Wednesday , May 15 2024

ገበን

ካብ ተሃድሶ በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ዝተጨውየ ሰብ ምህላዉ ጥርጣረ ከም ዘሕደረ ይንገር ኣሎ።

ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ሽወደን ሓደ ሰብ ካብ ተሃድሶ ጃፍል ብጎማ ተዓፊኑ ከም እተወስደ ገሊጹ’ሎ። እዚ ብሰንበት ከም ዝጠፍአ ዝግለጽ ዘሎ ሰብ ካብ ሽወደን ክስጐግ ጒዳዩ ኣብ ምስላጥ እዩ ኔሩ። ኣፈኛ እዚ በዓልምውዚ ቤር ኣየክ ንጋዜጣ ኤክስፕረስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ክልተ በጻሕቲ ደቀንስትዮ ድሕሪ ምምጽአን እቲ ምጭዋይ ከም ዘጋጠመ ገሊጹ’ሎ። ብመሰረት ፖሊስ እዘን ክልተ ብጻሕቲ ደቀንስትዮ ጎማ ሒዘን ምንባረንን እታ ቀዳመይቲ ነቲ …

Read More »

ዋሕዚ ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ምውሳኽ ውዱብ ገበን ግደ የብሉን ተባሂሉ።

ፍርቂ ካብቶም ውዱባት ገበን ዝመርሑ ዘለዉን ኣብ ቀረባ እዋን ብክትትል ፖኪስ ካብ እተታሕዙን ውልቀሰባት ሽወደናውያን ምዃኖም ጋዜጣዊ መርመራ ኣረጋጊጹ። እዚ ብጋዜጠኛ ኤልስፕረሰን ፍሬድሪች ጆሾልት እተኻየደ ክትትል 15 ካብቶም 32 መራሕቲ ውዱባት ገበን ኣብ ሽወደን እተወልዱ ምዃኖም ኣረጋጊጹ’ሎ። ንሳ ኣብ መግለጺኣ እቶም ዝተረፉ ቅድሚ 20 ዓመታት ናብታ ሃገር ዝኣተዉ፥ ገሊኦም ከኣ ካብ ዓመተ 2000–2009 ምስ ስድራኦም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ እዮም ክትብል …

Read More »

ብርክት ዝበላ ሆስፒታላት ሽወደን ብቕዓት ዘይብሎም ሓካይም ክሰርሑ ከም ዝገድፋኦም ተገሊጹ።

ኣብ 55 ሆስፒታላት እተኻየደ ዳህሳስን ሰነዳዊ ፊልም ካሊበርን ከም ዘመልክትዎ ብቕዓት ዘይብሎም ሓካይም ገና ሕሙማት ኣብ ምእላይ ይነጥፉ ኣለዉ። ኣባላት ኣብ ምቚጻር ዘሎ ሽግራት ክትትል ዘይግበረሎም ሓካይም ንኽህልዉ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣሩ ድማ ተመልኪቱ። እቲ ካሊብር ዘዳለዎ ሰነዳዊ ፊልም ብዛዕባ ሓደ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘጋጠመ ጒዳይ ሕማማ ብጌጋ ተጊርዋ ሰለስተ ሳዕ ምምልላሳን ኣብ መበል ራብዓይ ሉኬምያ ምዃኑ ምርግጋጻን ትሕብር። እቲ ሆስፒታል …

Read More »

ኣብ ራስያ እተዋፈሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንድ ተታሒዞም ተባሂሉ።

ፖሊስ ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ኣብ ዝዘርግሕዎ ዜና ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ናይ ዝተሰናበትናያ ዓመት ኣብ ኣህጒራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንድ ገበን ዝፈጸሙ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ገሊጹ’ሎ። እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይ ምእታው መስርሕ ከም ዝጀመረን ብውዱብ ምትሕብባር ኣካላት እቲ ስራሕ ክሳለጥ ምኽኣሉን ፖሊስ ኣመልኪቶም። “ዝሰፍሐ መርመራ ጀሚርና ብምህላውና ቀጻሊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣትዉ ሰባት ክህልዉ እዮም” ክትብል ሓላፊት …

Read More »

ሓደ ህጻን ብሸለልትነት ኣስናኑ ብምስኣኑ ወላዲቱ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪባ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቲምሮ ዞባ ዌስተርኖርላንድ እትቕመጥ ሰበይቲ ብምኽንያት ጒድለት ጽሬት ህጻን ወዳ 16 ካብ ኣስናኑ ብምስኣኑ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ። እታ ኣደ ንወዳ ግቡእ ክንክን ንጽህና ትገብረሉ ምህላዋ ብምንጋር ንኣገልግሎት ጥዕና ኣርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ክተታልል ምጽንሓ ንኣኽባር ሕጊ ኢዳ ኣንቺድ ብምጥቃስ ጋዜጣ ሱንዱስቫል ቲድኒንግ ሓቢራ’ላ። እቲ ህጻን ድማ መጥባሕቲ ኣስናን ክግበረሉ ዘገድድ ኲነታት ጥዕና ከም ዘጋጠሞ እታ ጋዜጣ ወሲኻ …

Read More »

በዓልመዚ ቀረጽ ኣብ ልዕሊ ኲባንያታት ጽሬት ዝነበሮ ቊጽጽር ከም ዘሐየሎ ይግለጽ ኣሎ።

በዓልመዚ ቀረጽ ኣብ ኲባንያታት ጽሬት ዘይሕጋውያን ቊጹራት ምህላዎም ዝሕብር ጸብጻብ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ልዕሊዘን ኲባንያታት ዝነበሮ ቊጽጽር ከም ዘሐየሎ ይግለጽ ኣሎ። ንዘይካዚ እቲ በዓልመዚ ዝተማልአ ቊጽጽር ንምስላጥ ምስ ካልኦት ክፍሊታት ብጥምረትን ብምትሕግጋዝን ክሰርሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብቲ ጽሬት ዝካየደሉ ከባቢ ምስ ፖሊስን ሰብመዚ ኣከባቢን ብምትሕብባር እዚ ሓድሽ ስጒምቲ ናይ ምትግባር ስራሕ ከም ዝጅመር ድማ እቲ በዓልመዚ ሓቢሩ’ሎ።፡ “ድሕሪዚ ኲባንያ ዘለዉ ሰራሕተኛታትን …

Read More »

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ጎነጽ ከም ማንም ካልእ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ዝኽሰት ገበን ክረአ ኣለዎ ይብል።

ሕብረት መሰል ደቀንስትዮ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ጎነጽ ኣመልኪቱ ንመንግስቲን ሓጋጊ ኣካልን ወቒሱ። “ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ግፍዒ ናይ ምቕባል ረጒድ ቆርበት ኣማዕቢልና ኣሎና” ክትብል ሰክሬታሪ ጀነራል እፊ ውድብ ኦልጋ ፒርሰን ብሰንበት ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ገሊጻ። ንሳ መንግስቲ ኣካላት ሕጊን ነዚ ኣብ ምክልኻል እዂል ተግባራት ኣብ ምፍጻም ሰኒፈን ኣለዋ ክትብል ወቐሳኣ ኣቕሪባ’ላ። ኣብ ተመሳሳሊ ፕሮግራም ሚኒስተር ውሽጣዊ …

Read More »

ናይ መንገዲ ኣየር SAS መወዓውዒ ምልክታ ንህዝቢ ስካንዲናቭያ ብምንቊሻሹ ሓያል ቑጥዔ ይፈጥር።

ሓደ ናይ ንግድ መወዓውዒ መንገዲ ኣየር ንህዝቢ ስካንዲናቭያ የንቋሽሽ እዩ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ማዕበል ነቐፌታ ይውርዶ ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ።፡ ኣብቲ ብዩትዩብ ዝተፈነወ መወዓውዒ “ስካንዲናቭይ እንታይ እያ? ዝብል ሕቶ ይቐርብ እሞ–“ምንም” ዝብል መልሲ ኸኣ ይወሃቦ። “ዴሞክራሲ፥ ዕረፍቲ ሕራሳትን ምቊር ሕብስትን ኲሎም ንጃህረሎም ነገራት ካብ ደገ ዝተለቃሕናዮም የብልናን። ባዶ ኢና!” እናበለ ከኣ ይቕጽል። እዚ መወዓውዒ ካብ ዝተፈነወሉ ንደሓር ድማ እዚ ንባህሊ ስካንዲናቭያ …

Read More »

ኣንጻር ግብረሽበራውያን ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘለዎም ሰባት ጽኑዕ ሕጊ ንኽቐውም ይጥለብ።

ኣንጻር ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ግብረሽበራውያን ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘለዎም ሰባት ጽኑዕ ሕጊ ንኽቐውም ሓላፊ ኤሚግሬሽን፡ ሚካኤል ሪበንቪክ፡ ጸዊዑ። ናይዚ ዘለናዮ ግዜ መምርሒታት ብጣዕሚ ዘጽርፉ እዮም። ነዞም ከምዚ ዓይነት ሰባት ናይ ሓደ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦም። ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ከም ነፍሲ ወከፍ ሰብ መዕረ መሰል ይሕለወሎም ክብል ቅሬታኡ ገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 122 ግብረሽበራውያን ናይ …

Read More »

ሚኒስተር ፍትሒ፡ ደቅና ውልቃዊ ንብረት ኣይኮኑን ብምባል ን ኣሰገዳድ መርዓ ይቓወም።

ንገበናት ክብረትን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ዝምልከት ውጥን ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ከምዝተበገሰ ሚኒስተር ፍትሒ፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ኣቃሊሑ። ነዚ እማመ ምርኩስ ብምግባር፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም መርዓ ትሕተ ዕድመ ዝፍጽሙ ሰባት ከቢድ ስጉምቲ ንኽወስድ ቅርብነቱ ገሊጹ። ብተወሳኺ ድማ እቲ እማመ ነቶም ሓደጋ ናይ ትሕተ ዕድመ መርዓ ከጋጥሞም ዝኽእል ህጽናት ኮነ ናይ ምኽንሻብ ሓደጋ ዘንጸላልዎም ህጻናት ናብ ወጻኢ ንኸይገሹ ዝእግድ እዩ። ነቶም ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com