Saturday , April 27 2024

ገበን

ኣኽበርቲ ሕጊ ኢራን፡ ዮሃን ፍሎደሩስ ብሞት ክቕጻዕ ይሓቱ

ኣብ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሽወደናዊ ዜጋ ዮሃን ፍሎደረስ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ትማሊ ሰንበት ተዛዚሙ። ኣኽበርቲ ሕጊ ዝለዓለ መቕጻዕቲ ማለት ናይ ሞት ፍርዲ ክብየኖ ይጽዕሩ ኣለዉ። ፍሎደረስ ምስ እስራኤል ኣንጻር ኢራን ውዲት ፈጺሙ ተባሂሉ እዩ ክሲ ቀሪቡሉ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ማእሰርቱ ዘይሕጋዊ ምዃኑን ክፍታሕን ክጽውዕ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ሳዕቤናት መጥቃዕቲ ሃከር (hacker)ይቕጽል

ኣብ ስርዓተ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ፊንላንዳዊ ትካል Tietoevry ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ራንሶምዌር” ክሳብ ሕጂ ፍታሕ ዘይምርካቡ፡ ሳዕቤናቱ ድማ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ከም ዘሎ ተፈሊጡ። “ዛጊት ምሉእ ስፍሓቱ ዘይንፈልጦ ከቢድ ጒዳይ ንገጥም ከምዘለና ርዱእ’ዩ” ይብል ሚኒስተር ሲቪል ምክልኻል ካርል-ኦስካር ቦህሊን። እቲ መጥቃዕቲ ምኽንያት ምዕጻው ብዙሓት ኩባንያታትን መንግስታዊ ትካላትን ኮይኑ’ሎ። ሓደ ካብዞም ሃስያ ዝወረዶም ኣሰራርሓታት እቲ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝጥቀሙሉ ስርዓተ ዕደላ …

Read More »

ኣብ ደቡብ ዮተቦሪ ሞልንዳል ምፍንጃር ተኸሲቱ

ካብ ከተማ ዮተቦሪ ንደቡብ ኣብ እትርከብ ሞልንዳል ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ፍንጀራ ኣጋጢሙ። በቲ ፍንጀራ ዝኾነ ሰብ ኣይተጎድአን፡፡ እንተኾነ ግና እቲ ነውጺ ኣዝዩ ከቢድ ብምንባሩ፡ ገለ ክፋል ናይቲ ህንጻ ክፈርስ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ኣብዚ ከባቢ ሓያሎ ሕማቕ ነገራት ተኸሲቶም ኣለዉ…ድሕሪ ሕጂ ኣብዚ ክነብር ኣይደልን እየ” ክትብል ካብቲ ቦታ ከም እትግዕዝ ተገብረት ተቐማጢት ጀኒ ራይደል ንሬድዮ ሽወደን ናይቲ ከባቢ ቻነል P4 …

Read More »

ኖርወይ፡ ኣን ኖርላንድ እተኸስተ ቅትለት ከቢድ ስንባደ ይፈጥር

ኣብ ሰሜን ኖርወይ ኣብ ኣትርከብ ኣውራጃ ኖርላንድ ትማሊ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ዝተኽስተ ቅትለት ስድራቤት ዓብዪ ስንባደ ፈጢሩ። ፖሊስ እዚ ትራጀዲ ብቅትለትን ነፍሰ ቕትለትን ዝተኸስተ እዩ ዝብል ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ። ነዛ ናይ ሓዳስ ዓመት ቅትለት ሓዊስካ ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒን ክረምትን ኣብ ኖርወይ ተኸታተልቲ መጥቃዕቲ ስሕለትን ብረትን ተኻዪዶም እዮም። ፖሊስ ኖርላንድ ትማሊ ንግሆ ካብ ፋውስክ ንሰሜን ወገን ኣብ ዝርከብ ሶርፊዮልድ ናብ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ገበነኛታት ጕጅለታት ገበን ዝነጥፋ ደቂ ኣንስትዮ 500 ይበጽሓ ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን ምስ ገበናዊ መርበባት ጕጅለታት ዝነጥፋ ኣስታት 500 ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ፖሊስ ሎሚ ኣብ ዝፈነዉኣኦ ሓበሬታ ገሊጾም። ኣስታት ርብዒ ካብዘን ደቀንስትዮ ኣብዞም መርበባት ጒጅለታት ገበን መሪሕ ተራ ከም ዘለወን እዩ ዝንገር። ሓንቲ ኣባል እዞም መርበባት ጒጅለታት ገበን ዝነበረት ጓለንስተይቲ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ፥ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ፖሊስ ክሃድማ ዝቐለለ ምዃኑ ገሊጻ’ላ።

Read More »

መንግስቲ ን ኮተቴ ገበነኛታት ኣመልኪቱ ሓድሽ ማእሰርቲ ንምህናጽ ዘቕረቦ ሓሳብ ተነቒፉ

መንግስትን ሰልፊ ዲሞክራትናን ንኮተቴ ገበነኛታት ኣመልኪቶም ፍሉይ ክንፊ ቤት ማእሰርቲ ንምቛም ዘቕረብዎ እማመ ካብ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይንቀፍ ኣሎ። ንሰራሕተኛታት ኣገልግሎታት ቤት ማእሰርትን ኣመክሮን ዝውክል ማሕበር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ትካል ዘሎ ክቱር ሕጽረት ቦታን ዓቕሚ ሰብን ከይኣክል ሓድሽ ስርዓተ ቤት ማእሰርቲ ምህናጽ ኣጸጋሚ’ዩ ክብል ነቲ ሓሳብ ነቒፉ’ሎ። ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት ህጻናት፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምዕጻው ጌጋ ምዃኑ እኳ …

Read More »

ጥርጡር ሰላዪ፥ ሩስያዊ ምዃኑ ተኣሚኑ

ሓደ ንገዛእ ርእሱ ብራዚላዊ ጆሴ ኣሲስ ጂያማርያ ኢሉ ዝጽውዕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትሮምሶ ኣብ ዝርከብ ኖርወይ’ስ ኣርክቲክ ዩኒቨርሲቲ ናይ ጋሻ ተመራማሪ ስራሕ ዝረኸበ ሰብኣይ፡ ሓቀኛ ስሙ ሚካኤል ቫለሪየቪትስጅ ሚኩስጂን ዚግነቱ ኸኣ ሩስያዊ ምዃኑ ተኣሚኑ። ንሱ ዛጊት ብ ትካል ስለያ ፖሊስ ኖርወይ ፒኤስቲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ምምላስ ኣብዩ’ሎ። ምስ ትካል ስለያ ሩስያ GRU ምትእስሳር ከም ዘአዎ እተኣመነ ሚኩስጂን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ …

Read More »

ህጻናት ንኻልኦት ቆልዑ ኣብ ጕጅለታት ይምልምሉ፣ ካብ ሓደ መዓልቲ ናብ ካልእ መዓልቲ

ህጻናት ብኻልኦት ህጻናት ኣብ ገበናዊ መርበባት ይምልመሉ ምህላዎም ተገሊጹ፡፡ እዞም ከምዚ ዝገብሩ ዘለዉ ህጻናት ኣብ ስልጣን ናይቲ መርበብ ንላኦሊ ንኽወጹ ብምባል ነዚ ይፍጽሙ ምህላዎም፡ ብብራ ዝፍለጥ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ገበን ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። “እቲ ምልመላ ኣዝዩ ቅልጡፍ እዩ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ናብቲ መርበብ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ” ትብል ኣና ጆንሰን ዝተባህለት ተመራማሪት “ብራ”። ክሳብ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውሑዳት ገበናት ጽልኢ ተገሊጾም ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስ 4,788 ገበናት ምስ ገበን ምስዋር ጽልኢ ክምድብዎም እንከለዉ፡ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መጽናዕቲ ዝተሓትመሉ 2020 ብ 24% ምንካይ ኣርእዩ’ሎ። ይኹን’ምበር እቲ ምኽንያት ናይቲ ምውራድ ንጸሓፍቲ ናይቲ መጽናዕቲ ቡዙሕ ንጹር ኣይኮነን። ድራኸ ናይቲ ገበናት ከም ቀደሙ እዩ ዘሎ ዝብል ግምት እኳ እንተሎ ፡ ልዕሊ ፍርቂ ገበናት ጽልኢ ዓሌታዊ ወይ ጽልኢ ወጻእተኛ ድራኸ ዝነበሮ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። …

Read More »

ኣብ ገበን ፍንጀራ ዝሳተፉ መንእሰያት ከቢድ ጸገም ዕዳ ዘለዎም እዮም ተባሂሉ

ሓያሎ ፍንጀራ ዘካየዱ ወይ ነዚ ኣብ ምድላው ዝተሓባበሩ መንእሰያት ኣብቲ እዋን ከቢድ ዕዳ ዝነበሮም ኮይኖም፡ ክቱር ሕጽረት ገንዘብ ከም ዘንጽላልዎም ተገሊጹ። ዳህሳስ ሬድዮ ሽወደን ናብዚ መደምደምታ ዝበጽሐ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ፍንጀራ ብተተሓሒዙ ዝተፈርዱ ኲሎም ጒዳያት ትሕቲ ዕድመ ኣመልኪታ ድሕሪ ዘካየደቶ መርመራ እዩ። ስሙ ዝተቐየረ ኣሌክስ፡ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ገበን ዝተሳተፉ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኮይኑ፡ ናብ ንቡር ካብ ዕዳ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com