Tuesday , April 30 2024

ቁጠባ

ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ ክግበር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

ምስ ወነንቲ ኩባንያታት ክግበር ዝጸንሐ ዘተ ብምቁራጹ፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ዓቢ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ ክገብር ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ፡ ካብ ዕለት 27 ሕዳር ዝጅምር ኮይኑ፡ 2200 ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ካብ ስረሖም ደው ክብሉ እዩም። ብመሰረት ሓበሬታ ኣቦወንበር ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ዮሃን ሊንድሆልም፡ እቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ፡ ምስ ገበን ደው ንኽብል፡ …

Read More »

ኣብ ሓውሲ ከተማታት ዝርከቡ ሓደስቲ ስደተኛታት፡ ናብ ዕዳጋታት ሽቕለት ቀልጢፎም ይጽንበሩ

ካብ በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ዝተረኽቡ ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ፡ ካብቶም ኣብ ዓመተ 2015 ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ሰባት እቶም ዝበዝሑ ኣብ ሓውሲ ከተማታት ሸወደን፡ ስራሕ ከም ዝረኸቡ ኣመልኪቶም። ኣብ ሓውሲ ከተማታት ተባሂለን ዝምደባ ከባቢታት ሽወደን፡ ዝነብሩ ስደተኛታት፡ ዝያዳ ናይ ስራሕ ዕድል ምርካቦምን ብፍላይ ድማ ኣብ ከም በዓል ሆቴላትን ቤት ምግብታትን ዝኣመሰላ ጽላታት፡ ዝያዳ ስራሕ ምርካቦም ድማ ተገሊጹ። 42 ስደተኛታት፡ ተጠቀምቲ ናይዚ ዕድል ምዃኖምን፡ …

Read More »

ሓደ ሽወደናዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ ሁዋዊ ተበይኑ ዝጸንሐ እገዳ ጨረታ 5G ኣልዒሉ

ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኣብ ልዕሊ ቻይናዊ ኩባንያ  ሁዋዊ፡ ተበይኑ ዝጸንሐ እገዳ ጨረታ 5G ከምዘልዓሎ ተፈሊጡ። ኩባንያ ሁዋዊ፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደናዊ በዓልመዚ ፖስታን መራኸቢታትን ብዘቕረቦ ክሲ መሰረት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ርእዩ፡ ኣብዚ ውሳኔ ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ። በዓል መዚ ፖስታን መራኸቢታትን ሽወደን፡ ንኩባንያ ሁዋዊ፡ ኣብ ጸሊም ዝርዝር (ሊስታ) የእትይዎ ምንባሩ ይዝከር። ክሳብ ዝቕጽል ውሳነ ዝስዕብ፡ ገለ ክፋላት ናይቲ እገዳ፡ ክለዓሉ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 11 11 2020

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 09 11 2020

Read More »

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ድጎማ ኩባንያታት ክቕጽል ምዃኑ፡ መንግስቲ ሓቢሩ

መንግስቲ ሽወደን ምስ መሻርኽቱ ዝኾና ፖለቲካውያን ዉድባት ሽወደን ብሓባር ብምዃን ብዝበጽሖ ስምምዕ መሰረት፣ ነቲ ካብ ምጅማር ለበዳ ኮሮና ኣትሒዙ ትካላት ንዝበጽሐን ቁጠባዊ ሃስያ ንምሕዋይ ዝተመደበ ሓገዝ ከምዘለዎ ክጸንሕ ከምዝወሰነ ሓቢሩ። ብመሰረት ምስ መሻርኽቲ ሰልፍታት ዝተበጽሐ ምርድዳእ፣ መንግስቲ፡ ንትካላትን ካልኦት  ክፍልታት ሕብረተሰብን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ንዝወርዶም ቁጠባዊ ሃስያ ንምሕዋይን፣ ምዉንዛፍ ካብ ምኽፋል ኣታዊ ግብርን፣ ዘጠቓልል ደገፍ ምዃኑ፣ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ …

Read More »

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ከይወሰኸ ቀንዩ

ኣብ ሽወደን ዘሎ ቁጽሪ ደለይቲ ስራሕ፡ ብዙሕ ለውጢ ከይገበረ፡ ኣብ ዘለዎ ደዉ ኢሉ ምህላዉ፡ ሎሚ ንግሆ፡ ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ዋላ’ኳ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 12 ሽሕ ዝኣኽሉ ሓደሽቲ ደለይቲ ስራሕ ኣብ መላእ ሃገር እንተተመዝገቡ፡ እቲ  ብሃገር ደረጃ ተመዝጊቡ ዘሎ  ቁጽሪ ደለይቲ ስራሕ ማለት  456 ሽሕ ከምዘይቀየሮ ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝወጸ ሰሙናዊ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ ኣሎ።  ብዘይካ እዚ፡ ቁጽሪ መንሰያት ደለይቲ …

Read More »

ኩባንያ ቮልቮ፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ናይ ጽዕነት መካይን ንምፍራይ ይምድብ

ሽወደናዊ ኩባንያ ቮልቮ (AB Volvo)፡ ሓደስቲ ዝዓይነተን ብኤሌክትሪክ ዝስርሓ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ዝርከብ ፋብሪክኡ ምፍራይ ክጅምር ምዃኑን እዚ ድማ ናይ ስራሕ ዕድላት ክኸፍት ከምዝኽእል ተገምጊሙ ኣሎ። ኩባንያ ቮልቮ፡ ነዘን ካብ ዞባ ናብ ዞባ ክጓዓዛ ዝኽእላ ናይ ጽዕነት መካይን ከፍሪ ምጅማሩን እዘን መካይን ድማ ሓንሳብ ብኤሌክትሪክ ምስ ተመልኣ፡ ክሳብ 300 ኪሎ ሜትሮ ክጓዓዛ ከምዝኽእላ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ …

Read More »

መንግስቲ፡ ወለዲ ህጻናት ንዝፍጽምዎ ናይ ምትላል መስርሕ ንምግታእ ድሌት ከምዘለዎ ሓቢሩ

ደቆም ከይሓመሙ፡ ደቅና ሓሚሞም ብምባል፡ ደቆም ንኽናብዩ ዕረፍቲ ዝወስዱ ወለዲ (VAB)፡ ንዝፍጽምዎ ናይ ምትላል መስርሕ ብኸመይ ኣገባብ ንምቁጽጻሩ ንምጽናዕ፡ መንግስቲ፡ ወግዓዊ መርመራ ከምዝጀመረን ንህሉው መስርሕ ካሕሳ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዕረፍታት ዝምልከት ድማ ምሕዳስ ከምዘድልዮም ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ወለዲ ንዝሓመሙ ደቆም ንኽኣልዩ ዘኽእል መሰል ቅድሚ 40 ዓመታት ካብ ዝውሰን ኣትሒዙ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ሂወት፡ ብዙሕ ለውጢታት ተፈጢሮም …

Read More »

ጀርመን ምስ ዴንማርክ ዘራኽባ ናይ ትሕቲ ባሕሪ ገለርያ ክትዝርግሕ ተሰማሚዓ

ቤት ፍርዲ ፌደራላዊ ምምሕዳር ከተማ ላይፕዚግ፡ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንጀርመን ምስ ዴንማርክ ዘራኽብ ናይ ትሕቲ ባሕሪ ገለርያ፡ ክህነጽ ምስምምዑ ካብ ጀርመን ዝወጹ ጸብጻባት ቁጠባ ኣመልኪቶም። ጀርመናዊት ከተማ ቫይማርን (Weimarn) ምስ ዴንማርካዊት ደሴት ሎላንድ (Lolland) ዘራኽብ 18 ኪሎሜትር ዝንውሓቱ ገለርያ ናይ ምህናጽ መሰል ምርካባ ተፈሊጡ። እዚ ፕሮጀክት ክህነጽ የብሉን ዝብሉ ዝነበሩ ናይ ሕጊ መስርሓት ድሕሪ ምንጻጎም ዝስዕብ ዘሎ ውሳነ ምዃኑን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com