Tuesday , April 30 2024

ቁጠባ

ቁጽሪ ተጠቀምቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ስቶክሆልም፡ እናወሓደ ምምጽኡ ተገሊጹ

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ምስፍሕፋ ለበዳ ኮሮና ከምእንደገና እናገደደ ምስ መጸ፡ ከባብያዊ ቀይድታት ንኽተኣታተው መምርሒታት ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብቲ እዋን ጀሚሩ፡ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ባቡራት እናወሓደ ምምጽኡ፡ ኩባንያ SL ሓቢሩ። ኣብ ምጅማር ናይዚ ሰሙን፡ መጠን ብዝሒ ተሳፈርቲ ባቡራት፡ ብ40% ምጉዳሉ ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሮም። ብተወሳኺ፡ መጠን ብዝሒ ብኣውቶቡሳት ዝሳፈሩ ሰባት፡ እናጎደለ ምምጽኡ ውን …

Read More »

ሽወደናዊት ምምሕዳር፡ ንዝጓሓፉ ናይ ሽቓቕ ወረቓቕቲ፡ ደጊማ ንኸተመስርሕ (återvinna)፡ መጽናዕቲ ጀሚራ

ከም ካልኦት ኣህዛብ ዓለምና፡ ህዝቢ ሽወደን ውን ንዝተጠቀመሎም ናይ ሽቓቕ ወረቓቕቲ ናብ ሽቓቕ ምድርባይ ልምዲ ኣለዎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቶም ናይ ማይ ረሳሕ መስመራት፡ ብናይ ሽቓቕ ወረቓቕቲ፡ ዝዕበሱን ዝጽለዉን ስለዘይኮኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዝጓሓፋት፡ ኣካባብያዊ ብከላ ዝፈጥሩ ምዃኖም ዝሰሓት ኣይኮነን። ነዚ ምርኩስ ብምግባር እያ እምበኣር፡ ምምሕዳር ከተማ ትራኖስ (Tranås)፡ ንዝጓሓፉ ናይ ሽቓቕ ወረቓቕቲ፡ ደጊማ ከተመስርሕ ዘኽእላ መጽናዕቲ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 25 November 2020

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 23 November 2020

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 20 November 2020

Read More »

ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ጸላም ዓርቢ (Black Friday) ብኣግኡ ጀሚራ

ኣብ ሽወደን፡ ብስም ጸላም ዓርቢ (Black Friday) ዝፍለጥ እዋን፡ ዓመታዊ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር እትርከብ ዓርቢ ከምዝውዕል ይፍለጥ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንግዳውያን ትካላት፡ ዋጋታት ትሕዝቶአን ኣሕሲረን ዘቕርባሉ እዋን ኮይኑ ክሳብ ሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ እዩ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን፡ ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ገለ ንግዳውያን ትካላት፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚረን ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ወላ’ኳ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ንጽቕጥቅጥን …

Read More »

ኩባንያ ኢክያ፡ ንሰራሕተኛታቱ ናይ 14 ሽሕ ክሮነር፡ ህያብ ክህብ ወሲኑ

ዓርሞሾሽ ኩባንያ ኢክያ፡ ብምኽንያት በዓል ልደት፡ ነቶም ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኣብ ጨንፈር Ingka ዝሰርሑ ሰራሕተኛታቱ፡ ንነፍሲ ወከፎም፡ 13 ሽሕን 780 ክሮነር ብመልክዕ ህያብ፡ ክኸፍል ከምዝወሰነ ብምሕባር፡ ጠቕላላ ድምር ክኸፍሎ ወሲኑ ዘሎ ገንዘብ ልዕሊ 1 ቢልዮን ክሮነር ክኸውን እዩ ክብል ከምዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ። እዚ ህያብ ዝምልከቶም ሰራሕተኛታት፡ ኣብቲ ጨንፈር ብውሑዱ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝሰርሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ህያብ ምስ …

Read More »

ትሑት እቶት ዘለዎም ሰባት፡ ብኮሮና ናይ ምሟት ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ

ማእከል ሕማማት ለበዳን ማሕበራዊ መድሃኒትን ኣብ ዘውጽኦ ናይ ቀረባ እዋን መጽናዕቲ፡  መጠን ኣታዊ ናይ ሓደ ሰብን ዝነብረሉ ቦታን ንመልከፍቲ ኮሮና ናይ ምቅላዕ ተኽእልኡ ከምዝጸልዎ ሓቢሩ። ትሑት ኣታዊታት ዘለዎም፡ ምስ ልዑል ኣታዊታት ዘለዎም ሰባት ክነጻጸሩ እንከለዉ፡  ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝልዕል፡ ናይ ምሟት ተኽእሎ ከም ዘለዎም ነቲ መጽናዕቲ ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መጠን ኣታዊታት፡ ክሳብ ክንድዚ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ከም …

Read More »

ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ናይ 5 ኣብያተ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኦፕሳላ፡ ለበዳ ኮሮና ተራእዩ

ሓሙሽተ ሓፈሻዊ ኣብያተ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኦፕሳላ፡ ብሰንኪ ዘጋጠመን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ብሕጽረት ሰራሕተኛታት ይሳቐያ ምህላወን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኤሪክስበሪስኮላን (Eriksbergsskolan) ሓንቲ ካብተን በዚ ለበዳ ዝተጠቕዓ ኮይና፡ ብውሕዱ ሓደ ሲሶ ካብ ሰራሕተኛታታ ብኮሮና ተለኺፎም ካብ ስራሕ ኣብኲሮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ናብ ስርሐይ ክኸይድ እንከለኹ፡ ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘለኹ እዩ ዝመስለኒ፡ ብጣዕሚ ዘርዕድ ኩነታት እዩ! ክብል ቶማስ …

Read More »

ዓዲ እንግሊዝ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት፡ ብበንዚንን ናፍታን ዝንቀሳቐሳ መካይን ኣይክህልዋን እየን ትብል

ኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብዘን ዝመጻ ዘሎዋ ዓሰርተ ዓመታት፡  ብበንዚንን ናፍታን ዝንቀሳቐሳ መካይን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ መስመራት ክእለያ ዘኽእል ሃገራዊ መደብ ከምዝተሓንጸጸ መንግስቲ እታ ሃገር ኣዉጁ፣ ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዚ መደብ ኣካል ናይቲ ምሕላዉ ከባቢ ዝተባህለ ፖሊሲ እታ ሃገር ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com