Wednesday , May 15 2024

ገበን

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 5600 ሰባት ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ተኽልኪሎም።

ኣብ ዓመተ 2019፡ ፖሊስ ሓለዋ ዶባት ሽወደን 5600 ሰባት ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ከልኪሉ። ኣብ ዓመተ 2018፡ ቁጽሪ ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ዝተኸልከሉ ሰባት 6957 ነይሩ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብዘን ክልተ ዓመታት ዝተኸልከሉ ሰባት ብምንጽጻር ክረአ እንከሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወሓደ ነይሩ። ገምጋም ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ዝተኸልከሉ ሰባት መዓልታዊ 15 ሰባት ከምዝነበረ ጋዜጣ Sydsvenskan ሓቢሩ። ኣብ ውሌርናኪን (ማልሞ) ን …

Read More »

ንገበን ጾታዊ ምግሳስ ብዝምልከት ዝተረረ መቕጻዕቲ ክውሰን ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ንገበናት ጾታዊ በደላትን ምግሳስን ብዝምልከት ዝተረረ መቕጻዕቲ ንኽውሰን ይጽውዕ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ተባዕታዊ በደላትን ዓመጽን ዓቢ ጸገም ሕብረተሰብ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ሚኒስተር ሞርጋን ዮውሃንሰን ገሊጹ። ነቲ ዝስራሓሉ ዘሎ ሕጊ ንምቕያሩ ዘኽእሉ መንገድታትን ንኸጽንዑ፡ መንግስቲ ሽወደን ንኽኢላታት መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ውን ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ መጽናዕቲ፡ ንገበናት ምግሳስ ዝምልከት መቕጻዕቲ ካብ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ዝዛየደ ክኸውን ከምዘለዎን ንጾታዊ በደላትን …

Read More »

ክፍሊ መጓዓዓዝያ፡ ኣብ ፈተና መምርሒ ፍቓድ መኪና ዘታልሉ ሰባት ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ክውሰነሎም’ዩ።

ኣብ ክለሰ ሓሳባዊ ፈተና መምርሒ ፍቓድ መኪና ከም ዘታለሉ ዝተረጋገጸሎም ሰባት ናይ ማእሰርቲ ወይ ድማ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብያነሎም ምዃኑ ትካል መጓዓዝያ ሽወደን ገሊጹ። ነቶም መምርሒ ፍቓድ ደረጃ B ዝውንኑ ሰባት ዝምልከት ድማ ሓደስቲ ኣገባባት መርመራ ክተኣታቶ ምዃኑን ተግባራውነቱ ድማ ካብ ዕለት 1 መጋቢት ዝጅምር ኮይኑ እቲ ሰብ ድማ ቅድሚ ተግባራዊ መርመራ መምርሒ ፍቓድ ምውሳዱ እቲ ክለሰ ሓሳባዊ መርመራ ክሓልፍ ከምዘለዎ …

Read More »

ኣብ ኢንተርኔት ዝርከብ ውልቃዊ ሓበሬታ ዜጋታት ሽወደን ብቀሊል ክብጻሕ ብምኽኣሉ ጥርዓናት ይዛይዱ።

ካብ ቤት ጽሕፈት መርመራ ሓበሬታታት ሽወደን (Datainspektionen) ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ዝበዝሑ ጥርዓናትን ምዕዝምዛማትን ተገልገልቲ፡ ብዛዕባ ኣብ ናይ ሓበሬታ ኣገልግሎት፡ ከም Merinfo ን Ratsit ዝኣመሰላ መርበባት ዝዝርጋሕ ዘሎ ዘይናዓቕ ብዝሒ ዘለዎ ውልቃዊ ሓበሬታ ምዃኑ እዩ። እዘን መርበባት’ዚኣተን ነቲ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ካብ ዝተፈላላዩ መንግስታውያን ትካላት ዝኣከበኦ ምዃነን ይፍለጥ። ሕጊ ሓለዋ ውልቃዊ ሓበሬታታት (GDPR) ካብ ዝጅምር፡ ሓደ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ጥርዓናት …

Read More »

ፖሊስ ኣብ ማልሞ ዝገብርዎ ስርሒት ብርክት ዝብለ ኣጽዋርን ተፈንጀርትን ይርኸቡ።

ኣብ ማልም ምእሳር፥ ምህጋር ኣጽዋርን ምስባር ክልተ ተፈንጀርቲ ዝሰርሑ መርበባትን ምስላጡ ተገሊጹ። ኣብ ከባቢ ማልም ሰፊሕ ስርሒታት ጸጥታ ድሕሪ ምክያዶም ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ክልተ ተፈንጀርቲ ዝሰርሑ መርበባትን ክስበሩ ምኽኣሎም ብዙሓት ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ተገሊጹ። ብመሰረት ፖሊስ 39 ኣጽዋራትን ሓደ ኪሎግራም ዝምዘን ተፈንጃሪን ሃጊሮም ኣለዉ። 700 ንብረትን 2 ሽሕ መካይንን ምፍታሾም ከኣ ተገሊጹ። ኣብቲ መስርሕ ፖሊስ 12 ኣብዚ ዘይሕጋዊ …

Read More »

ክፍሊ ጸጥታ ሽወደን (SÄPO)፡ ንናዚ ሽወደንን ናይ ሩስያ ግብረ ሽበራውያን ውድባት ቀንዲ ኣራኻቢ ዝኾነ ዜጋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ።

ክፍሊ ጸጥታ ሽወደን፡ SÄPO፡ ንዝተፈላለዩ ናይ ሽወደን ናዚ ምስ ሓውሲ ወተሃደራውያን ግብረ ሽበራውያን ውድባት ሩስያ ከም ቀንዲ መራኸቢ ተባሂሉ ኣቐዲሙ ንዘለለዮ፡ ሽወደናዊ ኣናቶሊ ኦዶዶቭ፡ ኣብ ኣርላንዳ ኤርፖርት ከም ዝሓዞ ካብ ጋዜጣ Expressen ዝመጸ ሓበሬታ ገሊጹ። 68 ዓመት ዝዕድሚኡ ኦዶዶቭ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝእተወ እታ ጋዜጣ ክትሕብር እንከላ፡ ቤት ጽሕፈት ስለያ ብወገኑ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ዝብል ከረጋግጽ …

Read More »

ኣብ 2019 ልዕሊ 36 ሽሕ መራሕቲ መካይን መምርሒ ፍቓዶም ከም ዝተሓድጉ ተፈሊጡ።

ኣብ 2019 ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን 36, 692 ፍቓድ መዘወሪ መኪና ክሕደግህ ምግባሩ፥ እዚ ድማ ምስ ናይ ዓመተ 2018 እንክነጻጸር ናይ 6 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዝተራእዮ ተገሊጹ። ኣብ ግዜ ስኽራን መኪና ምዝዋር ፍቓድ ምዝዋር ንምምንዛዕ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምንባሩ ድማ ተገሊጹ። ምግሃስ ንቡር ሕጊ ፍጥነት ወይ ቀይሕ መብራህቲ ትራፊክ ካልእ ኣስታት 19,903 ፍቃድ መዘወሪ መካይን ክሕደጉ ዝገብር ግህሰት ሕጊ ምንባሩ ድማ …

Read More »

ካብቶም ዘጋጠሙ ዘለዉ ብዝሒ ነትጉታ ሽወዓተ ጥራይ እዩም ገበነኛታት ብምርኻቦም ኣተሓሳሰቢ ምዃኑ ይገለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 250 ነትጒ ኣጋጢሙ ነይሩ፡ እቶም ገበነኛታት ግን 7 ጥራይ ነይሮም ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2019 ኣብ ሽወደን ዝተኻየደ ህዝቢ ናይ ምጥፋእ ስርሒታት (ነትጒ) ከም ዝወሰኸ ይዝከር። ይኹን እምበር ብኸምዚ ዓይነት ንጥፈታት ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ 7 ሰባት ጥራይ ከምዝነበሩ ሬድዮ Ekot ሓቢሩ። ብመሰርት ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ገበናት ዘቅረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመተ 2019 ቁጽሪ ናይ ምፍንጃር ፍጻሜታት 257 ከምዝነበረን …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብሰፊሕ ይጥቀመለን።

ፖሊስ ኡብሳላ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ኡብሳላ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፈተነታት ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ልዕሊ ከባቢታት Gränby፡ Sävja፡ Gottsunda ን Stenhagen ንኽጥቀመለን ፍቓድ ከም ዝረኸበ ሓቢሩ። እዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ነቲ ብፖሊስ ዝካየድ ስራሓት መምላእትኡ ምዃነንን ኣብ ግዜ ባርዕን ዘይሕጋዊ ሃድንን ዝካየደሉ እዋናት ድማ ኣብ ላዕሊ ኮይነን ፍጻሜታት ንምስናድ ዝሕግዛ እየን። ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝካየዱ ገበናዊ ንጥፈታት ንምክትታል …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲን ምኽንሻብ ጓለንስተይቲን ጽኑዕ ሕግታት ይድንግግ።

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲን ምኽንሻብ ጓለንስተይቲን ዝጸንሐ ውሱንነት ሕጊ ብምልዓል ማዕረ ቅትለት ከም ገበን ዝረኣይሉ ሓድሽ ሕጊ ከተኣታቱ እዩ። እንተኾነ ግና ካብ ቆንስል ሓጋጊ ኣካል ሽወደን ድሕሪ ዝተረኽበ ምኽሪ ከምኒ ገፋዒ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘኣመሰሉ ገበናት ካብዚ ክወጹ ከም እተገብሩ ድማ ተገሊጹ። ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ሞርጋን ጆሃንሰን ብዘይካዚ ኣብ ልዕሊ ብጹሓት ዕድመ ንዝወርድ መጥቃዕቲ ዘሎ ናይ ሕጊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com