ኣብ ክሊ ዕድመ ሰላሳታት ዝርከብ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት፡ ኣብ ሪንክቢ (ስቶክሆልም)፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ብዝተኸስተ ናዕቢ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ከም እተፈረደ ተገሊጹ። ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዋዜማ ፋስጋ፡ ኣብ ሽዱሽተ ከተማታት ሽወደን ድሕሪ ዘጋጠመ ጎነጻዊ ናዕቢ፡ እዚ ሰብኣይ ናይ ፈለማ ተፈራዲ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ሕሉፍ የማናዊ ራሙስ ፓሉዳን፡ ኣብ እኩብ ህዝቢ ቅዱስ ቊርኣን ናይ ምቅጻል ፕሮግራሙ ናዕቢ ምልዕዓሉ ዝዝከር እዩ።
Read More »ገበን
ናብ ዳዕሽ ክጽንበሩ ዝፈተኑ ኣሕዋት ማእሰርቲ ተፈሪዶም።
ቤት ፍርዲ ወረዳ ዮተበሪ፡ ናብ ዳዕሽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግብረሽበራዊ ውድብ ክጽንበሩ ንዝፈተኑ ክልተ ኣሕዋት፡ ነፍሲ ወከፎም ብሸሞንተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ክቕጽዑ ወሲኑ። እዞም ምንም በደል ኣይፈጸምናን ዝብሉ ኣሕዋት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ናብ ቱርኪ ኣናኸዱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላንድቬተር እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብመርትዖ ኣሰንዩ ኣብ ዘቕረቦ መስርሕ ፍርዲ፡ እዞም ኣሕዋት ናብ ዳዕሽ ንምጽንባር ናብ ሶርያ ወይ ዒራቕ ንምጒዓዝ ወዲኦም ምንባሮም …
Read More »ሓደ ክኢላ፡ “ቱርኪ ኣባልነት ሽወደን ናብ NATO ንኽትቅበል ኣዋርሕ ክወስደላ ይኽእል እዩ”
ቱርኪ፡ ን ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ክሳብ ትቕበል፡ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእል፡ ፕሮፌሰር ኣህጒራዊ ዝምድናታትን ክኢላ መጽናዕቲታት ቱርኪን ሑሰይኒ ባቺ ገሊጹ። ቱርክ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ብ ውልቃ እትወዳደር ኣባል ባይቶ ኣሚነ ካካባቬን ዝተገብረ ስምምዕ ብብርቱዕ ከም እትነቕፎ ዝገለጸ እቲ ፕሮፌሰር፡ ሽወደን ነቶም ቱርክ ግብረሽበራውያን ኢላ ዝሰመየቶምን ኣብ ሰሜን ሶርያን ቱርክን ዝንቀሳቐሱ ገለ ጒጅለታት ክትሕግዝ ምምብጻዓ ከም አይትቕበሎ ወሲኹ ኣመልኪቱ። …
Read More »ኣብ ሽወደን፡ ኣብዚ ዓመት ዝበዝሐ ናይ ጥይት መጥቃዕቲታት ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ።
ኣብ መጀመርታ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ኣብ ሽወደን 27 ሰባት ብ መጥቃዕቲ ጥይት ምሟቶም፡ እዚ ድማ ዝለዓለ ኣሃዝ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ነባራት ሓለፍቲ ጒሒላታት ብዝገብሮ ናይ ምእሳር ስርሒታት እዩ፡ ክትብል ኣብ ፖሊስ ሽወደን ሓላፊት ኣሃዱ ስለያ ሊንዳ ስታፍ ገሊጻ’ላ። ብዘይካዚ፡ መንእሰያት ገበነኛታት ግርጭታት ንምፍታሕ ብጥይት ምቕታል ከም ዘዘውትሩ” ፖሊስ ተገንዚቦም ምህላዎም፡ ሊንዳ ስታፍ ወሲኻ …
Read More »ፖሊስ 130 ኣብ ናዕቢ እተሳተፉ ሰባት ኣለልዮም።
ክሳብ ሕጂ ፖሊስ 130 ኣብ ዋዜማ ፋስጋ ኣብ ዝተኻየደ ዕንወትን ጎነጽን ዝመልኦ ናዕቢ እተሳተፉ 130 ሰባት ኣለልዮም ኣለዉ ተባሂሉ። 10 ካብዚኣቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ካልኦት 77 ብገበን ተጠርጢሮም ከም ዘለዉ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። ነቲ ናዕቢ ዝመልከቱ 2,000 ቪድዮታት ደረቕ ስእሊታትን ተዓቂቦም ምህላዎምን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።
Read More »75% ናይ ተዂሲ መጥቃዕቲታት ናብ ክሲ ከም ዘይቀርቡ ተገሊጹ።
ገበን ብብዝሒ ኣብ ዝፍጸመሎም ከባቢታት ካብ ዝኽሰቱ ናይ ተዂሲ መጥቃዕቲታት እቶም 75% ናብ ክሲ ከም ዘይቀርቡ ብበዓል መዚ ፖሊስ ሽወደን ዝቐረበ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። እዚ ዳህሳስ 3000 ጒዳያት ብምጽናዕ ዝተበጽሐ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ መጽናዕቲ ኣብ ጒዳይ ምቕራብ ክሲ ናይ ብረት መጥቃዕቲታት ኣሉታዊ ድባብ ዝፈጥር እዩ ክብል መደምደምታኡ ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብ ምጅማር 90ታት 80% ናይ ተዂሲ መጥቃዕቲታት ኣብ ቤትፍርዲ ብይን ክረኽቡ እንከለዉ ኣብዚ እዋን …
Read More »ምስ ጎነጻዊ ናዕቢ ውድብ SIAN ብዝተኣሳሰር 10 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።
ኣብ ሳንደፍዮድ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ብ ውድብ SIAN ምስ ዝተኻየደ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር፡ ዓሰርተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። እዞም ሰባት፡ ትእዛዛት ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ምጥሓሶም፡ ኣብ ፖሊስ መጥቃዕቲ ብምፍጻሞምን ንብረት ብምዕናዎምን እዮም ተኸሲሶም ዘለዉ ክትብል፡ መደበር ዜና ኖርወይ NRK ጸብጺባ’ላ። “ምስፍሕፋሕ እስልምና ኣብ ኖርወይ ደው ይበል” ዝብል ጭርሖን ሒዙ ዝንቀሳቐስን ሕሉፍ ጽልኢ እምነት እስልምናን ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ውድብ SIAN፡ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ቶርቨት …
Read More »ብፈተነ ቕትለትን ጾታዊ ምድፋርን እተጠርጠረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።
ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ኖርበርሪ ቬስትማንላንድ ኣብ ዝርከብ 20 ሜትሮ ዝዕምቈቱ ጒድጓድ ኣትያ ድሕሪ ምርካባ፡ ሓደ ሰብኣይ ብፈተነ ቕትለትን ጾታዊ ምድፋርን ተኸሲሱ፡ ኣብ ትሕቲ ቀዲ ምእታዉ P4 ዳላርና ጸብጺባ። ኣገልግሎት መድሕን፡ ዓርቢ መዓልቲ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ርብዕን፡ ብዛዕባ እዛ ኣብ ጒድጓድ ወዲቓ ናይ ርድኡኒ ኣውያት ተስምዕ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ’ሎ። እታ ሰበይቲ፡ ኣብቲ ጒድጓድ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝጸንሐት …
Read More »መርበብ ዝርርብ ሙስሊም—“መንሰያት ንምቅጻል ቊርኣን ከም ዘይረኣዩ ሸለል ኢሎም ክሓልፍዎ” ጸዊዑ።
SIAN ከምቲ ውጥኑ ሎሚ ዓርቢ ቅዱስ ቊርኣን እንተቃጺለ’ውን ምእመናን ሸለል ኢሎም ክሓልፍዎ መርበብ ዝርርብ ሙስሊም ኣፍሊጡ። “መንእሰያትና ንኸምዚ ዝበለ ናይ ተጻብኦ ተግባራት ሸለል ኢሎም ከም ዘይረኣዩ ብምኽታት፡ እቲ ቆስቋሳይ ዝደልዮ ኣቓልቦ ክኸልእዎ ኢና ንጽውዕ” ክብል ኣባል ቦርድ መርበብ ዝርርብ ሙስሊም ኣርሻድ ጀሚል ን NTB ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። መራሒ ናይቲ “ምምስላም ኖርውይ ደው ይበል’ ዝብል ውድብ SIAN ላርስ ቶርሰን ብረቡዕ ን NTB ኣብ ዝሃቦ …
Read More »ኣሃዱ ጸረ ብልሽውና ሽወደን፡ ኣብ ጒዳይ ኲባንያ ተሌኮም ኤሪክሰን ኣፈናዊ መርመራ ከፊቱ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ዓቀብቲ ሕጊ ኣሃዱ ጸረ-ብልሽውና ሽወደን፡ ን ጒዳይ ኲባንያ ተሌኮም ኤሪክሰን ኣመልኪቶም ኣፈናዊ መርመራ ምኽፋቶም ተፈሊጡ። እዚ መርመራ፡ እቲ ኲባንያ ኣብ ዓመታት 2013-2019 ኣብ ዒራቕ ፈጺምዎ ዝበሃል ጒቦ ክርኢ እዩ። ቅድሚ ምጅማር እዚ ኣፈናዊ መርመራ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤሪክሰን ቦርየ ኤኾልም፡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ነባሪ ለውጢ ንምርግጋጽ ከምኡ’ውን ስነምግባርን ሕጊን እቲ ኲባንያ ንምምሕያሽ” ብተወፋይነት ክሰርሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኣቦመንበር ኣህጒራዊ ተሓታትነት ሽወደን፡ ኡልሪክ …
Read More »