሞትፕሪስኮለን ሓቢሩ። ዋጋታት መግቢ፡ ኣብዚ ዓመት ብፍላይ ድማ ኣብ ወርሒ ግንቦት ክውስኹ ምጽንሖም ዋና ኣካያዲ እቲ ኲባንያ ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ። ምኽንያት ናይዚ ምውሳኽ፡ ኣብ መላእ ሰንሰለት መፍረ መግቢ ዘሎ ልዑል ዋጋ መግቢ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ኖርወይ፥ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣዝዩ ነክዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኖርወይ፡ ካብቲ ኣብ ታሕሳስ ዝነበረ ብ 0.4 % ብምጒዳል፡ 2.9% ምብጽሑ፥ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 14 ካብ እተራእዩ ኣሃዛት፡ ዝተሓተ ምዃኑ ስታቲስቲክስ ኖርወይ ትማል ረቡዕ ኣመልኪቱ። ካብ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ክሳብ ወርሓ መጋቢት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ 10,000 ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ከም እተመዝገቡ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ እዚ ድሕሪ 2008 ዝተረኽበ ዝተሓተ ኣሃዝ ምዃኑ ኣመልኪቱ። “ካብ ሳመር …

Read More »

ምስ ምውሳኽ ዝቕባበን ወለድ ባንክን፡ ዕዳጋ ኣባይቲ ምርግጋኡ ተገሊጹ።

ዕዳጋ ኣባይቲ ሽወደን፡ ኣብ እዋን ለበዳ ዑል ናህሪ ኣርእዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ምርግጋእ ምልክታት የርኢ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ ቀዳሞት ክልተ ሳምንታት ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ዝበዝሓ ከተማታት ሽወደን፡ ዋጋታት ኣባይቲ ሒደት ሒደት እኳ እንተኾነ ምጒዳል ኣርእዩ ኔሩ፡ ክብል ኣብ ስታቲስቲክስ ኲባንያ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ሃንስ ፍሊንክ ገሊጹ’ሎ። ርግእ ዝበለ ዋጋ ኣባይቲ ነመትቲን ሸየጥትን ዝጠቅም ብምዃኑ ምስንባድ ከም ዘየድሊ ፍሊንክ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኖርወይ 40.1 ቢልዮን ክሮና ሓገዝ ሂባ። –ሶርያ ዝለዓለ መጠን እዚ ረድኤት ተቐቢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኖርወይ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት 40.1 ቢልዮን ክሮና ሓገዝ ሂባ። ሶርያ ብተኸታታሊ ንሻድሻይ ግዜ ዝለዓለ መጠን እዚ ረድኤት ተቐቢላ ተባሂሉ። እዚ መጠን ረድኤት ምስ ናይ ዓመተ 2020 እንክወዳደር ናይ 600 ሚልዮን ክሮና ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። 50% ካብዚ ረድኤት (ኣስታት 20 ቢልዮን ክሮና ኣቢሉ) ብ Norad ዝተዋህበ ኮይኑ፡ 32% (13 ቢልዮን ክሮና) ኣብ ኦስሎ ካብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ፡ ዝተረፈ መጠን ድማ …

Read More »

ስደተኛታት ዩክሬይን ብድሆታት ኣባይቲ ይገጥሞም ኣሎ ተባሂሉ።

ምስ ወለንተኛታት ኣጸጋዕቲ ዝቕመጡ ገለ ስደተኛታት ዩክሬይን፡ ኣባይቲ ናይ ምርካብ ብድሆ ኣጋጢምዎም ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ እዋን ነዊሕ ናይ ምህሮ ዕረፍቲ እዞም መጸጋዕቲ ናብ ቤቶም ክምለሱ ስለ ዝኾኑ፡ ወቕቲ ሳመር ነቶም ሓደስቲ ኣባይቲ ዝደልዩ ስደተኛታት ዩክሬይን ኣሸጋሪ ናይ ምጽባይ ግዜ ክኸውን እዩ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እታ ሬድዮ ናታልያ ንዝተባህለት፡ ኣብ ዕረፍቲ ግዜኣ እትሰርሕን ደቃ እተምህርን ዩክሬናዊት ኣዘራሪባ ኣብ ዝረኸበቶ ሓበሬታ፡ ስደተኛታት ዩክሬይን ኣብ …

Read More »

ብምኽንያት ምቊራጽ ቀረብ ጋዝ ሩስያ፡ ዋጋ ኤለትሪክ ሽወደን ክኸብር እዩ ተባሂሉ።

ሩስያ፡ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋርያን ዋጋ ጋዝ ብሩብል ክኸፍላ ንዘቕረበቶ ጠለብ ብዘይምቕባለን፡ ናብዘን ሃገራት እተቕርቦ ዝነበረት ጋዝ ምቚራጻ ተፈሊጡ። እዚ ድማ፡ ሽወደን እትኸፍሎ ዋጋ ቅብሊት ንክውስኽ ምኽንያት ከም ዝኸውን፡ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ። ኣብ ዕዳጋ ጸዓት ክኢላ ትንተና ELS ሳምኤል ሲዙክ፡ እዚ ምዕባለ ኣብ ዋጋ ጸዓት ድሮ ናይ ባዕሉ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኣብ ዘሎ ስጡም ዓለማዊ ዕዳጋ ዓብዪ ዘይምጥርጣር ክህሉ ዝገብር እዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ። ሳዕቤናት …

Read More »

ጠለብ ኦም ሓርከም ሽወደን ይዛይድ።

ብምኽንይት ኣብ ሩስያ እተጻዕነ እገዳ ጠለብ ኦም ሓርከም ሽወደን ኣዝዩ ምውሳኹን በዚ ድማ ኲባንያታት ሽወደን መኽሰበን ምስሳኑን ይግለጽ ኣሎ። ሩስያ ዝዓበየት ኣቕራቢት ጥሑን ውጽኢት ዕንጸይቲ ምንባራን ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ተጻዒኑ ዘሎ እገዳታት ኣውሮጳውያን ሸመትቲ ካልእ ዕዳጋታት ሃሰው ኣብ ምባል ከም ዝርከቡን ዝፍለጥ እዩ። ብፍላይ ክሳብ ዝቕጽል ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ኢንድስትሪ ኦም ሓርከም ሽወደን ጸቕጢ ዝፈጥር ጠለብ ክሁ ከም ዝኽእል ብዓርቢ ዝወጸ ጸብጻብ ወንኒ ሳምዊል …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ መራኽብ ሩስያ ዘንበሮ እገዳታት ውጽኢታዊ ኣይኮነን ተባሂሉ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳታት ክትግበር ብዘይምኽእሉ፡ ውጽኢታዊ ዘይምዃኑ ን ሰራሕተኛታት መዐሸግ መራኽብ ሽወደን ዝውክላ ማሕበራት ገሊጸን። ሓደ ማሕበር፡ ብሩስያ ዝውነና ወይ ናይ ሩስያ ባንዴራ ዘንበልብላ መራኽብ ክጽዕን፡ ወይ ጽዕነተን ከራግፍ ከም ዘይደሊ ክገልጽ እንከሎ፡ ካልእ ድማ፡ ካብ ባሕቲ ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እዘን መራኽብ እገዳ ከንብር ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ካብ እትፍጽም ንደሓር፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሌኣ …

Read More »

መንግስቲ ዘውጽኦ ውጥን ስደተኛታት ምንም ሓድሽ ነገር የብሉን ብዝብል ብርቱዕ ይንቀፍ ኣሎ።

ሓደሽቲ ስደተኛታት ኣብ ዝቐልጠፈ ስራሕ ንክረኽቡ መንግስቲ ዘውጽኦ ፕሮግራም ምስ ውጥን ምጥያስ ብትሕዝቶ ሓደ እዩ፡ ምንም ሓድሽ ነገር የብሉን ብዝብል ብብርቱዕ ይንቀፍ ኣሎ። ተሳተፍቲ ናይቲ ጽዑቕን ን ዓመት ዝካየድን ፕሮግራም ብዝቐልጠፈ ቋንቋ ሽወደን ዝመልኩሉ ኮርሳት ከምኡ’ውን ናይ ምሉእ እዋን ናይ ተልመዴን ሞያ ከም ዝወስዱ እዩ ዝግበር። እንተኾነ ግና ነቐፍቲ ነዚ ተባሂሉ ዝውሰድ ናይ ስልጠና ኮርስታት ምስቲ ን መጣየሲ ተባሂሉ ንክልተ ዓመት ዝወሃብ ፕሮግራም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com