Tuesday , May 21 2024

ቁጠባ

55 ሽሕ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና፡ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ መዓልታት ኣድማ ክገብሩ ተኽእሎታት ኣሎ

ብሕታውያን ኩባንያታት ክንክን ጥዕና፡ ነቲ ብማሕበር ሰራሕተኛታት ዝቐረበ ጠለብ ምውሳኽ ደሞዝ ኣወንታዊ መልሲ እንተዘይሂበናሉ፡ ኣብ ዝቕጽል 10 መዓልታት፡ 55 ሽሕ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ኣድማ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሓቢሩ። ነዚ ጉዳይ፡ ተገዲድና ኢና ንፍጽሞ ዘሎና ክብል ፕረሲደንት ፈደሬሽን ቶቢያስ ቦውደን ምሕባሩ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣቃሊሑ። ኣብ መንጎ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ማሕበር ብሕታውያን ኩባንያታት ክንክን ጥዕና ኣልሜጋ (Almega) ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ከም …

Read More »

ህዝባዊ መጎዓዓዝያ ከተማ ስቶክሆልም (SL) ወስክ ዋጋ ከምዝገብረ ሓቢሩ

ህዝባዊ መጎዓዓዝያ ከተማ ስቶክሆልም ማለት ኩባንያ SL ኣብ ስቶክሆልምን ከባብን ዝንቀስቀሳ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ባቡራት፣ ጀላቡን ኣውቶብሳትን ካብ 5 ጥሪ ጀሚሩ ብ 2.2 ሚእታዊት ወስክ ታሪፍ ምግባሩ ሓቢሩ። በዚ መስረት ካብ ዕለት 5 ጥሪ ጀሚሩ ወርሓዊ ካርድ 950 ክሮነር፣ ወርሓዊ ካርድ ጥሮተኛታት፣ ተምሃሮን መንእሰያትን ድማ 640 ክሮነር ክኸውን ከሎ 38 ክሮነር ድማ ዋጋ ሓደ ጉዕዞ ሙኻኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

Read More »

“30 ሽሕ ሰባት ዕዳ ክስረዘሎም ሓቲቶም” በዓል መዚ ምምሕዳር ዕዳ (Kronofogden)።

በዓል መዚ  ምምሕዳር ዕዳ (Kronofogden) 30 ሽሕ ሰባት ዕዳ ክስረዘሎም ሓቲቶም ይብል። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2020 ሰላሳ ሽሕ ሰባት ዕዳ ክስረዘሎም ከምዝሓተቱ በዓል መዚ  ምምሕዳር ዕዳ (Kronofogden)ሓቢሩ። እዚ ቁጽሪ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተመዝገቡ ቁጽሪ እቲ ዝዓበየ ምኻኑ እቲ በዓል መዚ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና TT ሓቢሩ። ኣብ ዓመተ 2020  በዓል መዚ  ምምሕዳር ዕዳ 8 ቢልዮን ክራውን ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።  “ኣዝዩ …

Read More »

ብሪጣንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ምስ ምቕራብ ብረግዚት ናብ ስምምዕ ንግድ በጺሔን ተባሂሉ።

ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ብዙሕ ዘይውጽኢታዊ ዝርርብ ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ ብሪጣንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ምስ ምቕራብ ብረግዚት ናብ ስምምዕ ንግድ በጺሒም ከይኮኑ ኣይተርፉን እዮም ክትብል ሲኤንኤን ሓቢራ ። እዚ ስምምዕ ኣብ መዓልቲ ልደት ክግለጽ ምዃኑ ዝገለጸ እዚ ጸብጻብ ካቢነ ብሪጣንያ ብዛዕባዚ ትማሊ ክሕበር ከም ዝተገብረን ድሕሪዚ ኣብ ሒደት ሰዓታት እቲ ሕጋዊ ጒዳያት ክዳቐስ እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎን ገሊጹ። ኣፈኛ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን …

Read More »

ብመንገዲ ኢንተርነት ዝግበር ዕድጊ እንዳዓበየ ከምዝመጸ ተሓቢሩ

ኣብዚ ቅንያት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ፡ እቲ ኣብ መሸጣ ዱካናት ናይ ዝተፈላለዩ ናውቲ ፡ ብዘገርም መንገዲ ከም ዘንቆልቆለ ምክትታል ዕዳጋ ሽወደን ንዝገብሮ መዕቀኒ ምርኩስ ብምግባር ሓቢሩ። ኣብቲ ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ፡ እቲ ብኣካል ዝግበር ናይ ተጠቀምቲ ዕዳጋ ብሰንኪ ተማሓላሊፉ ዘሎ ትእዛዛት ፡ ቀንዲ ምኽንያት ከም ዝኾኑ እቲ መጽናዕቲ ኣነጺሩ። ብዘይካ እዚ ኣብዚ ዓመቱ መሊኡ ዘሎ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ፡ …

Read More »

ብረግዚት ኣብ ጽላት ጥዕናን ክንክንን ብሪጣንያ ኣሉታዊ ስንብራት ክገድፍ እዩ ተባሂሉ።

ናትፊልድ ትረስት ዝተባህለ ኣማኻሪ ትካል ከም ዝሓበሮ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምውጽኣ ኣብ ጽላት ክንክን ጥዕና ዓብዪ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምጽእ ይኽእል እዩ ምባሉ ዘ ጋርዲያን ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሕታሙ ኣስፊሩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ሓደስቲ ሕጊታት ስደት፥ ምትእጒጓል ቀረብ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ምስ ቊጠባዊ ዝሕታለ ተደሚሩ ኣብ ሳየንስ ንዝግበር ወፍሪ ብኣሉታ ምጽላዉ ኣይክተርፎን እዩ። መንግስቲ ዋላኳ ነዚ ብምጽባይ ዘድሊ ዝበሎ ምቅርራብ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna. 11 December 2020

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 09 December 2020

Read More »

ሚኒስተር ፋይናንስ፡ እቶም ዝለዓሉ ተረባሕቲ ድጎማ መንግስቲ፡ ቤት ምግብታት እዮም ትብል

ሆቴላት፡ ቤት ምግብታት፡ ባህላውን መዘናግዕን ጨንፈራት ኣገልግሎታትን እቶም ቀንዲ ተረባሕቲ ናይቲ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ብመንግስቲ ዝተዋህበ ገንዘባዊ ሓገዝ (ድጎማ) እዮም ክትብል ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግዳሊና ኣንደርሾን፡ ሓቢራ። መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም ወነንቲ ናእሽቱን ብሕታውያን ኩባንያታትን ብውልቆም ንዝሰርሑ ሰባትን፡ ገዚፍ መጠን ድጎማ ከምዘካየደ፡ ኣንደርሾን፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢራ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። መንግስቲ፡ ነቶም ብሕታውያን ኩባንያታት ዝገብሮ ድጎማ፡ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን: ሰባት: ካብ ኣባይቶም ኮይኖም ስርሖም ከሰላስሉ ከም እንደገና ጸዊዑ

ምሰፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት: መንግስቲ: ነቲ ሰባት ካብ ኣባይቶም ኮይኖም ስርሖም ከሰላስሉ ዝብል መምርሒ: መሊሱ ከም ዘትረሮ ተፈሊጡ። እዚ መምርሒ ኣብ ተግባር ንኽውዕል: ኣስራሕቲ: ምቹእ ኲነታት ከደላድሉ ድማ ተላብዩ።  በዓልመዚ ናይ ስራሕ ሃዋሁን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት: ብወገን ኣስራሕቲ ክግበሩ ንዝኽእሉ ምኽርታትን መምርሒታትን ከመሓላልፉ ከም ዝግባእ: መንግስቲ: ድሕሪ ምዝኽኻሩ: ሰራሕተኛታት ካብ ኣባይቶም ዝሰርሕሉ ኩነታት ንኽበዝሕ ጸዊዑ። ዝሰርሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com