Monday , April 29 2024

ገበን

ነበርቲ ስቶክሆልም ብምኽንያት ፋሲኻ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝግበር መገሻታት ከቛርጽዎ ይሕተቱ።

ተቐማጦ ስቶክሆልም በዓል ፋሲካ ንምብዓል ናብ ጎትላንድ፣ኦረ፣ ኦላንድን ካሊኦት ከባብታት ሽወደን እንተ ድኣ መጺኦም፡ ልዕሊ ዓቕሚ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና’ዛ ከተማ ዝኾኑ ብዙሓት ብሕማም ክሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ክህልውዎም ስለዝኽእሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብዛ ደሴት ንኽኣትዉ ተቐባልነት ከምዘይብሎም ሓላፊት ጥዕና ጎትላንድ፡ ሜሪ ሉፕ፡ ከምዝሓበረት ተለቪዥን ሽወደን TT ሓቢራ። ብዙሓት ካብ ተቐማጦ ስቶክሆልም በዓል ፋሲካ ንኸሕልፉ ናብቲ ኣብታ ደሴት ዝርከብ ዝውንንዎ ኣባይቲ ከምዝኸዱ …

Read More »

ኣብ ዶባት ሽወደን ዘለዉ ፖሊስ ሓለዋ መካይን ንኽቈጻጸሩ ዘኽእሎም ዝለዓለ ስልጣን ተዋሂብዎም።

ሓለዋ ድብ ፖሊስ ንዝኾነ መኪና ብ ዶም ትስግር ናይ ሙቑጽጻር ስልጣን ተዋሂብዎም። ነዚ ዝገለጸ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሚካኤል ዱምበርግ ብዘይካዚ ነዚ ዘሳልጣን ስርቂ ንምቊጽጻር ዝሕግዛን ካሜራታት ኣበየ ገዛእቲ ቦታታት ዶባት ክቕመጥ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። ንሱ ነዚ ጒዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ”ፖሊስ ብዘመናዊ መሳለጥያ ክሕገዙ ይግባእ፥ እዚ ኣህጒራዊ ስርቂ ንምንካይ ሓጋዚ እዩ” ኢሉ። በዚ ካሜራ ተሓጊዞም ፖሊስ ንታርጋ መካይንን ዓይነታት መካይንን …

Read More »

ሕማም ኮሮና ንምቅላስ መንግስቲ ሽወደን ዝያዳ ፋይናንሳዊ ወፍሪ ይገብር።

መንግስቲ ሽወደን ዛጊት ቊጽሩ ዘይተፈልጠ ሕማም ኮሮና ንምቅላስ ከም ዘዋፈረ ተገሊጹ። ” ኣብ ምቅላስ እዚ ሕማም ዝኾነ ሕጽረት ገንዘብ ዝብል ምስምስ ክቐርብ የብሉን” ክትብክ ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሊን ኣንደርሰን ንኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢራ’ላ። እዚ ዘሎ መንግስቲ ምስ ማእከላይን ሊበራላውን ሰልፊታት ብምዃን ዝመጽእ ጽድያ ኣብ ዝጸድቕ ባጀት ንጽላት ጥዕና ዝያዳ ገንዘብ ክስላዕ ተሰማሚዖም ኣለዉ። ” ንኲባንያትን ሰብመዚን ክንክን ጥዕና ዝያዳ ገንዘብ ክስላዓሎም …

Read More »

ኣብ ዓበይቲ ኲባንያትታ ዝሰርሑ ሓዊስካ 41 ሰባት ብምንዝርና ይኽሰሱ።

41 ሰባት ምስ ኣመናዝር ጾታዊ ርክብ ክትገዝኡ ተረኺብኩም ብዝብል ምሓዙን ካብዚኣቶም ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ኲባንያታት ሽወደብ ምዃኖምን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። እዚ ስርሒታት ኣብ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ መዋፈሪ ኣመናዝር እዩ ተኻዪዱ። ሓደ ካብዞም በዚ ተግባር ዝተኸሰሱ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ዝመሓድር ሰራሕተኛ ዓብዪ ኲባንያ ሽወደን እዩ ተባሂሉ’ሎ። ክሳብ 50 ሽሕ ክሮና ክዕጻዕ ከም እተበየነሉ ድማ ተገሊጹ። ካልእ ብተመሳሳሊ …

Read More »

ሽግር ገበናት ኣብ ሽወደን ዓሌት ዘይኰነ ዕጸፋርስ ምዃኑ ፖሊስ ዮተበሪ ሓቢሩ።

ፖሊስ ከተማ ዮተበሪ ኣብ መንእሰያት ዝረአ ገበንን ራስያን ብምኽንያት ምጥቓም ዕጸፋርስ ዝድረኽ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ድማ ነቲ ዝጸንሐ ስደተኛታት ምብዝሖም እዩ እዚ ጒዳይ ሳዕሪሩ ንዝብል ኣተሓሳስባ ዝሰብር እዩ ተባሂሉ’ሎ። መርመራ ፖሊስ ከም ዘመልክቶ እቶ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕማቕ ተግባር እተዋፈሩ መንእሰያት ሽወደናውያን ምዃኖም እዩ። ኣብ ዓመታት 2018-19 ብመንእሰያት ዝፍጸም ራስያ ብ 31 ሚእታዊት ምዕባዩ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን …

Read More »

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሽወደን ኡስራት ረብሻን ዕግርግርን ምፍጣሪም ተገሊጹ።

ኣብ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ማሕቡስ ሽወደን ኣሸብሮ ከም እተላዕለ ተገሊጹ። እዞም ኣብያተ ማእሰርቲ ሓድሽ ሕጊ ብምጽራር እዮም ነዚ ሸብሮ ዘካይዱ ዘለዉ ተባሂሉ ኣሎ።፡ብመሰረት እዚ ሕጊ ኣብ ኣብያተ ማሕቡስ ንዘለዉ ሰባት ገንዘብ ምሕዋል ክኸልከል እዩ። ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝነበረ ሕጊ እሱራት ክሳብ 1600 ክሮና ሽወደን ክቕበሉ ይኽእሉ ኔሮም። በዚ ገንዘብ ተጠቒሞም ድማ ጻውዒታት ምግባርን ካርድ ሞባይል ክገዝኡን ይኽእሉ እኳ እንተነበሩ ሕጂ ግና …

Read More »

13 ኩባንያታት ሽወደን ኣብ ዝርዝር ጸሊም መዝገብ (Black list) ዓለማዊ ባንክ ኣትየን።

ዓለማዊ ባንክ፡ ነተን ብገንዘባዊ ብልሽውና ዝኽሰሳ ኣስታት 2000 ዝኾና ኩባንያታት ኣብ ዝርዝር ጸሊም መዝገቡ ኣስፊርወን ከምዘሎን ካብኣተን ድማ እተን 13 ኩባንያታት ሽወደን ምዃነን ነቲ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ተለቪዥን ሽወደን ኣቃሊሑ። ኣብ ናይ ጸዓት፡ ኣሃዛዊ ውሕስነትን (digital security) ኣህጉራውያን ኣማኸርቲ (international consulting) ዝነጥፋ ኩባንያታት ገለ ካብተን 13 ኩባንያታት ሽወደን እየን። ዓለማዊ ባንክ፡ ነዘን ኣብ ጸሊም መዝገቡ ኣስፊርወን ዘሎ ኩባንያታት ብመንገዱ ኣብ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ናይ ዝተተምየኑ ፓስፖርታት ቁጽሪ ወሲኹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ሽወደን ን450 ዝተተምየኑ ፓስፖርታት ከምዝወረሰን እዚ ቁጽሪ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ሬድዮ ኢኮት ኣቃሊሑ። ብመሰረት ጸብጻባት ፖሊስ፡ እዞም ከምዚኦም ዓይነታት ፓስፖርታት ኣብ ገበናት ዘይሕጋዊ ፍልሰት ዝጥቀምሎም ኮይኖም ገለ ካብቶም ፓስፖርታት ዝተተምያኑ ክኾኑ ከለዉ ገለ ድማ ጥዑያት ፓስፖርታት ኮይኖም ካልኦት ሰባት ዝጥቀምሎም እዮም። እዚ ዝተረኽበ ብዝሒ ብሳላ ቀጻሊ ዝኾነ ምምዕባል ናይ መሳርሒታትን ምምዕባል ዓቕሚ …

Read More »

ኲባንያታት ጒዕዞን መንገዲ ኣየርን ሽወደን ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣትዮም።

ኲባንያታት ጒዕዞን መንገዲ ኣየርን ሽወደን ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣትዮም። ቦርድ ሓፈሻዊ ጥርዓናት ሽወደን ሓድሽ ጸሊም መዝገብ ዝሓመቑ ዝበሎም መንገዲ ኣየራት፥ ጒዕዞን ኣገልግሎትን ኣመልኪቱ ምውጽኡ ተፈሊጡ። እዚ ብተገልገልቲ ዝመጹ ጥርዓናት ምኽንያት ጌሩ ዝመጸ ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ። እዚ ዝርዝር 165 ሓደስቲ ኲባንያታት ዝሓዘ ኰይኑ ንምኽሪ ቆንስል ሓፈሻዊ መረረታት ካብ ምፍጻም ዝሓንገዱ እዮም ተባሂሎም ኣለዉ። እዚ ዝርዝር ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ምሕዳስ ከም …

Read More »

ንመንእሰያት ዝለዓለ መቕጻዕቲ ክብየን ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ገዛኢ መንግሲ ዝርከባ ሰልፍታት ብውዱባት ገበነኛታት ዝመጻ ዘሎ ገበናት ኣብ ምንካይ ይዘራረባ ምህላወን ተፈሊጡ። ሓደ ካብቲ ሽግራት መንእሰያት ገበናት ይፍጽሙ ምህላዎምን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ክሊ ዕድመ 18–21 ዘለዉ ሕጽር ዝበለ መቕጻዕቲታት ክወሃቡ ምጽንሖም እዩ ተባሂሉ። ሰልፊታት ለዘብተኛታት፥ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲን ነዚ ጸኒሕ ሕጊ ክኣልይዎ ከም ዝደልዩ ድማ ገሊጾም ኣለዉ። ካብ 18-21 ዘሎ መንእሰይ ሕጽር ዝበለ ጥራይ መቕጻዕቲ ክብየነሉ የብሉን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com