Monday , May 6 2024

ገበን

ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ከም ዘሻቐላ ገሊጻ

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ንጹሃን ሲቪላውያን ብትሪ ድሕሪ ምዂናን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነቲ እናኸፍአ ዝመጸ ኲነታት ኣብ ምፍታሕ ክሕግዝ ጻውዒት ጌራ’ላ። ኣብዚ ሰሙን፡ ኣህጉራዊ ውድብ ተጣባቒ መሰል ደቂ ሰባት፡ ኣብ ትግራይ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዝተፈጸመ ዝገልጽ ጸብጻብ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ትግራይ፡ ኣማኢት ሰባት ከምዝተቐትሉን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ከኣ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም …

Read More »

ኣመሪካ፡ ንቕትለት ካሾግጂ ዝምልከት ጸብጻብ ክተቕርብ ምዃና ሓቢራ

ኣመሪካ፡ ጸብጻብ መርመራ ናይቲ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቐትለ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾግጂ ክተቕርብ ምዃና ሓቢራ። እዚ ሰነድ፡ ንወራስ ዓራት ስዑዲ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ዝውንጅል ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ሰፊኑ ምህላዉ ቢቢሲ ሓቢራ። ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ ነቲ ጸብጻብ ከም ዘንበቦን ንንጉስ ስዑዲ ዓረብ ከዘራርቦ ምዃኑን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ባይደን ነቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ፈጢራቶ ዝጸንሐት ልዕሊ ዓቐን ጥቡቕ …

Read More »

ብግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ 10 ሰባት ይቕተሉ።

ብሰንኪ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቦርኖ ከተማ ማይዱግሪ ዘጋጠመ ምፍንጃር ነታጒ፡ 10 ሰባት ምሟቶም ሰብ-መዚ ዞባ ቦርኖ ገሊጾም። ተቐማጦ እቶም ከባቢታት፡ ቤቶም ገዲፎም ምህዳሞም ዝገለጹ ኣመሓደርቲ’ቲ ዞባ፡ ፈጸምቲ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ከይኮኑ ኣይተርፉን እዮም ኢሎም ኣለዉ። ትማሊ ረቡዕ፡ ብተዛማዲ ህድእ ኢሉ ምውዓሉን እቶም ካብ ኣባይቶም ሃዲሞም ዝነበሩ ተቐማጦ ድማ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ከምተራእዩ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ። ኣመሓዳሪ ዞባ ቦርኖ፡ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ሓድሽ ኣገባብ ኣስራርቓ ከም ዘሎ ፖሊስ ሽወደን የጠንቅቕ

ፖሊስ፡ ሕጂ ውን ካልእ ኣገባብ ስርቂ ካብ ባንኪ ሕሳብካ ከጋጥመካ ከም ዝኽእል የጠንቅቅ:: ዘይትፈልጦ ሰብ ይድውለልካ እሞ ብጌጋ ገንዘብ ስውሽ swish ገረልካ ኣሎኩ ይብለካ። እቲ ዝድውል ሰብ ብዙሕ ይቅሬታ እዩ ዝሓትት: ፒሳ : ካብ blocket(ሓራጅ) ወይ ንብረት ገዚአስ ብጌጋ ናባኻ ገንዘብ ስውሻ ጌረዮ ይብለካ:: ወይ ናብ ዓርከይ ክሰድድ እናበልኩ ብጌጋ ናባካ ሰዲደዮ ኢሉ የመኽኒ:: ካብኡ ንስካ ክትመልሰሉ ኢልካ ገንዘቡ ናብ …

Read More »

ናብ ኤውሮፓ ዝኣተወ፡ ገዚፍ መጠን ዕጸ-ፋርስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ

ካብ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገር፡ ፓራግዋይ፡ ዝተበገሳ ኮንቴነራት ናብ ጀርመናዊት ከተማ ሃምቦርግን ቡልጋርያዊት ከተማ ኣንቲወርፕ ብዕለት 16/02/2021 ኣትየን። ኣብዘን ኮንቴነራት፡ ብድምር 23 ቶን ኮኬን (ዕጸ-ፋርስ)፡ ከምዝተረኽበን ክሳብ ሕጂ ናብ ኤውሮፓ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብምውህሃድ ጀርመንን ቡልጋርያን ኣብ ቁጽጽር ዝኣተወ መጠን ዕጸ ፋርስ፡ እቲ ዝበዝሐ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ሃምቦርግ ዝኣተወ ኮንቴነር፡ 16 ቶን ኮኬን ክተሓዝ እንከሎ፡ ኣብ ኣንትወርፕ ድማ 7.2 ቶን ኮኬን …

Read More »

ዕጡቓት ሁቱ፡ ንኣምባሳደር ኢጣልያ ኣይቀተልናን ይብሉ

ዕጡቓት ዓሌት ሁቱ ዝኾኑ ሩዋንዳውያን ነቲ ኣምባሳደር ኢጣልያ ቀቲልኩም ዝብል ክሲ ብምንጻግ ነዚ ቅትለት ዝፈጸምዎ ሰራዊት ዲ/ሪ/ኮንጎን ሩዋንዳን እዮም ክብል መግለጺ ኣውጺኡ። ሓንቲ ኣሃዱ ካራቢኔሪ ኢጣልያ፡ ነቲ ቅትለት ንምምርማር ትማሊ ሰሉስ ኣትያ ክትከውን ከም እትኽእል ተገሊጹ። ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ዲ/ሪ/ ኮንጎ ምስ ቃፍላይ መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም እናተጓዕዘ ጥቓ ከተማ ጎማ ብዕጡቓት ብዝወረዶ መቚሰልቲ ብሰንበት ምሟቱ ዝዝከር እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ሓደ …

Read More »

ባይደን፡ ንቕትለት ጀማል ካሾግጂ ኣመልኪቱ ንንጉስ ሳልማን ከዘራርቦ እዩ

ኣመሪካ ብዛዕባ ቅትለት ካሾግጂ ዝምልከት ኣዝዩ ኣፈዳሒ ዝተባህለሉ ናይ ስለያ ሰነድ ከም ዘለዋን እዚ ድማ ንሓደ ካብ ደቂ ንጉስ ብገበን ዘሕትት ምዃኑን ኣልጀዚራ ሓቢራ። ፕረሲደንት ጆ ባይደን ሎሚ ረቡዕ ንቕትለት ካሾጊ ኣመልኪቱ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፡ ሳልማን ዓብዱልዓዚዝ፡ ክዘራረብ እዩ ተባሂሉ። ኣመሪካ ድሕሪ’ዚ፡ ምናልባት ነቲ ኣፈዳሒ ዝተባህለ ስለያዊ ሰነድ ቅትለት ጀማል ካሾግጂ ክትዝርግሕ ከም እትኽእል ድማ ተሓቢሩ። Axios Reported ዝተባህለ …

Read More »

ሩዋንዳ: ተቓዋሚ መንግስቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተቐቲሉ

ውሩይ ፖለቲከኛን ተቓዋሚ መንግስቲ ሩዋንዳን ሰይፍ ባምፖሪኪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም እተቐትለ ተገሊጹ። ንሱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብስደት እዩ ዝቕመጥ ኔሩ። ንሱ ቅድሚ ምቕታሉ ኣብ ኬፕ ታውን ካብ መኪናኡ ክወርድ ከም እተገብረ ፖሊስ ገሊጾም። ኣፈናዊ መርመራታት ከም ዘመልክትዎ ምናልባት ብሰረቕቲ ተቐቲሉ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጠርጠራታት ምህላዉ ፖሊስ ሓቢሮም። እንተኾነ ግና ሰልፊ ባምፖሪኪ—ሃገራዊ ባይቶ ሩዋንዳ እቲ ድርኺት መቕተሊ ግልጺ ከም …

Read More »

ቅልውላው ትግራይ: ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኲነታት ይርከብ

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝርከብ ኣህጒራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ኣጠንቂቑ። “ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናት ምህርቲ ክሓፍስ ኣይከኣለን” ክብል ዳይረክተር ስርሒታት ኣህጒራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ዶሚኒክ ስቲልሃርት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ገሊጹ። ንሱ ኣብ ትግራይ “ኣዝዩ ከቢድ ሕጽረት ሕክምናዊ ናውቲ” ምህላዉ እውን ወሲኹ ኣመልኪቱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ጻቐድም ኣቢሉ ነዚ …

Read More »

ሊብያ: ፈተነ ቅንጸላ ይፈሽል

ብሰንበት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሊብያ ብ ቃፍላይ መካይን ተዓጁቡ እንተጓዕዘ ጠያይቲ ከም እትተኰሰሉ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና በቲ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ምንም ጒድኣት የለን ክብሉ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጹ ሓበሬታታት ኣመልኪቶም። ሚኒስተር ፋትሕ ባሻቓ ብሰንበት ን ሃገራዊ ኮርፖሬሽን ነዳዲ እታ ሃገር ምብጻሕ እናገበረ እዩ እዚ ናይ ቅንጸላ ፈተነ ተጌርሉ። ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ እቲ ናይ ቅንጸላ ሓበሬታ ፈሺሉ’ሎ። ባሻቓ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com