Sunday , May 19 2024

ገበን

ክታበት ኮሮና፡ ካብ ቤተ ክርስትያን ተሰሪቑ

ኣብ ሊንሾፒን እትርከብ ቤተ ክርስትያን፡ ከም ናይ ክታበት ኑቕጣ ኮይና ከተገልግል ካብ ትጅምር፡ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ገይራ ከምዘላ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ግን፡ ዘይንቡር ፍጻመ ከምዝተረኽበ ምምሕዳር’ቲ ቤተ ክርስትያን ገሊጹ። ካብቲ ዝነበረ ክታበት፡ 12 ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር ዝኾኑ ብልቃጥ (ዶዛት) ከምዘይተረኽቡ፡ ቤት ጽሕፈት ከባቢ ኦስተርጎትላንድ፡ ንፖሊስ፡ ሓቢሩ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ዘይንቡርን ባህርያዊ መግለጺ ክርከቡ ዘይክእልን ስለዝኾነ፡ ንግዚኡ ግን ከም …

Read More »

ሆስፒታል ዝፈንጀረ ገበነኛ ንምርካብ፡ ፖሊስ ዮተቦሪ፡ ሓገዝ ይሓትት

ፖሊስ ዮቶቦሪ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ዝርከብ ሕክምና ከም ዝፈንጀረ ዝጥርጠር ገበነኛ ንምርካብ፡ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ከምዝሓተተ ኣፍሊጡ። እቲ ፍጻሜ፡ ኣብ ዕለት 11 ሕዳር 2020 ከምዘጋጠመ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተጎድኣን እቲ ፈጻሚ ገበን ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘይኣተወን ይፍለጥ። ፖሊስ ዮቶቦቲ፡ ናይ ሓደ ናብቲ ሆስፒታል ኣትዩ ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ዝወጸን ከምጥርጡር ዝተራእየ ሰብ፡ ቪድዮ ከምዝዘርገሐ ይፍለጥ። እዚ …

Read More »

Harmony media News – ዜና ሃርሞኒ 08 የካቲት 2021

Read More »

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ንጉጅለታት ገበን ኣይክንጻወርን ኢና ይብል

መንግስቲ፡ ብዘይንሕስያ ኣንጻር ጉጅለታት ገበን ከም ዝቃለስ  ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳምበሪ ገሊጹ። ዝሓለፈት ዓመት እዞም ጉጅለታት ቅትለትን ናይ ቦምብ መጥቃዕታት ዝፈጸሙላ ጸላም ዓመት እያ ኔራ ዝበለ ዳምበሪ ነዚ ተርእዮ ንምዕጋት ተዓጢቕና ኣሎና ምባሉ TT ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ብዝተኻየዱ 366 ናይ ተኹሲ መጥቃዕታት፡ 47 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 117 ምቑሳሎም ስታቲስቲክስ ፖሊስ የመልክቱ። እቲ ናይ ተኹሲ መጥቃዕቲ፡ ምስ ቅድሚኣ ዝነበረት …

Read More »

ኣብ ኣፍደገ ዓቢ መስገዲ፡ ዘይተፈልጠ ነገር (ባእታ) ተረኺቡ

ሎሚ ዓርቢ ሰዓት 3 ወጋሕታ፡ ሓደ መንነቱ  ዘይተፈልጠ ሰብ፡ ኣብ ኣፍደገ ዓቢ መስጊድ ስቶክሆሎም፡ ጽሑፍ ዝሓዘ ዘይተፈልጠ ነገር ኣቐሚጡ ከምዝኸደ፡ ኣብቲ ከባቢ ተተኺሉ ዘሎ ካሚራ ኣረጋጊጹ። ኣብ ከባቢ ሰዓት 6 ንግሆ፡ ሓላፊ ምምሕዳር’ቲ መስጊድ፡ በቲ ከባቢ ኣብ ዝሓልፈሉ ዝነበረ እዋን፡ ነቲ ሰለስተ ገመድ ኤሌክትሪክ ናብ ማዕጾ’ቲ መስጊድ ዘልገበ ነገር ምስ ረኣየ ተቐላጢፉ ናብ ፖሊስ ብምድዋል፡ ድሕሪ ቅሩብ እዋን፡ ፖሊስ፡ ነቲ …

Read More »

መጓዓዝያ ባቡር SJ፡ ኣብ ሓንቲ ምምሕዳር ከተማ፡ ደው ምባል ከቋርጽ መጽናዕቱ ጀሚሩ

ኣባላት ኩባንያ SJ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኩምላ (Kumla)፡ ኦሬብሮ፡ ብቐጺሊ ተጻብኦታት ስለዘጋጠሞም፡ ባቡር ናይቲ ኩባንያ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ደው ምባል ንኸቋርጽ ዘኽእሎ መጽናዕታት ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኩባንያ SJ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ምስ ፖለቲከኛታትን ፖሊስን ዘካየዶ ኣኼባ፡ ፍረ ከምዘይረኸበሉ ሓላፊ መሸጣታት ኩባንያ SJ፡ ያን ሺርክ፡ ገሊጹ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኩምላን ሃልስቤሪን፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላትና፡ ናይ ቃላት ምፍርራህን …

Read More »

ማስክ ዝተኸድነ ሰብ፡ ብፋስ መጥቃዕቲ ኣካይዱ

ትማሊ ሓሙስ ሰዓት 10 ቅ/ቀ፡ ማስክ ዝወደየን ኣብ ኢዱ ፋስ እናወጣወጠ ኣብ ቮርቦሪ ምዕራብ ሽወደን፡ እትርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ስክሪቫረ፡ መጥቃዕቲ ምክያዱ ተገሊጹ። በዚ መጥቃዕቲ ሓደ ተመሃራይ ማህሰይቲ ከምዝወረዶ ተፈሊጡ ክብል ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ። ምስዚ መጥቃዕቲ ምትእስሳር ኣለዎ ብዝብልን ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ትምህርቲ ሓቂ ብምስዋርን ዝጠርጠሮ፡ ፖሊስ፡ ንሓደ ወዲ 25 ዓመት መእንሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትይዎ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም፡ እምነ መቓብራት ዓንዮም

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ሰሜን ስቶክሆልም፡ ሶልና፡ ዝርከብ መቓብር፡ 400 እምነ-መቓብር ከም እተራሰየ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሄተር ሓቢሩ። እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ፡ ናይ ውሽጥኻ ሕርቃን ዘውጽእ እዩ ክትብል፡ ስቫንቴ ቦሪ፡ ሓላፊ ምምሕዳር’ቲ መቓብር፡ ንጋዜጣታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢራ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓለዋ ናይቲ መቓብር ወሲኹ ኣሎ ድማ ኢሉ። እቲ ራስያ ንኹሎም ዓይነታት እምነት ዘለዎም ሰባት፡ ዝጸለወ ብምዃኑ ንሓደ ሃይማኖት ዕላማ ብምግባር ዝተኻየደ …

Read More »

ኣብ ቅትለት፡ ዶክቶር ካሮሊን ሓኪም ኢድ ኣለዎ ዝተባህለ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

ብዕለት 26/08/2019፡ ጓል 31 ዓመት፡ ዶክተር ካሮሊና ሓኪም፡ ኣብ ጎደናታት ማልመ ምስ ህጻን ውላዳ እናተጓዕዘት እንከላ ብሓደ ሰብ ብእተተኮሰላ ጥይት ህይወታ ከምዝሰኣነት ይዝከር። ፖሊስ ሽወደን፡ ምስ’ዚ ጉዳይ ኢድ ኣለዎ ብምባል ንሓደ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። ዜና ናይታ ምስ ወዲ ኣርባዕተ ወርሒ ውሉዳ እናተጓዕዘት ኣብ ጽርግያ ዝተቐትለት ካሮሊን፡ ኣብ ህዝቢ ሽወደን ከቢድ ስንባደ …

Read More »

ድሕሪ ክልተ ዓመታት፡ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመ ሰብ፡ ብመንገዲ መርመራ ዲ.ኤን.አይ. (DNA) ተረኺቡ

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ፡ ኣብ ከተማ ኦፕሳላን ታቢ (Täby)ን ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ከይተታሕዘ ዝጸንሐ ገበነኛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብመንገዲ መርመራ ዲ.ኤን.አይ. (DNA) ከምተረኽበን፡ ሎሚ ድማ፡ ንኽልቲኡ ገበናት ምፍጻሙ ከምተኣመነ መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ። ነቲ ገበነኛ ክንሕዞ ዝኸኣልና፡ ብምትሕብባር ህዝቢ፡ ምዃኑ ካብ ፖሊስ ጾታዊ ገበናት ስቶክሆሎም፡ ኒክላስ ክራፍት፡ ሓቢሩ። እዚ ገበነኛ፡ ኣብ ዓመተ 2018፡ ኣብ ኦፕሳላ ዝርከብ መሐንበሲ ቦታ፡ ንሓንቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com