Thursday , May 2 2024

ገበን

ኣብ ደቡብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ውሽጢ ቤት ብዘጋጠመ ምፍንጃር ሓደ ሰብ ሞይቱ።

ሰንበት መዓልቲ ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ከባቢ vårberg, ሓደ ሰብ ብባርዕ ምሟቱ ከም እተፈልጠ ተገሊጹ። ፖሊስ ብዛዕባዚ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ከባቢ ሰዓት 15:00 እዮም ተሓቢሮም። ዋላኳ ንህዝቢ ስግኣት ዝኽውን ከም ዘይኮነ እንተተነግረ እዚ ባርዕ ብምንታይ ምኽንያት ከም እተኸስተ ክሳብ ዝፍለጥ ህዝቢ ካብቲ ከባቢ ግልል ክብል ግና ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ፖሊስ ጎድኒ ጎድኒ መርመራኦም ምስ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እውን ኣዛሪቦም ኣለዉ። ብመሰረት …

Read More »

በዓል መዚ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ናይ 22 ሰባት ምስክር ወረቐት ሓኺኹ’ሎ።

በዓል መዚ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ኣብ መርመራ ትምህርታዊ ብቕዓት ምትላል ፈጺምኩም ኢኹም ብዝብል ናይ 22 ሰባት ምስክር ወረቐት ሓኺኹ’ሎ። እንተኾነ 12 ካብዚኣቶም ድሮ በቲ ዝተዋህብዎ ውጽኢት ተጠቒሞም ኣብ ዪኒቨርሲቲ ሽወደን ትምህርቶም ይከታተሉ ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ኣርባዕተ ሰባት ብዘቕረብዎ ናይ ሓሶት ውጽኢት ተቐባልነት ምርካቦም እንተኾን ግና ጸኒሑ ትምህርቲ ከቋርጹ ከም እተገብረ ሓላፊት መርመራ ብቅዓት ትምህርቲ ሽወደን Cecilia Marklund ንሬድዮ …

Read More »

ፖሊስ ስሕለት ሒዙ ሰባት ዘፈራርህ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣእትዮም።

ኣብ ስቶክሆልም ፖሊስ ንሓደ ስሕለት ሒዙ ኣብ ኮሌጅ södertorn ሰባት ዘፈራርህ ሰብን ካልእ ጥርጡርን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣእትዮም። በዓልመዚ ፖሊስ Tui Heig ንጋዜጣ Aftonbladet ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓደ ሰብ ከም እተሃስየ ኣመልኪቱ’ሎ። ፖሊስ ጻውዒት ካብ እተቐበልሉ ሰዓት 9፡49 ጀሚሮም ነቲ ቦታ ይፍትሽዎ ምህላዎም ገሊጾም ኣለዉ። ፖሊስ ንሓደ ካብዞም ክሱሳት ተመሃሮ ኸኣ ንኻልእ ቅትለት ክፍጽም ዝፈተነ ጥርጡር ንምሓዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ …

Read More »

በዓል መዚ ጉምሩክ ፍሉይ መስመር ቴለፎን ይኸፍት።

ሰባት ዝኾነ ናይ ኮንትራባንድ ስርሓት እንተ ተዓዚቦም ብ ቊጽሪ ስልኪ ስልኪ 90144 ጥርዓን ከቕርቡ ካስተምስ ሽወደን (ጉምሩክ) ኣተሓሳሲቡ። እዚ መስመር ቴሊፎን 24 ሰዓታት ብተጠንቅቕ ዝከታተል ኮይኑ ስኑይ እዩ ስርሑ ጀሚሩ። ሰባት ስሞም ዓቂቦም ከይተሰከፉ መልእኽቶም ድሕሪ መስመር ብምፍናው ምስ ኣባላት ጸጥታን ስለያን እቲ ክፍሊ ክራኸቡ ክኽእሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ካስተምስ ሽወደን ሓላፊ ሓለዋ ሕጊ Lars Kristoffersson, እቲ ትካል ምስ ህዝቢ …

Read More »

ዩቶበሪ : ሰራሕተኛታት ተመሲሎም ዝሰርቁ ጉሒላታት

ጒሒላታት ኣብ ዩቶበሪ ናይ ተክኒክ ሰራሕተኛታት ብምምሳልን ማዕጾ ኳሕኲሖም ብምእታዉን ይሰርቁ። ሓደ ካብዞም ጒሒላ ኣብ ከባቢ Högsbo  ማዕጾ ምስ ኳሕኲሐ ጓል ትሽዓተ ዓመት ህጻን እያ ከፊታቶ። ማዕጾ ከዐሪ እየ ብዝብል ሰበብ ከኣ ንውሽጢ ገዛ ኣትዩ። ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን እዚ ኣጋጣሚ ብመሰረቱ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ 15 ተመሳሰልቲ ክስተታት ተጸብጺቦም ኣለዉ። እዚ ወንጀል ኣብ መስመር ትራም 3 ካብ …

Read More »

ብስግኣት ነታጒ ነፋሪት ካብ በረራ ትምለስ።

ብመሰረት እተረኽበ ሓበሬታ ሓንቲ ገያሾ ኣርላንዳ ብስግኣት ነታጒ ካብ በረራ ተመሊሳ’ላ። ብመሰረት እተረኽበ ሓበሬታ ኣብ ነፋሪት ገያሾ ናይ ነታጒ ስግኣት ካብ መገሻ ከም እተታረፍ ጌርዋ’ሎ። እዛ ናብ Nice ተምርሕ ዝነበረት ገያሾ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ምርመራ ፖሊስ ትርከብ። እቲ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣብ ኣጋ ሰዓት ዓሰርተሓደን ፈረቓን እዩ ተሰሚዑ። መድሕን ባሕሪ ን ፒፎር ስቶክሆልም ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ተጠውያ ኣብ …

Read More »

ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ኣብ ዓመተ 2018 ኣብ ኣበል መንበሪ ዝተራእየ ምትላል ብዕጽፊ ምዕባዩ ዘመልክቱ ጥርጠራታት ፖሊስ ምጽብጻቦም ተገሊጹ። ዓሚ ብጠቕላላ 2400 መርመራታት ዝተገብሩ ኮይኖም፥ ሰባት ኣበል መንበሪ ንምርካብ ገጒይ ጸብጻባት ምቕራቦም ትካል ኣባይቲን ክራይን ጸብጺቡ’ሎ። እዚ ምስ ናይ ዓሚ እንክነጻጸር ዳርጋ ተመጣጣኒ እዩ እኳ እንተተባህለ ፖሊስ ግና ብቚጽሪ ኣዝዮም ዝበዝሑ ጸብጻባት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ኣብ Försäkringskassan ዝሰርሕ Daniel Lundmark እዚ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን እተሰርቁ ንብረት ይመልስ።

ፖሊስ ሽወደን ኣብዚ ዝሓለፈ ክረምቲ እተሰርቁ ኣዝዩ ክቡር ንጉሳዊ ቀምሽ ቀብሪ ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ Akersberga ኣብ እንዳ ጎሓፍ ተደርብዩ ከም ዝረኸቦ ገሊጹ። እዚ ናይ 17 ክፍለ ዘመን ምዃኑ ዝተነግረሉ ክልተ ዘውዲን ሓደ በትረ ንጉስን ኣብ 2018 እዩ ካብ ካቴድራል Strängnas ተሰሪቑ። ኣብ ሰሉስ እተፈነወ መግለጺ ከም ዘብርሆ እዚኦም ክቡራት ኣቕሑ ሰሪቑ ተባሂሉ ዝጥርጠር 22 ዓመት ዝዕድሚኡ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ …

Read More »

ኢሚግሬሽን ኣዝዮም ዝተራቐቑ ትምዩናት ፓስፖርት ምርካቡን ብምግላጽ እዝዩ ጽዑቕ ምክትታል ክግበር ከም ዝግብኦ ኣጠንቂቑ።

እዚ ምትምያን ድህሪ ምፍላጡ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ንዂሎም ናይ ቱርክ ማሕፉዳ ሓተትቲ ዕቚባን ቦትኦምን ደጊሙ ክግምግሞ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። በዓል-መዚ ቀረጽ ሽወደን ቱርካዊ ሰነዳት ካብ ዝሓዙ ሰባት ከምዚ ዓይነት ዝረቐቐ ናይ ምትላል ሜላ ከም ዝተዓዘበን ኣብዚ ጒዳይ ሰብመዚ ወጻኢ ምትሕብባር ከርእዩን ጸዊዑ’ሎ። ካብ ዝሐለፈ ኣየት ጀሚሩ 400 ዝኾኑ ናይ ቱርክ ፓስፖርት ንተወሳኺ መርመራ ከም እተላእኩን ክሳብ ክንደይ ከም ዝወሰድሉ ዛጊት ከም …

Read More »

ሸወዓተ ሰባት ብቕትለት ይኽሰሱ።

ቤት-ፍርዲ ስቶክሆልም ሎሚ ንሽዱሽተ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ዝቕመጡ ሰባት ዝሓለፈ ሰነ ኣብ Lidingo ንዝነብር ሰብኣይ ብጥይት ቀቲልኩም ብዝብል ከሲስዎም ኣሎ። ብመሰረት ዓቃቢ ሕጊ ዝፈነዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እዞም ሽወዓተ ጥርጡራት ብቕትለትን ምውናን ኣጽዋርን ተጠርጢሮም ኣብ ማሕዩር ምህላዎምን ገሊጹ’ሎ። እዞም ክሱሳት ኣብ ክሊ ዕድመ 17 ክሳብ 22 ዝርከቡ ኮይኖም ኩሎም ኣብ ስቶክሆልም ከም ዝቕመጡን ምስ Ledengo ምንም ርክብ ከም ዘይብሎምን እዩ ዝግለጽ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com