Wednesday , May 15 2024

ገበን

ደገፍቲ ናዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛታት ዘየድሊ ጭርሖ ብምጽሓፎም ቁጥዔ ኣልዒሉ።

“ኦ ናይ ሰሜን ሰራሕተኛታት ሕበሩ” ዝብል ቴማ ዘለዎ ናይ ናዚ ሰሌዳ ምልክታ ኣብ መንደቕ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ሰራሕተኛታት ብምንጥልጣሉ ሓያል ቑጥዔ ዓልዒሉ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ብጉዳይ ኣብ መንደቕ ቤት ጽሕፈቱ ሎሚ ንግሆ ዝተንጠልጠለ ናይ ናዚ ሰሌዳ ምልክታ ኣመልኪቱ ናብ ፖሊስ ጥርዓኑ ከምዘቕረበ ሓቢሩ። እቲ ሰሌዳ ምልክታ ኣርማ ናይ ምንቅስቃስ ተቛውሞ ኖርዲክስ (NMR) ከም ዝነበሮ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ፍጻመ፡ ዓቢ ግህሰት ሕጊ …

Read More »

ሓንቲ ነርስ ድሕሪ ህይወታ ምሕላፉ ሆስፒታል ብሸለልትነት ይኽሰስ።

ሕሙማት ኮሮና ኣብ ምእላይ እናሃለወት ህይወታ ዝሓለፈ ነርስ ኣማውታኣ ምስ ሸለልትነት ዝተተሓሓዘ እዩ ንዝብል ክሲ ንምጽራይ መርመራ ከም እተጀመረ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። እዛ ኣብ ክሊ ዕድመ ኣርብዓታት እትርከብ ነርስ ኣብ ስቶክሆልም ሆስፒታል ካሮሊንስካ ሕሙማት ኮሮና ኣብ ምእላይ ተዋፊራ ምንባራ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ሆስፒታላት ክቕረብ ዝጸንሐ ናይ መከላኸሊ ኣልባሳት ምስ ስታንዳርድ ኤጀንሲ ጥዕና ብምውድዳር ትሑት ብቕዓት ዘለዎ ኮይኑ ብምርካቡን እዛ ነርስ በዚ …

Read More »

ኣብ መላእ ሽወደን ናይ ትራፊክ መቕጻዕቲ ብሞባይል ክኸውን እዩ።

ኣብ መላእ ሽወደን ንዝግበር ጥሕሰት ትራፊክ ዝዳረግ መቕጻዕቲ ብመንገዲ ኣብ ሞባይል ናይቶም ሰራሕተኛታት ዝተጻዕነ ፕሮግራም ክፍጸም ምዃኑ ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ፕሮግራም ዝኾነ ብኢድ ተጻሒፉ ዝኣቱ ሓበሬታ ከይተጸበየ፡ ናብቲ ሕጊ ዝጠሓሰ ሰብ ብቐጥታ ናይ መቕጻዕቲ ቅብሊት ከምዝሰድድ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት ነቲ ብፖሊስ ትራፊክ ዝዕመሙ ተወሰኽቲ ስራሓት ዝያዳ ግዜ ንምሃብ ከምዝሕግዝን ንናይ መቕጻዕቲ ኣገባባት ዘቃላጥፍን እዩ። እቲ ኲባንያ ብዓርቢ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ኣባላት መንግስቲ ሶርያ ዝነበሩ መርመራ ይግበረሎም።

ኣብ ሽወደን ኣባላት መንግስቲ ሶርያ ኣብ መርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ተነጊሩ። ኣብ ሽወደን ኣባላት መንግስቲ ሶርያ ፈጺሞሞ ዝበሃል ገበናት ኲናትን ጥፍኣት ወዲኣዳምን ንምምርማር ኣብያተ ፍርዲ ንመርመራታት ክፉታት ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ኣብ ጀርመን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ መጋብኣያ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ሶርያ ብገበን ኲናት ተሓተትቲ ኮይኖም ከም እተረኽቡ ተገሊጹ’ሎ። ኣኽባሪት ሕጊ ሽወደን ነዚ ጒዳይ ዘለዋ ደገፍ ምግላጻን ንነዊሕ ዝኣንፈተ መርመራ ኣብ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ሄልሲንግቦርግ ዝተራእየ ምጥሓስ ዕሸጋ መካይን ዘይሙኽንይ እዩ ይብል።

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ሄልሲንግቦርግ ዝጸንሐ ምጥሓስ ዕሸጋ መካይን ወይ ፓርከሪንግ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብዚ እዋን ክሳብ 335 ሽሕ ዝበጽሕ ሕጊ ዝጥሕስ ተግባራት ምፍጻሙ ድማ ጸብጺቡ። ብሰንኪ እዚ ምጥሓስ ሕጊ ሰብ መኻይን ኣስታት 185 ሚልዮን ክሮና ከምዝተቐጽዑ ዘመልከተ እዚ ሕጊ፣ ሰብ መካይን ብዛዕባዚ ክኸሓሱስ ይትረፍ፡ክሕበሩ እውን ከም ዘይተገብረ ኣመልኪቱ። እዚ ምምሕዳራዊ ሕጊታት ዘፍርስ ምዃኑ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ ሃልሲንግቦሪ ካብ …

Read More »

ፍሩድ ሰራቂ ንጠበቓ ክቐትል ዝፈተነ ን 12 ዓመት ይፍረድ።

ቢሊ ሬሎፍ ኣስፒላጋ ዝተባህለ ዕሉል ሰራቒ ንላዕለዋይ ጠበቓ ሄንሪክ ኦልሶን ተኲሱ ክቀትሎ ብፍታኑ ዝተፈላለያ ማዕከና ዜና ሓቢረን። ድሕሪ እታ ቀዳመይቲ ጥይት ኣብ ከብዱ ዝቆሰለ ኦስሎን ሊሊያ፡በቲ ወዲ 54 ዝዕድሚኡ ገበነኛ ደጊሙ ስለዝተተኮሰሉ ፈተነ ቕትለት ምክ ምግባሩ ተፈሊጡ። ቢሊ ሪሎፍ ኣስፒ ኣቀዲሙ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ብስርቂ ከምኡ ድማ ኣብ 2004 ካብ ኩምላ ኣንስታልተን ዝተሰመየ ቤት ማሕቡስ ከምዝሃደመን ብፈተነ ቅትለት ኣብ ዝተከሰሰሉ …

Read More »

ስቶክሆሎም፡ ክልተ ሰባት ኣብ ምልውዋጥ ቶኽሲ ተቐቲሎም።

ኣብ ምዕራብ ስቶክሆሎም ከባቢ ቬሊንግቢ ሎሚ ሰሉስ ከባቢ ሰዓት 2 ናይ ምሸት ኣብ ዘጋጠመ ምልውዋጥ ናይ ቶኽሲ፡ ክልተ ሰባት ሂወቶም ከም ዝሳኣኑ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢራ። ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ ኣመልኪታ መርበብ ሓበሬታ ሽወደን TT ኣብ ዘመሓላለፈቶ ዜና፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ክልተ ሰባት ህወቶም ከምዝሰኣኑ ሓቢራ። ፖሊስ’ቲ ከባቢ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ንምልውዋጥ ቶኽሲ ኣመልኪቶም ከም ዝደወሉን እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ቤት …

Read More »

ኣብ ከተማ ኖርሾፒንግ ሓደ 40 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ተቐቲሉ።

ኣብ ከተማ ኖርሾፒንግ ኣብ ኢንገልስታ ዝርከብ ኣፍደገ ሓደ ቤት መግቢ ኣብ ከባቢ ሰዓት 23,00 ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንሕስያ ብዘይብሉ መገዲ ሓደ ወዲ 40 ዓመት ሰብ ብዝተተኮሰሉ ተያይቲ ሂወቱ ከምዝሓለፈ ፖሊስ ሓቢሮም።ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቦታ ከምዝተሓጽረን መዋቲ ብፖሊስ ዝተፈለጠን ኣብ መዝገብ ገበን ዝጸንሐ ከምዝኾነን፣ እቲ ቦታ ስጋብ ሎሚ ንግሆ ንተክኒካዊ ምርመራ ተሓጺሩ ከምዝጸንሐ ተሓቢሩ። ይኹን …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ግብሪ ሃገር Skatteverket ኩሉ ሰብ ካብ ሰርሰርትን መደናገርትን ክጥንቀቑ ይሕብር።

ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ግብሪ ሃገር፣ ማለት Skatteverket ብምኽንያት ግብሪ ንዝምለሰሎም ሰባት ምኽፋል ምጅማሩ ተኣሳሲሩ ካብ ሰርሰርትን መደናገርትን ብመገዲ sms ከምኡ እዉን email ናብ ዉልቀሰባት ዝላኣኽ ኤክትሮኒካዊ፣ ሰባት መልሲ ካብ ምሃብ ክቑጠቡን እንተተኻኢሉ ነቲ ዝመጽእ መልእኽትታት ምድምሳሱን ምጉሓፉን ተመራጺ ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ። ኩሎም ብመገዲ ዲጂታላዊ መገዲ ዓመታዊ መደቓቀሲ ግብሪ ማለት deklaration ዝላኣኹ ሰባት ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ስጋብ ጽባሕ ሓሙስ ገንዘብ ንዝምለሰሎም …

Read More »

ክልተ ሰባት ብዘይሕጋዊ ሚልዮናት ዝውውር ገንዘብ ይኽሰሱ።

ኣብ ወርሓ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ብዛዕባ ኣብ ራግስቨድ ዝተራእየት መኪና ሓበሬታ ምርካቦምን ብምክትታል ኣብታ መኪና 2.4 ሚልዮን ጥረ ገንዘብ ምርካቦምን ገሊጾም ኣለዉ። ገሊኡ ካብዚ ጥረ ገንዘብ ኣብ ከባቢ ሓባሪ ፍጥነት እታ መኪና ከም እተረኽበን ገሊኡ ድማ ኣብ ሻንጣ ከም ዝጸንሐን ፖሊስ እታ ጣብያ ጀና ጀርንማርክ ገሊጹ። እቲ ኣብቲ ገንዘብ እተረኽበ ኣሰር ኣጻብዕቲ ኣብ ደቡብ ሽውደን ናብ ዝርከብ ፖሊስ ከም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com