Saturday , May 18 2024

ቁጠባ

Harmony Media News 25/01/2021

Read More »

መጠን ብዝሒ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ዝኾነ ክታበት፡ ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ምዃኑ ተገሊጹ

እቲ ብኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ዝፈሪ ዘሎ ክታበት፡ ተቐባልነት ምስ ረኸበ፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ን27 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣስታት 100 ሚልዮን ብልቃጥ (ዶዝ) ከቕርብ ምዃኑን ብጠቕላላ ድማ ናይ 400 ሚልዮን ብልቃጥ (ዶዝ) ከቕርብ ስምምዕ ከምዝተፈራረመ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሃገረ በልጂም ዝርከብ፡ ናይ ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ክታበት ዘፍሪ ፋብሪካ፡ ከፍርዮ ወጢንዎ ዝነበረ መጠን ብምውሓዱ፡ ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ፡ …

Read More »

Harmony News. 22/01/2021

Read More »

ኖርወይ፡ ንእገዳ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ኣልዒላቶ

ኣብ መላእ ሃገረ ኖርወይ ዝርከቡ ባራትን መዘናግዒ ማእከላትን፡  ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ፡ ከምዘልዓለቶ ኣፍሊጣ። እዚ ኣብቲ ቲንግስሁስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ባይቶ ሃገረ ኖርወይ ዝተገብረ ክትዕ፡ ናእሽቱ ትካላት፡ በቲ ዉሳነ ተጎዲኦም እዮም ዝብል ከም ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ዉሳነ ከምዝኾነ እቲ ዜና ኣረዲኡ ኣሎ። በዚ መሰረት፡ ኖርወይ፡ ካብ ዓርቢ ጀሚራ፡ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ናብ ንቡር ክምለስ ምዃኑ ሓቢራ።

Read More »

Harmony News 20-01-2021

Read More »

ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ ቀዳማይ ማዕጾ ናይ ኣውቶቡሳት ምኽፋቱ ተሓቢሩ

ካብ ሎሚ ረቡዕ፡ ዕለት 20/01/2021 ጀሚረን፡ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከባ ኣውቶቡሳት፡ ቀዳማይ ማዕጾአን ከምዝኸፈታ ተፈሊጡ። በዚ መሰረት፡ ኩሎም ተጓዓዝቲ፡ ናይ SL ካርድታቶም ክጥቀሙ ክጅምሩ ምዃኖም ሓላፊ መስመር መጓዓዝያ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ ቀዳማይ ማዕጾ ናይ ኣውቶቡሳት ከምዝተዓጽወ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 90 ካብ 280 ኣውቶቡሳት፡ ኣብ ከባቢ መራሒ መኪና፡ መከላኸሊ ቬትሮ ክስራሓለን ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ።   እዚ …

Read More »

Harmony News 18/01/2021

Read More »

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ካብ ሞራላዊ ውድቀት የጠንቅቅ

ድኻታት ሃገራት ዓለምና እንዳ ተሳቐያ፡ ሃብታማት ሃገራት፡ ንክታበት ኮሮና ንኽውንና ላዕልን ታሕትን ምባል እንተድኣ ቀጺለን፡ ዓለምና፡ ናብ ሓደገኛ ዝኾነ ሞራላዊ ውድቀት ገጻ ክተምሕ ምዃና ኣቦወንበር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ገሊጹ። ሃብታማት ሃገራት ዓለምና፡ ንውልቀን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ እተን ድኻታት ዝኾና ሃገራት ክሓስባ ኣለወን። ብተወሳኺ፡ መድሃኒት ክታበት ናብ መላእ ዓለም ብመንገዲ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣቢሉ ንኽፍቀደለን ዝጽዕራ፡ ነተን ክታበት …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 1555 ስራሕ ደው ናይ ምባል ምልክታ ተመሓላሊፉ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ 1555 ስራሕ ደው ናይ ምባል ምልክታ ከምዝተቐበለ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓቢሩ። እዚ ቁጽሪ’ዚ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ንደሓር፡ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብኻልእ ወገን፡ ብዝሒ ናይቶም ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ 465 ሽሕ ብምብጽሑ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 8.9% በጺሑ። ጠንቂ ብዝሒ ስራሕ ደው ናይ ምባል ምልክታታት፡ እቲ ብመንግስቲ ዝተበየነ፡ ዝተረረ ሕግታት ኮሮና ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ …

Read More »

ምስ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ዝተሓሓዙ፡ ጸብጻባት “ናይ ስራሕ ሓደጋ” እናበዝሑ ምምጸኦም ተሓቢሩ

ኣብ ቀዳሞት ክልተ ሳምንታት ናይዚ ጀሚርናዮ ዘለና ዓመት፡ ምስ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ዝተሓሓዙ፡ ጸብጻባት “ናይ ስራሕ ሓደጋ”፡ ብብዝሒ ከምዝተቐበለ፡ ንኩነታት ስራሕ ዝከታተል ሽወደናዊ ኤጀንሲ ገሊጹ። እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩንታት፡ ብጣዕሚ ኣሰካፊ ተርእዮታት እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ሓላፊት እቲ ኤጀንሲ፡ ኦልሪካ ሾላንደር፡ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ሓቢራ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ 484 ጥርዓናት ዝሓዙ ጸብጻባት ምምጸኦም፡ እዚ ድማ፡ ለበዳ ኮሮና …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com