Sunday , April 28 2024

ገበን

ሓንቲ ሰበይቲ ናጽላ ብምጥፋኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።

እዛ ሰበይቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ካብ መውዓሊ ህጻናት ዮተበሪ ናጽላ ክወጽእ ጌራ’ያ ብዝብል እያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ ዘላ። እታ ሰበይቲ ነዚ እኳ እንተተኣመነት ነቲ ካሮሴላ (barnvagn) ጥራይ እየ ደልየ ኔረ፥ ጸኒሐ እየ ቆልዓ ከም ዘለዎ ርእየ” ኢላ። ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ገበን ካብ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ናብ ዘይሕጋዊ ምሕያር ዝብል ስያመ ኣሰጋጊርዎ’ሎ። ዓቓቢ ሕጊ Hedvig Lundblad ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ነዚ …

Read More »

ሓደ ኣቦ 2 ደቁ ድሕሪ ምቕታሉ ነፍሰ ቕትለት ፈጺሙ።

ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ Expressen እዚ ኣብ Sala ዝቕመጥ ሰብኣይ ክልተ ደቁ ድሕሪ ምቕታል እዩ ነፍሰ-ቕትለት ፈጺሙ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ብትግሃት ይሳተፍ ከምዝነበረ፥ ቅድሚ ነፍሰቕትለት ምፍጻሙ ከኣ ቅድሚ ምሟቱ እንታይ ከም ዝገበረ ኣብ ፌይስቡክ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ፈንዩ’ሎ። ፖሊስ ካብ ምምሕዳር ከተማ sala ድሕሪ ዝመጾም ጻውዒት እቲ ፍጻመ ክዉን ምዃኑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ሬሳ ሓደ ሓምሳታት …

Read More »

ተሓላቒ ፍትሒ ጒዳይ ጾታዊ ዓመጽ Fittja ኣይርእይን እየ ምባሉ ተገሊጹ።

ተሓላቒ ፍትሒ ብጒጅለ ኮይኖም ኣብ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ጾታዊ ዓመጽ ናይ ዝፈጸሙን ፖሊስ ዝምርምሮን ዘሎ ጒዳይ ኢዱ ከም ዘየእትወሉ ገሊጹ። እቲ ትካል” እዚ ንፖሊስ ጥራይ ዝምልከት ጒዳይ እዩ” ኢሉ’ሎ። ነሓሰ 2016 ሓንቲ ጓለንስተይቲ ብዙሓት ደቂተባዕትዮ ኣብ Fittja ደቡብ ስቶክሆልም ብሓንሳብ ኮይኖም ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕለይ ፈጺሞም ዝብል ጥርዓን ናብ ፖሊስ ኣቕሪባ ኔራ። እቲ መርመራ ግና ግዚኡ ስለ ዘሕለፈ እቶም ኣብ መስርሕ …

Read More »

ወዲ 31 ሽወደናዊ ኣብ ኢትዮጵያ ሃለዋቱ ምስዋሩ ተገሊጹ።

ኤርሚያስ ተኪአ ዝተባህለ ኣብ ስቶክሆልም ዝቕመጥ ዝነበረ መንእሰይ ግንቦት 31 እዩ ካብ ሆቴሉ ተሰዊሩ ዝበሃል ዘሎ። ካብታ መዓልቲ ንደሓር ደሃይ ከም ዘይብሎም ከኣ ስድራኡ ይሕብሩ። “ተሻቒልና ኢና ዘሎና” ይብል ሓዉ ኢሰያስ። “ኤርሚያስ ተኪኤ ብ 4 ግንቦት እዩ ንዕረፍቲ ን ኢትዮጵያ መጺኡ። ምስ በዓልቲ ቤቱን ስድራኡን ተራኺቡ። ግንቦት 21 መልእኽቲ ጽሒፉለይ ኣብ ስራሕ ምህላወይን ጸኒሐ ክድውለሉ ምዃነይን ሓቢረዮ” ይብል ሓዉ ኢሰያስ። …

Read More »

ኣብ ዕስራታት ዝርከብ መንእሰይ ኣብ Skärholmen ብስሕለት ከም እተጎድአ ተገሊጹ።

እዚ ፍጻመ ፈተነ ቅትለት ከይኮነ ኣይተርፍን ተባሂሉ’ሎ። እቲ ዝወረዶ መጒዳእቲ ክብድ ዝበለ’ኳ እንተኾነ ብህይወቱ ዘስግኦ ግና ኣይኮነን ይብል ሓላፊ ፖሊስ mats Brannulund። ፖሊስ ሰንበት ሰዓት 18፡ 17 እዮም ብዛዕባ እቲ ፍጻመ መጸዋዕታ መጺእዎም ። ዛጊት ብጠርጠራ ዝተታሕዘ ሰብ የሎን። ” ኣብዚ ምሳና ሰብ ሞያ ተክኒክ ኣለዉ፥ ነዚ ገበነኛ ሓቲትና ደሊና ክንስዕቦ ኢና” ኢሉ።

Read More »

ሰራሕተኛታት ጽሬት ኣብ መደበር ፖሊስ ብዘይሕጊ ይቚጸራ።

ኣብ ሽወደን ብዘይሕጊ ዝቕመጡ ሰለስተ ዑዝቤካውያን ዜጋታት ኣብ Arlanda ዝርከብ ናይ ጸጥታ ክሊ ተባሂሉ ዝሕሰብ ቀጽሪ መደበር ፖሊስ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታት ኮይኖም ክሰርሑ ተረኺቦም። ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ እዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ነቚጣታት ፍተሻ ከም ቃሕትኦም ክኣትውን ክወጹን ጸኒሖም ኣለዉ። ሓደ በዓልመዚ ፖሊስ ” እዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ቀጽሪቲ እንዳፖሊስ ገለ ነገር ቀቢሮም ወይ ስእሊ ኣልዒሎም ከይኮኑ ዝብል ፍርሂ ኣሎኒ” ይብል። ቅድሚ ሽዱሽተ …

Read More »

ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ሆቴል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 21 ሰባት ሞይቶም።

ሶማላውያን ዕጡቓት ናብ ናይሮቢ ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ሆቴል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ብውሑዱ 21 ሰባት ከም ዝቐተሉ መንግስቲ ምርግጋጹ ገሊጹ። ኣማኢት ሰባት ካኣ ካብቲ ደማዊ መጥቃዕቲ ንምህዳም ብሰሉስ ናብ ዱሲት ቱ ሆቴልን ናይ ንግዲ ህንጻን ከም እተዓቚቡ ተፈሊጡ’ሎ። 28 መቚሰልቲ ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ምህላዎም 19 ግና ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥ ቀይሕ መስቀል ኬንያ ገሊጹ’ሎ። ሶማል ዝደጀኑ ሶማላዊ እስላማዊ ጒጅለ ኣልሸባብ …

Read More »

ማይክል ጃክሰን ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ።

ሓድሽ ኣብ እተሰርሐ ዶኲመንታሪ ፊልም ማይክል ጃክሰን ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ። ኣመሓደርቲ ንዋያት ማይክል ጃክሰን ነቲ ፊልም ” ቊጥዐ ዘለዓዕልን ዘሕዝንን” ክብሉ ገሊጾሞ’ለዉ። እቲ ኣላዪ ግና ” ተባዕን ተኣማንን” ካብ ዝብል መግለጺኡ ምንቕ ኣይበለን። እዛ” ምግዳፍ ነቨርላንድ” ዝተባህለት ዶኩሜንታሪ ፊልም ማይክል ጃክሰን ኣብ ዝለዓለ ደረጃን ዝናን እናሃለወ ወዲ 7ን 10 ን ዓመት ቆልዑ ደፊሩ ዝብል ትሕዝቶ እዩ ዘለዋ። ኣብ ኣመሪካን ሳንዳንስ …

Read More »

ሽዱሽተ ሰባት ንሓንቲ ሰበይቲ ብምስቓይ ተኸሲሶም።

ቤትፍርዲ Lund ኣብ Hoor ምምሕዳር ከተማ Sakunah ንእትቕመጥ ጓል 30 ዓመት ሰበይቲ ዝሓለፈ ግንቦት ጨዊኹም ንክልተ መዓልታት ኣሳቒኹማ ብዝብል ንኣርባዕተ ሰቡኡትን ክልተ ኣንስትን ምኽሳሱ ጋዜጣ Aftonbladet ጸብጺባ’ላ። እታ ግዳይ ብስሕለትን ብቅልዒትን ትግፋዕ ምንባራ ሓቢራ’ላ። ሓደ ካብቶም ተሓባበርቲ እዚ ገበን ናይሕጐዲ ሓጺን ኣርሲኑ ጸጒራ ከም፡ዝላጸያ ካልኣዩ ድማ ምዉት ኳዂ ኣብ ክሳዳ ከም ዘንጠልጠለላን ወሲኻ ገሊጻላ። እታ ሰበይቲ ድሕሪዚ ኣምሊጣ ኣብ ጐረቤት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com