Monday , April 29 2024

ቁጠባ

ኣብ ምምሕዳራት ከተማ ዝሰርሑ ኣባላት፡ ናይ 5.4% ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም እዩ

ማሕበር ፈደረሽናት ምምሕዳር ከተማ (Kommunal) ምስ ማሕበር ኣስራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበትን ሰኑይን ድሕሪ ዘካየዶ ጽዑቕ ዘተ፡ ንጉዳይ ወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ ብዝምልከት፡ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ኣዊጁ። እቲ ወሰኽ ደሞዝ ድማ 5.4% ክኸውን ከምዝተወሰነን፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ኣብ ሓደ እዋን ናይ 5500 ክሮን ክኽፈል ከምዝወሰነ መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ። ወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ፡ …

Read More »

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዝጅምር፡ ወሰኽ ደሞዝ፡ ክህሉ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

ንጉዳይ ደሞዝ ናይቶም ኣብ ምምሕዳራት ከተማ ዝሰርሑ ኣባላት ብዝምልከት፡ ኣብ መንጎ ማሕበር ኣካዳሚያውያን (SSR) ናይ ምምሕዳራት ማሕበር ኣስራሕትን (SKR) ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፡ ብስምምዕ ክልቲኦም ወገናት ከምተዛዘመን ንድሕሪት ተመሊሱ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ጀሚሩ ድማ ወሰኽ ናይ ደሞዝ ክግበር ምዃኑ ተፈሊጡ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ክልቲኦም ወገናት ሎሚ ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ እቲ ስምምዕ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሕ ምዃኑ እኳ …

Read More »

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ መሸጣ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ክብረ ወሰን ሴሩ ይበሃል ኣሎ

መሸጣ ናይ ኤለትሪክን ድቃልን (ብኤሌክትሪክን ብነዳድን ዝሰርሓ) ተሽከርከርቲ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ክብረ ወሰን ምሓዙ ቢል ሽወደን ዘዳለዎ ሓድሽ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን 36% ካብተን ሓደስቲ ኣብ ሽወደን ዝተመዝገባ መካይን ከምዝሽፍና ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቢል ሽወደን፡ ማርያስ በርግሰን፡ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ መላእ ዓመት ናብ 30% ክጸሪ እዩ ዝብል ግምት ኣሎና ድማ ኢሉ። ጠለብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን፡ …

Read More »

“በራሪት መኪና”፡ ኣብ ጎደናታት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ንኽትንቀሳቐስ ፍቓድ ረኺባ

ኣብ ዓመተ 2012፡ ኣብ ሃገረ ሆላንድ፡ ብኩባንያ Pal-V ዝተማህዘት ክትበርር እትኽእል ብሊበርቲ (Liberty) እትፍለጥ ነፋሪት መኪና፡ ኣብ ጎደናታት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ክትንቀሳቐስ ከምዝትኽእል ፍቓድ ረኺባ’ኳ እንተሃለወት፡ ናይ ምብራር ፍቓድ ከምዘይረኸበት ግን ተፈሊጡ ኣሎ። ኩባንያ Pal-V ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ጻዕርን ብዙሓት መሰናኽላት ምስጋርን ኣብ ዓለም፡ መወዳድርቲ ዘይብላ፡ ንዓለም ለኻዊ መምዘኒታት ድሕነት እተማልእ መኪና ክምህዝ ክኢሉ ክትብል ሓላፊ’ታ ኩባንያ፡ ሮበርት ደንግማንሴ፡ …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ Sverige Nyheter på Tigrinja 30/10/2020

ገለ ኣብ ናይ ሎሚ ዜና፣- ባዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ብደረጃ ዞባታትን ሃገርን ሓድሽቲ መምርሕታትን ምኽርን ብምዉጻእ ኣብ ተግባራዊነት ኣትዩ።ቤት ምኽሪ ቅዋም ሽወደን ንኣታሓሕዛ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ኮሮና ከመይ ከምዝነበረን ዘሎን ንምግምጋም መርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

Read More »

በዓል መዚ መጓዓዝያ፡ ዕላማታት ከባብያዊ ብከላ ንምትግባር፡ ዋጋታት ነዳዲ ክውስኹ ይጽውዕ

ከባብያዊ ብከላ ንምጉዳል፡ ሽወደን፡ ዋጋታት በንዚንን ናፍታን ክትውስኽ ከድልያ እዩ ክብሉ ካብ በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም። መጠን ዋጋታት በንዚንን ናፍታን፡ ብቐጻሊ ብምውሳኽ፡ ኣብ ጎደናታት ዝርአ ናይ መካይን ምንቅስቓስ ክንድርትን ጎኑ ጎኑ ድማ፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ናብ ዕዳጋታት ነተኣታቱ ኣለና ክትብል ሓላፊት ምምሕዳር በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን፡ ሊና ኤሪክሶን፡ ምስ ሬድዮ ኢኮት ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ። ኣብ ዓመተ …

Read More »

ዮናስ ኾስቲድ፡ መንግስትነት ንምብታን ዘሎ ሓሳብ ኣይተቐየረን ይብል

መንግስቲ፡ ሕጊ ዕዮ፡ ብመሰረት እማመ ፈደሬሽን ኩባንያታት ሽወደንን PTK ንኽቕየር ድሕሪ ምውሳኑ፡ ሓላፊ ጸጋማይ ሰልፊ፡ ጆናስ ኾስተድ፡ መንግስትነት ናይ ምብታን መደቡ ከምዘየቛረጾ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣፍሊጡ። ንሱ ነዚ እማመ፡ ፍርቂ ዓወት፡ እዩ ኢሉ ምግላጹ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዘጽሓፈቶ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ንሱ እዚ ውሳነ ተሳታፍነት ማሕበራት ንግድ ዘጠቓልል ክኸውን ኔርዎ ድሕሪ ምባል ሓድሽ ዘተ ንምክያድ ገና ዕድል ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። እዚ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ንወጻኢታት መርመራታት ኮሮና ንምሽፋን ተወሳኺ 3 ቢልዮን ክሮን ሰሊዑ

ንመርመራታት ኮሮና ተባሂሉ ዝግበር ወጻኢታት ንምሽፋን፡ መንግስቲ፡ ናይ 3 ቢልዮን ክሮን ተወሳኺ ገንዘብ ክድጉም ምዃኑ ተመባጺዑ ክብሉ ጸብጻባት TV4 ሓቢሮም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንተመሳሳሊ መዓላ ተባሂሉ ተሰሊዑ ዝነበረ ገንዘብ ክውዳእ ብምቕራቡ እዩ። እዚ ተወሳኺ ድጎማ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዘሎ ግዜ ከጻንሕ ከምዝኽእል ይንገር። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ብዙሓት ከባቢታት ሽወደን፡ ብሰንኪ ጠለብ መርመራ ኮሮናን ጸረ …

Read More »

መንግስቲ፡ ብመሰረት እማመ ፈደሬሽን ኩባንያታት ሽወደንን ማሕበር PTK ን ሕጊ ዕዮ ንክቕይር ይሰርሕ

ሚኒስተር ዕዮ ሽወደን፡ ኢቫ ኖርድማርክ፡ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ንሕጊ ዕዮ ንምቕያር ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጻ። እቲ ኣብ መንጎ ፈደሬሽናት ኩባንያታት ሽወደንን PTK ን ዝተበጽሐ እማመ ከም መሰረት እዚ ለውጢ ኮይኑ ከገልግል ምዃኑ’ውን ወሲኻ ገሊጻ። ስምምዕ ጥሪ ከም ዘመልክቶ ኣብ ዕዳጋታት ሽቕለት ሽወደን ዘለዋ ሰልፍታት እንተድኣ ነቲ ሕጊ ብኸመይ ዘመናዊ ኣቃውማ ከም ዝህልዎ ኣብ ስምምዕ በጺሐን፡ መንግስቲ ነቲ ስምምዕ …

Read More »

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ሽወደን፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 100 ዓመታት፡ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ።

ዕድሜኦም ካብ 15 ክሳብ 24 ዓመት ዝኾኑ መንእሰያት፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 100 ዓመታት፡ ከም ሎሚ ጌሮም ብስእነት ሽቕለት ተሳቕዮም ኣይፈልጡን እዮም ክብል ናይ ቀረባ እዋን ኣሃዛዊ ጸብጻባት በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ መንእሰያት ሽወደን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 27.1% ከምዝነበረ፡ እዚ ድማ፡ ኣስታት 160 ሽሕ መንእሰይ ከምዝኸውን፡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ኣቃሊሑ። ከምቲ ኣብ እዋን ቅልውላው 2008 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com