Wednesday , May 15 2024

ገበን

ሓንቲ ኣደ ብሞት ጓላ ናብ ፍርዲ ትቀርብ።

ሓንቲ ስድራቤት ንብርክት ዝበላ ዓመታት ኣብ ፋሚሊ ሆም ድሕሪ ምጽናሕ ሰለስተ ዝዕድሚኣ ጓሎም ናይ ምዕባይ መሰል እኳ እንተተዋህቦም እዛ ጓሎም ድሕሪ ዓሰርተ ኣዋርሕ ምሟታ ተፈሊጡ። እዛ ህጻን ኣብ ኖርሾፒንግ ኣብ ዝርከብ ቤት እዞም ጽምዲ እያ ህይወታ ሓሊፋ ተረኺባ ዘላ። ብሞት እጻ ህጻን እተጠርጠረት ኣደ ናብ መጋባእያ ከም እትቐርብ ድማ ተገሊጹ’ሎ። እዛ ኣደ ምስ ኣቦ ጓላ ብምስምማዕ ነዚ ቕትለት ከም ዝወዓለቶን …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ናይ ኣድልዎ በደል ከይፍጸም ጻውዒት ቀሪቡ።

ዴንማርክ ኖርዌይን ፊንላንድን ንዕረፍቲ ሳመር ዶባት እንተተኸፊቱ ሽወደናውያን ለበዳ ኮሮና ሒዞምልና ክመጹ እዮም ዝብል ስግኣት ከም ዘልዎም ተገሊጹ። ሚኒስተር ንግድን ቱሪዝምን ኢብራሂም ባይላን ዝኾነ ዜጋ ዘየድሊ ምጒናይ ክበጽሖ ኣይግባእን ድሕሪ ማባል ሽወደናውያን በዚ በደል ከይወርዶም ምጽውዑ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ባይላን ምስ ሚኒስተራት ቱሪዝም ኣውሮጳዊ ሕብረት ብቪድዮ ክራኸብ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ። ባይላን ነቶም ዝሓለፈ ሰሙን ብኮሚሽን ኣውሮጳ ዝቐረቡ ንኣከፋፍታ ዶባት …

Read More »

ኣብ ዕዳጋታት ጾታዊ ርክብ ዝነጥፍ ዝነበረ ሓደ ፖሊስን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣትዉ።

ፖሊስ ሽወደን ኣንጻር ዕዳጋታት ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝገበሮ ናይ ሃድን ስርሒት፡ ንሓደ ኣባል ፖሊስ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ሬድዮ ኢኮት ሎሚ ሓቢሩ።እቲ ኣባል ፖሊስን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ዕዳጋታት ጾታዊ ርክብ ብመንገዲ ኣብ ኦስተርማልም፡ ማእከል ስቶክሆልም፡ ዝርከብ ናይ መሳጅ ትካሎም ኣቢሎም ይነጥፉ ከምዝነበሩ ዝብል ክሲ ብመንገዲ ኣኽባሪ ሕጊ ቀሪብሎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።ከምዝፍለጥ፡ ፖሊስ ሽወደን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር …

Read More »

ኣብ ሽስታ ዝርከብ እንዳ ወርቂ ብቐትሪ ይስረቅ።

ትማሊ ንግሆ ኣብ ሽስታ ጋለሪ፡ ስቶክሆልም፡ ዝርከብ ሓደ እንዳ ወርቂ ብክልተ ገጾም ዝተሸፈኑ ሰባት ከምዝተሰርቀን ብድሕሪ እቲ ፍጻመ እቶም ሰረቕቲ ብሞቶ ገይሮም ናብ ኤርቪንጌ ገጾም ከምዝሃደሙ ኣፍቶንብለደት ኣቃሊሑ። ፖሊስ ስቶክሆልም ብሄሊኮፕተር ጌሮም ነቶም ሰረቅቲ ይከታተልዎም ከምዝነበሩን ክሳብ ሕጂ ድማ ደሃይ ናይቶም ሰረቕቲ ከምዘየለ ተፈሊጡ ኣሎ። እቶም ሰረቕቲ ጻዕዳ ሕብሪ ዘለዎ መሸፈን ገጽ (ማስኬራ) ገይሮም ብረት ብምውጥዋጥ ነቲ ናይ ስርቂ ፍጻመ …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ጾታዊ ርክብ ዝገዝእ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ወፍሪ ተጀሚሩ።

ትማሊ ምሸት ፖሊስ ጾታዊ ርክብ ንኽገዝኡ ኣብ ምንቅስቓስ ዝነበሩ 18 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። እዚ ኣብ ቀይዲ ምእታው ብምትሕብባር ፖሊስን ኖርማልምን ከም እተፈጸመ ድማ ተገሊጹ።፡ ” ከም ኣካል ናይቲ ጾታዊ ርክብ ዝገዝኡ ሰባት ንምሓዝ ዝፈለመ ወፍሪ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲና ኣሎና” ክብል መርማሪ ገበናት እቲ ጒጅለ ሳይሞን ሃግስትሮም ገሊጹ። ዝያዳ ሓበሬታ ካብ …

Read More »

ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ን35 ሚልዮን ክሩነር ዝሰረቐ።

ናይ ባንክ ሰራሕተኛ ዝነበረ ሽወደናዊ ን14 ሰባት ኣደናጊሩ 35 ሚልዮን ክሩነር ካብ ኣካውንቶምብምስራቑ ን4 ዓመታት ኪእሰር ተፈሪዱዎ። ንሱ ኣብቲ ባንክ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ እናሰርሐ ነቶም ሃንደበት ብዙሕ ገንዘብ ዝመጾምን ኪወጋግኑዎ ዘይክእሉን፡ ወይ ኣብ ስድራቤት ናይ ሞት ኩነት ዘጋጠሞምን ወይ ድማ ካልእ ጸገማት ዝነበሮም መብዛሕትኦም ኣረጋውያን ዝኾኑ እዩ ሰሪቑዎም።ንሱ ነቲ ገበኑ ኪእመን ከሎ፡ ነቲ ገንዘብ ዝሰረቖ ምኽንያት፡ ቁማር ብምፍታዉ ምዃኑ ገሊጹ። …

Read More »

ገለ ሰባት ካብ ዕዳን ሓገዝን ንምትላል ምዝባዕ ኣድራሻ ይጥቀሙ ኣለዉ ተባሂሉ።

በዓል መዚ ስካትቨርከት (skatteverket) ሽወደን ኣብ ምዝገባ ህዝቢ ሽወደን ዘሎ ኮነ ኢልካ ዝግበር ምዝባዕ ኣድራሻ ካብ ፋይናንሳዊ ገበን ንምህዳም ዝግበር ዘሎ እዩ ክብል ሎሚ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ሓደ ካብቶም በዚ ዝተጸልወ ዜጋ በዚ ኮነ ኢልካ ዝግበር ምዝባዕ ሓበሬታ ምክላባት ከም ዘጋጠሞ ኸኣ ገሊጹ። ሕጊ ህዝባዊ ምዝገባ ካብ ዝተኣታቶ ክልተ ዓመቱ እኳ እንተገበረ ዛጊት ሓሙሽተ ሰባት ብምትላል ተታሒዞም ናብ ፍርዲ ምቕራቦምን …

Read More »

ሬሳ ዝጥፍኤ ጋዜጠኛ ኣብ ሩባ ኡፕሰላ ተረኺቡ።

ኣብ ሰሜን ሩባ ኡፕሰላ ዝተረኽበ ሬሳ፡ ናይቲ ደሃዩ ኣብ ወርሓ መጋቢት ዝጠፍአ ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ ምዃኑ ፖሊስ ምርግጋጾም ተሓቢሩ። እዚ ሳጂድ ሁሴን ዝተባህለ ወዲ 39 ዓመት ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ በቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ጸብጻባት ኣብ ህይወቱ ምፍርራህ ይመጾ ከም ዝነበረን በዚ ድማ ዓሚ ኣብ ሽወደን ዕቚባ ከም እተዋህቦን ይፍለጥ። ንሱ ናብ ኡፕሰላ ክሰግር ኣብ መስርሕ እናሃለወ እዩ ተሰዊሩ። ኣፈኛ በዓልመዚ ኣኽባር ሕጊ እቲ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ሰባት ካብ ናይ ሓሶት ፖሊስ ክጥንቐቑ ይሕብር።

ኣብ ሽወደን ብዙሓት ሰባት ብሓሶት ይደናገሩ ምህላዉ ፖሊስ ሽወደን  ይሕብር። ሰባት ብኣደናገርቲ ፖሊስ ገንዘቦም ይዝረፉ ከምዘለዉን ሓቢሮም። እቶም ናይ ሓሶት ፖሊስ ደዊሎም ብ ሓሶት ወድኻ ብሓደጋ ተጎዲኡ ብምባል ንሰባት ኣብ ምድንጋር ተዋፊሮም ከምዘለው ይገልጹ። እዞም ናይ ሓሶት ፖላይስ፡ ኣብ ኢንተርነትካ ናይ ባንክ ሒሳብ እቶ ብምባልን፣ ናይ ባንክ ሒሳብካ ቁጽሪ ካርድ ሃበና ብምባል ንሰባት ይዘምቱኻ ከምዘለዉ ወሲኾም ይገልጹ። ግን ነብስኻ ንምክልኻል …

Read More »

መንግስቲ ገበነኛታት ካብ ሽወደን ከባርር እዩ ተባሂሉ።

መንግስቲ ፍሩዳት ገበነኛታት ካብ ሃገር ንምብራር ናይ ማእከላይን ሊበራላዊ ሰልፍታት ደገፍ ምርካቡን ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። “ሕጂ ዘሎ ሕጊታት ኣዝዩ ልኡም እዩ። ኣብ ምድሪ ሽወደን ገበን ዝፈጸመ ሰብ ዘይዜጋ እንተኾይኑ ናብ ሃገሩ ክባረር እዩ ዘለዎ” ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጆሃንሰን ገሊጹ። እዚ ምስጓጒ መዓስ ክትግበር ምዃኑን ኣብ ከመይ ኲነታትከ ካብ ትግባረ ክተርፍ ይኽእል ዝብል ገና ዘይደቀሰ ዛዕባ እኳ እንተኾነ ክብሪ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com