Thursday , May 2 2024

ገበን

ፖሊስ ሽወደን ወርቐት መንነቶም ክዕቐበሎም ይሓቱ!!

መንግስቲ ቊጽሪ ካርድ ካብ ወረቐት መንነቶም ክሓብኣሎም ፖሊስ ሽወደን ሓሳብ ኣቕሪቦም። ፖሊስ ነዚ ዝሓተቱ ኣብ ጒጅለታት ገበን እተዋፈሩ ሰባት መንነቶም ብምፍላጥ ካብ ተልእኾኦም ከየታርፍዎም ብምስጋእ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ጒጅለ ገበን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘውርድዎ ዘለዉ ጒድኣታት ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ሕቶ ከቕርቡ ከም እተቐሰቡ ሓላፊ ሕጋዊ ጒዳያት ሃገራዊ ፖሊስ ማርቲን ቫልፍረድሰን ሓቢሩ’ሎ። “ሎሚ ኣድራሻ ሰብን ካልእ ዝርዝራትን ናይ ካልእ ሰብ …

Read More »

ስካትቨርከት ፋይናንሳዊ ገበናት ንምዕጋት ሚስጥራዊ ቊጽጽር የተግብር ኣሎ ተባሂሉ።

ሽወደናዊ ኤጀንሲ ቀረጽ ስካትቨርከት ከምኒ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብን ጒጅለኣዊ ራስያን ንዝመሰሉ ፋይናንሳዊ ገበናት ንምቊጽጻር ሓድሽ ኣገባብ ምብጋሱ ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን ኣብ ቀረባ እዋን ንጥርጡራት ብሚስጥር ንምምርማር ዘኽእል ሓድሽ ሕጊ ምትሕልላፉ ድማ ተመልኪቱ’ሎ። ብተወሳኺ እዚ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ትግባረ ዝውዕል ሓድሽ ሕጊ ገበናት ፋይናንስ ንምክልኻል ንበዓል መዚ ቀረጽ ሽወደን ፍሉይ ስልጣን ከም ዝሃቦ ድማ ተፈሊጡ’ሎ። ሚኒስተር ፋይናንስ …

Read More »

ሓደ መንእሰይ ብልዑል ፍጥነት መኪና ብምዝዋሩ ናብ መጋባእያ ቀሪቡ!!

ሓደ 32 ዝዕድሚኡ መንእሰይ ኣብ ናይ 70 ኪ.ሜ ኣስፋልት ብ 152 ኪሎሜትር ፍጥነት መኪና እናዘወረ ተታሒዙ ናብ መጋባእያ ምቕራቡ ተገሊጹ። እዚ መንእሰይ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ዮተበሪ ከባቢ ኩንግስባካ እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኔሩ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሽወደን TT ፖሊስ ነዚ መንእሰይ ናይ መዘወሪ ፍቓዱ’ኳ እንተመንዝዕዎ ድሕሪ ሰሙን እናዘወረ እዩ ደጊሙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። እዚ መንእሰይ ናብ መጋባእያ ቫርገርግ …

Read More »

ኣብ መደበር መዕቆቢ ስደተኛታት ሃልምስታድ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ክልተ ሰብ ቆሲሎም!!

ሎሚ ኣብ ከተማ ሃልምስታድ ኣብ ስደተኛታት ዝነብሩሉ መዕቕቢ ብዝተካየደ መጥቃቲ ክልተ ሰብ ቆስሊሎም። ፖሊስ እዛ ከተማ ን ሓደ ወዲ 25 ዓመት ምስዚ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ካእሰር ከሎ እቶ ግዳያት ድማ ናብ ሆስፒታል ከምተወስዱ ኣፍሊጦም። እዚ ወዲ 25 ጡርጡር ብ ተወሳኺ  ብከቢድ ፈተነ ቅትለት ከምዝኽሰስ ፖሊስ እዛ ከተማ ወሲኹ ይገልጽ። ብመስረት ወሃቢ ቃል ፖሊስ ዮላ ብሪሃም  እዚ ጡርጡር ካራታትን ብመሓዝ ነቲ ፈተነ …

Read More »

ብገበን ዝተጠርጠሩ መራሕቲ ታክሲ ኣብ ንጥፈት ምዝዋር ከምዘለዉ ተሓቢሩ!!

ብገበን ዝተፈርዱ ዘወርቲ ታክሲ ንብዙሕ ዓመታት ታክሲ ከም ዝዝውሩ ጋዜጣ DN ጸብጺቡ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ እዚ ዝኾነሉ ምክንያት ኤጀንሲ ትራንስፖርት ሽወደን ንናይ ምዝዋር መሰሎም ስለ ዘይምንዝዖምን እቲ ናይ ክሲን ፍርዲን መስርሕ ንውሕ ዝበለ ግዜ ስለዝወስድ እዩ። “ስለዝተፈረድካ መሰል ሞያኻ ክትስእን ዝግባእ ኣይመስለንን” ይብል ዳይረክተር ኤጀንሲ ምዝዋር ታክሲ ማርኩስ ኤድስባጅ ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ቓል። እታ ጋዜጣ ኣብ ዘውጽኣቶ ትንታነ ዘወርቲ …

Read More »

ኣብ ዮተበሪ 20 ዝኾኑ ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ን ፖሊስ ኣጥቂዖም።

ብሰንበት ምሸት ኣብ ዮተበሪ 20 ዝኾኑ ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ንሮንዲ ፖሊስ ኣብ ሄይሲንግዝ ፓካ ኣጥቂዖ ተባሂሉ። እቶም ሰብ ማስኬራ ናብ ፖሊስ ኣኣማን ብምድርባይ እዮም ኣጥቂዖሞም። እቶም ሓለዋ ፖሊስ በዚ መጥቃዕቲ ደው ክብሉ ከም እተገደዱን እታ መኪና ፖሊስ ምዕናዋን ከኣ ኣፈኛ ፖሊስ ሓቢራ። “እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ፖሊስ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ማሕበረሰብ ከም ዘጋጠመ ኢና ንሓስቦ” ክትብል ኣፈኛ ፖሊስ ጄኒ ዌይደን …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ባንክ ኣይዲ(Bank ID) ሰባት ዝይዳ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ!!

ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣዛውንቲ ናይ 1.5 ሚልዮን ክሮነር ምጥፍፋእ ተፈጺሙ ተባሂሉ። ኣብ ኦስቶርሽን ዝቕመጡ ኣርባዕተ ኣዛውንቲ ፋይናንሳዊ ምትላል ዘጋጠሞም ኣብ ባንክ ንሰርሕ ኢና ዝብሉ ዘይፈልጥዎም ሰባት ጻውዒት ድሕሪ ምግባሮም እዩ። ፖሊስ ኣብ ዝገበርዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሰባት ንዘይፈልጥዎም ጻውዒታት መልሲ ካብ ምሃብ ክቚጠቡ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ካብ ቀረባ ግዜያት ኣትሒዙ ናይ ባንክ መለለዪ ወረቐት ብምምንዛዕ ብዙሕ ስርቂ ምፍጻሙን ዝበዝሑ ግዳያት ከኣ ኣዛውንቲ …

Read More »

ኣመሪካዊ ተጻዋታይ ሙዚቃ ራፕ ሎሚ ናብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ፍርዲ ቀሪቡ!!

ኣመሪካዊ ራፐር ኣሳብ ሮኪ ብጎነጻዊ መጥቃዕቲ ተኸሲሱ እዩ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ዘሎ። ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዝቕጽል መጋባእያ ንሱን ብጾቱን ብስባር ጥርሙዝን ቅልዒትን ንሓደ ሽወደናዊ ኣብ ስቶክሆልም ኣጥቂዕኩም ዝብል ጒዳዮም ክረአ እዩ። ጠበቓ ተኸሳሲ እቲ ጒዳይ ዘይከሓደ እኳ እንተኾነ ብነብሰ ምክልኻል ኣተደረኸ እዩ ብምባል ናይ ምክልኻል ሓሳቡ ኣቕሪቡ”ሎ። ኣብቲ መጋባእያ ኣኽባር ሕጊ ብካሜራ ዝተላዕሉ ተንቀሳቓሲ ስእልታት እቲ ግፍዒ ኣቅሪቡ’ሎ። እቲ ግዳይ …

Read More »

ክቡራት ሰዓታት ዝወድዩ ሰባት ክጥንቀቑ ፖሊስ ጸዊዑ!!

ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ስርቂ ከምኒ ሮሌክስ ዝኣመሰላ ኣማኢት ኣሽሓት ክሮነር ዝዋጋአን ሰዓታት ገርጊሩ ምህላዉ ብምምልካት ወደይቲ ሰዓታት ክጥንቀቑ ፖሊስ ሓቢሩ’ሎ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ኡስተርማልም እዚ ከም ዝተራእየ ድማ እቲ ጸብጻብ ኣመሊኪቱ’ሎ። ፖሊስ ነዚ ስርቂ ንምዕጋት ኣብቲ ከባቢ ብብዝሒ ተዋፊሮም ምህላዎም ድማ ተገሊጹ። መርማሪ ፖሊስ ዳኒኤል ሆርነር ምስ ስቨንስካ ዳግብላዴት ኣብ ዝገበሮ ዕላል ከምዚ ዝበሉ ስርቂ ብርቕቕ ዝበለ ኣገባብ ከም ዝፍጸምን …

Read More »

ፖሊስ ሓደ መርበብ ንግዲ ኣመንዝራነት ምርካቦም ገሊጾም።

ኣብ ምዕራብ ሽወደን ፖሊስ ሓደ መርበብ ንግዲ ኣመንዝራነት ምርካቦም ገሊጾም። 20 ዝኾና ካብ ሮማንያ ዝመጻ ደቀንስትዮ ኣመናዝር ኮይነን ክሰርሓ ናብ ሽወደን ክመጻ ከም እተገብረ ፖሊስ ብሰሉስ ሓቢሮም። ፖሊስ ናብቲ እዚ ገበን ዝፍጸመሉ ህንጻ ዝኸዱ ካብ ህዝቢ ብዝረኸብዎ ጽንጽንታዊ ሓበሬታ ምዃኑ ገሉጾም ኣለዉ። ኣብ መርመራኦም ድማ እዚ ሓደ ካብቶም Malmö, Göteborg ከምኡውን Växjö ዝርከቡ መርበባት ምዃኑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ፖሊስ ብዓርቢ ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com