Thursday , May 2 2024

ገበን

ኣብ ልዕሊ መማሃራን ዝወርድ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ርኡይ ወሰኽ ጌሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ኣከባቢ ኣብ ልዕሊ መማሃራን ዝወርድ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ርኡይ ወሰኽ ጌሩ’ሎ። ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት እዚ ተርእዮ ብዕጽፊ ዓብዩ’ሎ ይብል እቲ ጸብጻብ። ኣብ ስቶክሆልም ኣብ እትርከብ ቤትትምህርቲ Hjulsta grundskola ጥራይ ልዕሊ 50 መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ መማህራን ምውራዱ’ውን ተጠቒሱ’ሎ። ሬድዮ ሽወደን ብሰንኪ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝለቐቐ መምህር ዝገበረቶ ዕላል ዝሓዘ ጸብጻብ ፈንያ ኔራ። …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን መጠንቀቅታ ይህቡ።።

ሰባት ብ SMS ካብ ዝመጾም መልእኽቲ ክጥንቀቑ ፖሊስ ሽወደን ኣተሓሳሲቦም። በዚ መገዲዚ ኣቢሎም ጒሒላታት ናይ ሰባት ብሕታዊ ሓበሬታ ንምርካብ ምትላል ይፍጽሙ ምህላዎም ከኣ ገሊጾም። ሒድት መዓልታት ቅድሚ ምስዳድ ሓበሬታ ኣታዊ በዓልመዚ ቀረጽ ንዂሎም ብዕድመ እኹላት ሽወደናውያን ዝርዝራት ዓመታዊ ኣታዊ: ዝኽፈል መጠንን ካልእን ዝምልከት ናይ ፖስታ ወይ ኢሜይል መልእኽቲ ክሰድድ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም ኣለዉ። ስለዚ ድማ ካልእ ዝመጾም መልእኽቲ ክስርዝዎ ተላብዮም። …

Read More »

ቻይና ክልተ ካናዳውያን ብወንጀል ስለያ ትኣስር።

ዲፕሎማት ነበር ማይክል ኮርቪግ ከምኡውን ነጋዳይ ማይክል ስፓቮር ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ቻይና ኣትዮም። ኣቐዲማ ቻይናዊት ሜንግ ዋንዡ ብጠርጠራ ምጥፍፋእን ምጥሓስ ሕጊ ኢራን ተኸሲሳ ኣብ ካናዳ ከም እተቐየደት ይፍለጥ። ወይዘሮ ሜንግ ካናዳ ብዘይዝኾነ ገበን እያ ቐዪዳትኒ ብምባል እያ ትኸስስ። ቻይና ብወገና ንተግባር ካናዳ ኮኒናቶ’ላ። ምእሳር እዞም ካናዳውያን መርኣያ ምንቊልቋል ዲፕሎማስያዊ ርክብ እዘን ሃገራትን ተግባር ሕነ ምፍዳይ ከይኮነ …

Read More »

ሚልዮናት ክሮነራት ሒዙ ካብ ሃገር ሽወደን ክወጽእ ዝፈተነ ሰብ ተኣሲሩ።

ፖሊስ ሽወደን ሓደ ሰብኣይ ሚልዮናት ክሮነራት ሒዙ ካብ ሃገር ሽወደን ክወጽእ እናበለ ብሰኑይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። እዚ ሰብኣይ ብዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ተጠርጢሩ እዩ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣትዩ ዘሎ። ኣኽባር ሕጊ ነዚ ማእሰርቲ ከናውሖ ወይስ ክለቆ ኣብ ዝብል ሓሙስ መዓልቲ ክውስን እዩ። ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ጀነራል ኣሽራፍ ኣብ ቀረባ እዋናት ከምዚ ዝመስሉ ተመሳሳሊ ገበናት ተራእዮም …

Read More »

ሽወደን: ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ስለያዊ ንጥፈት ዘካየደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ሰብመዚ ጸጥታ ሽወደን ብረቡዕ ካብ ሓንቲ ስማ ዘይተነግረ ሃገር እተላእከ ሰላይ ኣብ ስደተኛታት ናይ ስለያ ንጥፈት እናካየደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ጽባሕ ምትሓዝ ጥርጡር ሰላይ ሩስያ ኣብ ሽወደን እዩ። እዚ ሩስያዊ ሰብ ናይ ዲፕሎማሲ ወረቐት መንነት ሒዙ እዩ ኣብ ስለያዊ ንጥፈት ተዋፊሩ ኔሩ ክብል ወኪል ስለያ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ብመሰረት ነቲ ዜና ዝዘርግሐ ጋዜጣ DN እዚ ሓድሽ …

Read More »

ሰላይ ሩስያ ዝተባህለ ሰብ ተኣሲሩ።

ወኪል ስለያ ሽወደን ንስለያ ብሩስያ ተላኢኩ ኢሉ ንዝጠርጠሮ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእቱ። ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ንስለያ ቴክኖሎጂ ኢንዱስትሪ ብሩስያ ተላኢኩ ኢሉ ንዝጠርጠሮ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ። ኣብ ንጥፈት ጸረ ስለያ ዝዋፈር እዚ ወኪል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ እዚ ስርሒት መዛዘሚ ናያ ሓያሎ ዓመታት ስራሕ እዩ ኢሉ። ዛጊት ዕድመ ጾታን ካልኦት ውልቃዊ ዝርዝራትን እዚ ክሱስ ንህዝቢ ኣይተቓልዑን ኣለዉ። እዚ …

Read More »

ዓመታዊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፓስፖርቲታት ከም ዝስረዙ ተፈሊጡ።

ዓመታዊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፓስፖርቲታት ብዝተፈለለየ ምኽንያታት ከም ዝስረዙ ተፈሊጡ። ገለ ካብዞም ምኽንያታት ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዕድጊ ምክያድ ከምኡወን ፓስፖርትኻ ንመቕርብካ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንክፍጽሙሉ ምሃብ እዮም። ዝሓለፈ ዓመት 2018 ፖሊስ ልዕሊ 65 ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ፓስፖርቲታት ከም ዝሰረዙን እዚ ምስ ናይ 2017 ብምንጽጻር ብ 700 ዓብዩ ከም ዝርከብን እዩ ተገሊጹ ዘሎ። በዓልቲ መዚ ሃገራዊ ስርሒት ፖሊስ ኤሚሊ ሊንድቮል ንሬድዮ ሽወደን ኣብ …

Read More »

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን ኣብ ኣጽዋር ሶርያ ፍርዲ ክግበር ይጽውዕ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን Mikhail Damberg ሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎም ወተሃደራት ዳዕሽ ኣብ ዝተማረዂሉ ቦታ ክፍረዱን ናብ ሽወደን ከይምለሱን ጸዊዑ። እዚ ዝበሃል ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብሰንበት ድሕሪ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ እዩ። ንሱ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ንእተማረኹ ወተሃደራት ዳዕሽ እንድሕር ክፈርዳ ድሉዋት ዘይኮና ናጻ ክለቆም ምዃኑ ምጥንቃቑ ይዝከር። እዚ ሚኒስተር እዞም ምሩኻት ናብ ሽወደን ክምለሱ ድሌት ከም ዘይብሉ ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

ኣብ ኣፕሳላ ሓደ ሰብ ብጥይት ተቐቲሉ።

ኣብ ክሊ ዕድመ ስሳታት ዝርከብ ሰብኣይ ብቐዳም ብጥይት ከም እተቐትለ ይንገር ኣሎ። ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ናይ Slavsta ሓደጋ ቀዳም ለይቲ ኣብ ከባቢ ሰዓት 23 እዮም ተነጊሮም.። ኣብቲ ቦታ ምስበጽሑ ሓደ ኣብ ስሳታት ዝርከብ ሰብኣይ ብጥይት ተወቒዑ ረኺቦም። ብኣምቡላንሳ ናብ ኣካዳሚክ ሇስፒታል እኳ እንተተወስደ ህይወቱ ክድሕን ኣይከኣለን። ፖሊስ ኣብቲ ቅትለት ኣፈናዊ መርመራ ጌሮም ኣለዉ። ዛጊት ዝተታሕዘ ይኹን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ …

Read More »

ብግበረሽበራ እተኸሰሱ ሰለስተ ሰባት ናጻ ከም እተለቁ ተገሊጹ።

እቶም ኣብ ሽወደን ግበረሽበራ ክትፍጽሙ ውዲት ኣሊምኩም ብዝብል ብኣኽባር ሕጊ እተኸሰሱ ሰለስተ ሰባት እኹል መርትዖ ኣይተረኽቦምን ብዝብል ናጻ ከም እተለቁ ተገሊጹ። ኣኽባር ሕጊ ምስ ዳዕሽ ርክብ ከም ዘለዎም ዘመልክት ናይ ሞባይል መልእኽቲን ኣብ ኣባይቶም እተረኽበ ዝተፈላለየ ኬሚካላትን ከም መርትዖ ብምቅራብ ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣሊሞም ብዝብል እዩ ከሲስዎም ጸኒሑ። እንተኾነ ግና ነፍሲወከፍ እዚ መርትዖ ብጠበቓታት ከም ዘይእኹል ኮይኑ ብምፍሻሉ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com