Friday , May 17 2024

ገበን

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሓዪሮም ዝነበሩ 13 ሽወደናውያን ተመሊሶም።

ጋዜጣ ስቨንስካ ዳግብላዴት ን ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ብምጥቃስ ከም ዝሓበረቶ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብገበናውያን ጒጅለታት ተሓዪሮም ዝነበሩ 13 ሽወደናውያን ናብ ሽወደን ከም ዝምለሱ ተጌሮም ኣለዉ። እዞም ሕዩራት ናብ መንቆል ዓዶም ክበጽሑን ደሃይ ክገብሩን እዮም ናብተን ሃገራት ጌሾም ኔሮም። መብዛሕትኡ እዚ ምሕያር ኣብ ኬንያን ሶማልን ዝተኻየደ ምንባሩ እታ ጋዜጣ ኣብሪሃ’ላ። እዞም እሱራት ንማህረምቲ ማእሰርቲን ካልእ ጎነጽን ተቓሊዖም ምንባሮም እታ …

Read More »

ዴንማርክ ኣብ ዶባት ሽወደን ዘሎ ጸጥታዊ ኲነታት ንከተሕይሎ ፍተሻ ከተካይድ ሙዃና ገሊጻ።

መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ ሃገሩ ዘሎ መጠን ገበን ከጒድል ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ገበን ንምዕጋት ዘድልዩ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ሕጊታት ኣብ ምድላው ምውሳኖም ከኣ ይንገር ኣሎ። ሓደ ካብዞም ሕጊታት ንሽወደን ዝምልከት እዩ። ካብ ሕዳር 12 ጀሚሩ ፖሊስ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲኣተን ሃገራት ንዝንቀሳቐሱ ሰባት ፍተሻ ከካይዱ ምዃኖም ድማ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብዚ ፍተሻ ዝኣቱ ኩሉ ሰብ ዘይኮነ ኣብ ገበን ዝተዋፈሩ ሰባት ብፍላይ ምዃኖም …

Read More »

ኣካያዲ ኢስፕረሶ ንሰራሕተኛታቱ ብምፍርርሁ ብ ጋዜጣ ይቃላዕ ።

ኣካያዲ ህብብቲ እንዳ እስፕሬሶ ንሰራሕተኛታቱ ክሳብ 12 ሽሕን 500 ክሮና ካብ ጁባኦም ቀረጽ ከኽፍሎም ምዃኑ ብምፍርራህ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ሓንቲ ጋዜጣ ሽወደን ኣቃሊዓ። ዓደግቲ ዝኾነ ኣቕሓ ወይ ኣግልግሎት እንክገዝኡ ቅብሊት ክወሃቡ ሕጊ ሽወደን የገድድ እዩ። ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴ ብገለ ተጠቀምቲ ኣብ ዘዘራረበትሉ ብሰንኪ ብኲራት ቊጽጽር በዓልመዚ ቀረጽ ሰራሕተኛታት ናብ ከምዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ምፍርራህ ይቃልዑ ኣለዉ ኢሎም ኣለዉ። “እዚ ፍጹም ዘይምኽንያታዊ ክፍሊት እዩ፡ …

Read More »

ኩባንያ ኤሪክሰን ንእንተታት መቕጻዕቲ ብልሽውና ንምሽፋን 12 ቢልዮን ክሮነር ይስልዕ።

ኤሪክሰን ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጉዳይ ብልሽውና ንዝተጻዕኖ ዕዳ ንምክሕሓስ 12 ቢልዮን ክሮና ምድላዉ ተገሊጹ። እዚ ግዙፍ መቕረቢ ኣቕሑ ዓውለማዊ መራኸቢታት ኣብ ዓመተ 2013 ብ ኮሚሽን ጸጥታን ምልውዋጥን ከምኡ’ውን ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ እዚ ኲባንያ ምስ ሕጊ ጸረ-ብልሽውና እታ ሃገር ብምስምማዕ ይሰርሕ ኣሎ ድዩ ብዝብል መርመራ ምኽፋቶም ዝፍለጥ እዩ። ኤሪክሰን ኣብዚ ጒዳይ ምስ ሰብመዚ ኣመሪካ ምስምማዑን ውሽጣዊ መርመራ …

Read More »

ቊጽሪ ብጠያይቲ ዝጥቅዑ ሰባት ወሲኹ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብጠያይት ተወቒዖም ናብ ሆስፒታል ዝመጹ ሰባት ቊጽሮም ብ 20 ሚእታዊት ምውሳኹ ቆንስል ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ሬድዮ ኤኮት እዚ ኣሃዝ ነቶም ብሰንኪ ጥይት ግዳያት ሞት ዝኾኑ ኣየጠቓልልን እዩ። ብመሰረት እዞማ ኣሃዛት ዓሚ 148 ሰባት ክንክን ሕክምና ክረኽቡ እንከለዉ 26 ኣብ ዓመተ 2017 ኣብ 2018 ከኣ ካብ ዕጽፊ ብዝዛይድ ቊጽሪ ምውሳኹ ተመልኪቱ’ሎ። ኣብ ካሮሊንስካ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ትሰርሕ …

Read More »

ንኣፍቃሪቱ ዝቐተለ መንእሰይ 8 ዓመት ይፍረድ።

ቤትፍርዲ ሽወደን ንወዲ 18 ዓመት ሽወደናዊ ኣፍቃሪቱ ቀቲሉ ብዝብል ክሲ ሸሞንተ ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝበየነሉ ተፈሊጡ። መጋባእያ ያልቫረ ብዝየካዚ ንብጻዩ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲን ፋይናንሳዊ ካሕሳ ንስድራ ግዳያትን በዪኑ’ሎ። እዚ ገበን ኣብ መጋቢት ዝተፈጸመ ኮይኑ መዋቲት ኣብ ኖርሱደት እያ ተረኺባ። ስድራኣ ኣቐዲሞም ብዛዕባ ደሃይ ምጥፋኣ ንፖሊስ ሓቢሮም ምጽንሖም ድማ ተመልኪቱ። ግዳይ ብብዙሕ ማህረምቲ ፋስ ከም ዝተቐትለት ምርግጋጾም ኣብቲ ፍርዲ ተጠቒሱ።

Read More »

ማሕበር ንግዲ ሽወደን ን ካብ ካልእ ሃገር ሰራሕተኛታት ንዝቖጽራ ትካላት ይቓወመን።

ሓፈሻዊ ኮንፈደሬሽን ማሕበራት ንግዲ ሽወደን ካብ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ንዝግበር ምቚጻር ሰራሕተኛታትን ብፍላይ ኣብ ትሑት ስራሕ ምቚጻርን ኣጥቢቑ ከም ዝቓወም ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ማሕበር ኣብ ሽወደን ልዑል ሽቕለት ኣልቦነት እናሃለወ ከምዚ ዝበለ ትሑት ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ናብ ሽወደን ምምጻእ ኣድላዪ ከም ዘይኮነ ገሊጹ’ሎ። እዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ሽወደን ናይ መንበሪ ፍቓድ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም እናተባህሉ እዮም ተታሊሎም ናብ ሽወደን …

Read More »

ሓላፊ ፖሊስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ዝኽሰተ ዘሎ ገበናት ዝምልከት ኣብ ስቶክሆልም ዑደት ይገበር።

ሓላፊ ፖሊስ ሽወደን ኦሎፍ ጆሃንሰን ከምኡ’ውን ሓላፊ ፖሊስ ኒውጀርዚ ሪክ ፉንተስ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ስቶክሆልም ንዝረአ ናይ ብረት ምጥቕቓዕ ዝበዝሖ ጎነጽ ንምቅላስ ምስ ፖሊስ ኣመሪካ ብምትሕግጋዝ ክሰርሑ ምዃኖም ገሊጾም። ንኩነታት ሽወደን ኣመልኪቱ ጆሃንሶን ኣብዝሃቦ ሓበሬታ ኣብዚ ሕጂ እዋን ገበናት ኣብ ሽወደን ኣብ ጽንኲር ኲነታት ከምዘሎን ብረታት ካብ ጽርግያታት ኣብ ምእካብ ኢና ተዋፊርና ዘለና” ክብል ነዚ ኩነታት ይገልጾ። …

Read More »

ጣልያን ስደተኛታት ዘሳቐዩ ዝበለቶም ሰለስተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ጣልያን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሰሜናዊ ሊብያ ስደተኛታት ኣሳቒኹም ብዝብል ጥርጣረ ንሰለስተ ሰባት ብሰኑይ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። እዞም ዜግነቶም ጊናዎ ግብጻዊን ዝኾኑ ተኸሰስቲ ዕድሚኦም 22 24 ን 26 ኮይኑ፣ ኣባላት ናይቶም ዛጊት ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ዘሳቕዩ ጒጅለ እዮም ተባሂሉ’ሎ። እዞም ሰለስተ ተኸሰስቲ ብኻልኦት ኣብ ዛዊያ ተኣሲሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ክልለዩ ከም እተገበረን ኣኽበርቲ ሕጊ እኹል ምስክርነታት ምእካቦምን …

Read More »

ሓደ ፖሊስ ብገበን ዝድለ ሰብ ኣብ መስርሕ መርመራ እናሃለወ ብስሕለት ከም እተጐድአ ተሓቢሩ።

ሎሚ ንግሆ ሓደ ፖሊስ ብገበን ንዝድለ ሰብ ናይ መርመራ ጒዳይ ወዲኡ ናብ ቤቱ ከባቢ ግሪቲታን እናኣተወ ብስሕለት መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖ ተገሊጹ። እቲ ሰብኣይ ብቕጽበት ማዕጾ እቲ ቤት ምዕጻዉን ብርክት ዝበሉ ፖሊስ ነቲ ቤት ከም ዝኸበብዎን ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ዝርከብ ሰብኣይ ኣብ ሰነዳት ፖሊስ ሽወደን ፍሉጥ ስም ከም ዘለዎ’ውን ተመልኪቱ’ሎ። “ፖሊስ ዝወረዶ ምንም ኣካላዊ ማህሰይቲ የለም” ክብል ኣፈኛ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com