Thursday , May 2 2024

ገበን

ሃገራት ኣውሮጳ ንኣማኢት ሚሊሻ ዳዕሽ ናብ ቤትፍርዲ ከቕርባ ትራምፕ ጸዊዑ።

ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንብሪጣንያ ፈረንሳይ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነዞም ልዕሊ 800 ዝኾኑ ኣብ ሶርያ እተማረኹ ወተሃደራት ዳዕሽ ናብ ፍርዲ ከቕርባ ጸዊዑ’ሎ። “መንግስቲ ዳዕሽ ክወድቕ ዝተረፎ የብሉን። እቲ ካልእ ኣማራጺ ጽቡቕ ኣይመስለንን” ክብል ኣብ ዝለኣኾ ትዊተር ገሊጹ። “እንተዘይኮይኑ ግና ኣመሪካ ነዞም ሚሊሻ ክትለቆም ክትግደድ እያ” ድማ ኢሉ። ወኪል ጸጥታ ሽወደን ብወገኑ ኣብ ሶርያ ብዙሓት ናይ ሽወደን …

Read More »

ኮምዩናት ክብሪ ስድራቤት ገበንን ናይ ኣስገዳድ መርዓን ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለወን ተባሂሉ።

ኣብ ሽወደን ከባብያዊ ምምሕዳራት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝወረድ ናይ ክብሪ ስድራቤት ገበንን ናይ ኣስገዳድ መርዓን ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለወን። እንተኾነ ግና ብመሰረት ሪውድዮ ሽወደን ሓያሎ ካብዞም ምምሕዳራት ነዚ እተጠቕሰ ገበናት ደው ከብሉ ይረኣዩ የለዉን። እቲ ዳህሳስ 31 ቈልዑ ንመርዓ ናብ ወጻኢ ሃገር ከም እተላእካን እዘን ምምሕዳራት ከተማ ካብዚ 13 ሚእታዊት ጥራይ ክከታተላ ምኽኣለን ከም መርትዖ ኣቕሪባቶ’ላ።

Read More »

ኣብ ማእከላይ ማልሞ ምፍንጃር ይኽሰት።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ማእከላይ ማልም ሓደ ተፈንጃሪ ምንታጒነ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት እታ ከተማ እቲ ነውጺ ከም እተሰምዐን ተገሊጹ። ብዘይካ ኣብ ጥቓ ምፍንጃር ዝተኸስተሉ ቦታ እተራእየ ምስብባር መስትያት መሳዂቲ ካልእ በቲ ምፍንጃር ዝወረደ ጒድኣት ከም ዘየልቦ ተፈሊጡ’ሎ። ክኢላታት ተፈንጀርቲ ነቲ ቦታ ብምኽላል መርመራ ክገብሩ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ምኽላል ሎሚ ንግሆ ኣልዒሎሞ’ለዉ። ኣፈኛ ፖሊስ Anna Joranson “እዚ ምፍንጃር ስለምንታይ ኣጋጢሙ ዛጊት …

Read More »

ሽወደናዊ ፖሊስ ንሓደ ስደተኛ “ዓረብ ሸይጣን” ኢሉ ይጸርፎ።

ኣብ ማእከል ስደተኛታት ኣብ ዝተገብረ ናዕቢ ሓደ በዓልመዚ ፖሊስ ንስደተኛ ኣታ “ዓረብ ሰይጣን” ኢሉ ብምጽራፉ ኣብ ኣብ Småland ከም እተኸሰ ተፈሊጡ። እቲ በዓልመዚ ፖሊስ ሃዳዲን ዓሌታውን ቋንቋ ተጠቒምካ ዝብል ክሲ ከም ዝቐረበሉ እኳ እንተተነግሮ ዛጊት ናብ መጋባእያ ኣይቀረበን። እዚ መስርሕ ፍርዲ ንራብዓይ ግዜኡ ክስረዝ እንከሎ ነቲ ፖሊስ ናብ ፍርዲ ንምምጻእ ሓድሽ ጻዕሪ ክግበር እዩ ተባሂሉ’ሎ። እቲ ተበዲለ በሃላይ ነታ መኪና …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርዝር ምወላ ግብረሽበራን ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብን ይሰርዓ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስዑዲ ዓረብ: ፓናማን ናይጀያን ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብን ምወላ ግብረሽበራን ብምውፋረን ንቕጽሪ እቲ ሕብረት ናይ ጸጥታ ስግኣት ምዃነንን ኣብ ጸሊም ዝርዝር ከም ዝእተወንን ገሊጹ። ምስ ስዑድያ ጥብቕ ዝበለ ናይ ንግድ ርክብ ዘለወን ገለ ኣባላት እዚ ሕብረት ነዚ መግለጺ ዘለወን ተቓውሞ ኣስሚዐን ኣለዋ። እንተኾነ እቲ ኮሚሽን ነዚ ስዑዲ ዓረብ ካብቲ ዝርዝር ክትእለ ዝብል ጥርዓን ነጺግዎ’ሎ። ኣብዚ ዝርዝር ዝተኻተታ ሃገራት …

Read More »

ግብረ ሽበራ ብምምዋል 6 ሰባት ናብ ፍርዲ ቀሪቦም።

ናይቶም ግብረ ሽበራ ኣብ ሽወደን ብምምዋል ናይ እተኸሱ ሽዱሽተ ተወልድቲ ዑዝበኪስታንን ኪርጊስታንን ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ’ሎ። ሰለስተ ካብዚኣቶም ኣብ ሽወደን ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንኽፍጸም እተዋስኡ እዮም። ኣኽባር ሕጊ Peer Lindkvist ኣብዚ ጒዳይ ዘለዎ ጠመተን ይግባእ ዝብሎ መቕጻዕትን ከስምዕ እዩ። ብመሰረት Lindkvist እዞም ሰለስተ ኣብ ማእከል ስቶክሆልም ዓብዪ ነታጒ ከጻውዱ ወጢኖም ኔሮም። ገለ ካብቲ ነዚኣቶም ዝቐረበሎም መርትዖታት ኣብ ቤቶም እተረኽበ ዝተፈላለየ ኬሚካላት ምስ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ገጽ ዘለሊ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ጥርጡራት ክረኽቡ ክኽእሉ እዮም።

ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት መጽናዕቲ ፖሊስ ሽወደን ገጽ ዘለሊ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ጥርጡራት ወንጀል ክረኽቡ ክኽእሉ እዮም። ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን ሃገራዊ ማእከል መርመራ ወንጀል ነዚ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ናይ ምግዛእ መደብ ኣለዎ። እዚ ናይ ምሽማት መደብ እታ ሕጋዊ ጒዳያት እትርኢ ሽማግለ ፖሊስ ተቐባልነት ምስ ሃበትሉ ክጸድቕ እዩ። ሃገራት ኣመሪካን ብሪጣንያን እዚ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ወንጀለኛታት ከም ዝሃድና ይፍለጥ። ኣብዚ ግዜዚ ናይ ሓለዋ ካሜራታት ጥርጡራት …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብቛንቋ ትግርኛ ሰኑይ 11 Feb. 2019

ፖሊስ ሽወደን ሰራሕተኛታት ተመሲሎም ካብ ዝሰርቁ ገበነኛታት ተጠንቀቑ ይብል። 2. በዓል መዚ ምክትትታል ላዕለዋይ ትምህርቲ፣ ናይ 22 ሰባት ምስክር ወረቐት ሰሪዙ።

Read More »

ፖሊስን ምምሕዳርን ማልሞ እሱራት ናብ ዴንማርክ ንስልጠና ክልእኩ ይደልዩ።

ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን ብዙሓት ትካላት እንተላይ ፖሊስን ምምሕዳር ከተማ ማልሞን ብዛዕባ እቲ ዕድል ንምዕዛብ ነቲ ካብ ከተማ ኮፐንሃገን ውጽእ ኢልካ ዝርከብ ማእከል ትምህርቲ Tamo ምብጽሖም ጸብጺባ’ላ። Tamo ነቶም ካብ ዕዳጋ ሽቅለት ኣጸቢቖም ዝረሓቑ ማእከል ሽቕለትን ስልጠናን እያ። እቲ ማእከል ንኣብነት ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ሰርቲፊኬት ንዘይብሎም እሱራትን የጠቓልል እዩ። እዚ ማእከል ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ከምእኒ ሓጺን ህንጻን ምኽሻንን ስለጠና ክህብ ክፍቀደሉ …

Read More »

ኡፕሳላ ብጾታዊ ትንኮያ ትሕመስ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንቲ ጥራይ ኣብ ኡፕሳላ ዓሰርተ ኣንስቲ ብሓደ ሰብኣይ ጾታዊ ትንኮያ ከም ዝበጽሐን ተገሊጹ። እዚ መጥቃዕቲታት ሓደ ሰማያዊ ናይ ሕክምና መወዘቢ ዝወዲ ሰብኣይ ዝፈጸሞ እዩ ዝብል ጥርጣረ ከም ዘለዎም ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። ብሰንበት ሰለስተ ኣንስቲ ኣብ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወሪዱወን። ሓደ ሰብኣይ ብድሕሪኣ ብምምጻእ ኣብ መቐመጫኣ ሒዝዋ። እዛ ሰበይቲ ኣውያት ምስ ገበረት እቲ ሰብኣይ ሃዲሙ። ልዕሊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com