Monday , May 6 2024

ገበን

Harmony Media News 08/03/2021

Read More »

ናይጀርያ፡ ኣብታ ደቀንስትዮ እተጨውያላ ከተማ፡ ሰዓት እቶ እቶ ይእወጅ

ኣብ ጃንገበ፡ ናይጀርያ፡ ዞባ ዛምፋራ ተጨውየን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ተፈትሓ፡ ስዒቡ፡ ሰለስተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም እዚ ስጒምቲ ከም ዝተወስደ ተገሊጹ። ብመሰረት ኣፈኛ ዞባ ዛምፋራ፡ ኣብታ ዞባ፡ ዝግበር ናይ ዕዳጋ ንጥፈት፡ ናይ ሰዓት ገደብ ክግበረሉ ተወሲኑ ኣሎ። ዝሓለፈ ረቡዕ ብዕጡቓት ተጨውየን ዝነበራ 279 ደቀንስትዮ ተፈቲሐን እናትመልሳ ተዂስን ሕንፍሽፍሽን ተኸሲቱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነዚ ክስተት ምኽንያት ብምግባር እዩ እዚ እገዳ ሰዓታት …

Read More »

ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ዘተባብዑ ባህልታት ይቋወማ

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ዲጄ ፍሬሽ፡ ከምኡውን ዩፎኒክ ክሲታት ጾታዊ ዓመጽ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ጾታዊ ምድፋር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘስዕቦ ዘሎ ዕንወትን ንእኡ ዘሳሲ ዘሎ ባህልን ብዝምልከት ዘተ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ሓንቲ ተቐማጢት ጆሃንስበርግ፡ ህቡባት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዲጄታት፡ ፍሪውሽን ዩፎኒክ፡ ኣብ ልዕሊኣን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰለስተ ደቀንስትዮን ጾታዊ ዓመጽ ምፍጻሞም ክሲ ኣቕሪባ ከምዝነበረት ይዝከር። እቶም ዲጄታት፡ …

Read More »

ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ንኽትወጽእ ይጽውዕ

ትማሊ ሓሙስ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህጹጽ ክትወጽእ ጻዊዑ። ኤርትራ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ መሬት ትግራይ ኣይኣተዂን ብምባል ነቲ ክሲ ክትነጽጎ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ።፡ ብዘይካዚ ው/ሕ/ሃ ኣብ ትግራይ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ጥሜት ሓደጋ የንጸላሉ ምህላዉን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ክግበር ጻውዒት እኳ እንተገበረ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ብዝነበረ ምክፍፋል ኣብ ሓደ ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዘይተኻእለ ተገሊጹ። ብተወሳኺ፡ …

Read More »

ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት (Social)፡ ካብ ስርሑ ተባሪሩ

ኣብ ሓንቲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ሓደ ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብሰንኪ ኣብ ወርሒ የካቲት ናይ ዓመተ 2021፡ ዝፈጸሞ በደል፡ ካብ ስርሑ ከምዝተባረረ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሓላፊ፡ ኣባል ናይቶም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑ እኳ እንተዘይኮነ፡ ቀዳማይ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝወሰደ ድሕሪ ምፍላጡ፡ እቲ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓላፊ መርመራ ኣካይዱ፡ ካብ ስርሑ ናይ …

Read More »

ብውሑዱ 20 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ምድርባዮም ከምዝሞቱ ተፈሊጡ

ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዓደን፡ ኣስገርቲ፡ ካብቶም ዘስግርዎም ዝነበሩ ሰባት፡ 80 ዝኾኑ፡ ናብ ባሕሪ ድሕሪ ምድርባዮም፡ ብውሑዱ 20 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብ IOM ዝተባህለ ኤጄንሲ ሓቢሩ። እቶም ስደተኛታት ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጅቡቲ፡ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ፡ ተበጊሶም፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ጉዕዞ፡ እታ ጃልባ ሰባት ስለዝበዛሓ፡ እቶም ኣስገርቲ፡ ንገለ ሰባት ናብቲ ባሕሪ ከምዝደርበይዎም ተፈሊጡ። ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ኣብ …

Read More »

ሆላንድ፡ ኣብ ሓደ ማእከል ኮቪድ-19፡ ሓደጋ ኖትጒ ኣጋጢሙ

ኣብ ሰሜን ኣሚስተርዳም እትርከብ ከተማ ቦቨንካርሽፕል (Bovenkarspel) ዝርከብ ሓደ ማእከል ኮቪድ-19፡ ሓደጋ ኖትጒ ኣጋጢሙ ክብል ፖሊስ ሆላንድ ሓቢሩ። በቲ ዝተኸስተ ኣጋጣሚ፡ መሳኹቲ ናይቲ ማእከል ከምዝተሓምሸሸን ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ግን ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን። እቲ ከባቢ ድሕሪ ምሕጻሩ፡ ፖሊስ፡ መርመራ ከካይድ ከምዝጀምረ ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ ፍጻሜ ኮነ ኢልካ ዝተኻየደ ምዃኑ፡ ፖሊስ፡ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ …

Read More »

ኣብ ናይጀርያ፡ ተጨውዮም ዝጸንሑ 42 ሰባት ተለቒቖም

ብዕለት 17/02/2021፡ ካብ ኣብ ሴሜን ናይጀርያ እትርከብ መንግስታዊ ኮሌጅ ሳይንስ ካጋራ፡ 27 ተማሃሮ፡ ሰለስተ ኣባላት ስታፍን 12 ኣባላት ስደራቤቶምን፡ ብድምር 42 ሰባት፡ ብሓደ ዕጡቕ ጒጅለ ተጨውዮም ምንባሮም መደበር ዜና ኣልጀዚራ ሓቢራ ምንባራ ይዝከር። እዞም ሰባት ቅድሚ ምፍትሖም ሓደ መዓልቲ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ዞባ ዛምፋራ ካልእ ጭውያ ከምተኻየደን፡ ኣብቲ ስርሒት፡ 300 ደቂ ኣንስትዮ ብጉጅለ ዕጡቓት ከም እተወስዳ እታ ማዕከን ዜና ወሲኻ …

Read More »

ኣብ ዴኒማርክ፡ ጽዕነት ዕጸ ፋርስ ተታሒዙ

ፖሊስ ዴኒማርክ፡ ካብ ፖሊስ ጀርመን ብዝመጾ ሓበሬታ ተሓጊዙ፡ ካብ ብራዚል ናብ ዴኒማርክ ኣብ ኮንቴነር ተጻዒኑ  ዝበጽሐ 325 ኪሎ ግራም ኮኬን ዝዓይነቱ ዕጸ ፋርስ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተዎ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ፖሊስ ጀርመን፡ ህላውነት ናይቲ ኣብ ኮንቴነር ተጻዒኑ ዝመጸ ኮኬን፡ ኣብ ጀርመናዊት ወደብ ብረመርሃቨን ምስ በጽሐ ከምዝፈለጦን ናብቲ ክራገፈሉ ዝተመደበ ቦታ፡ ዴኒማርክ፡ ንኽሓልፍ ከምዝገበረን ተፈሊጡ።    ፖሊስ ዴኒማርክ፡ ነቲ …

Read More »

ኣብ ሃገረ ኮንጎ፡ 10 ሲቪላውያን ተቐቲሎም

ብስም ሚሊሻ ኪዳን ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ዝፍለጥ ጉጅለ፡ ኣብ ምብራቕ ሃገረ ዲሞክራስያዊት ሪፓፕሊክ ኮንጎ፡ ብዝገበርዎ መጥቃዕቲ፡ 10 ሲቪላውያን ከም እተቐትሉ፡ እቲ ሰራዊት ትማል ሰንበት ገሊጹ። እዞም ሚሊሻታት፡ ኣብ ቦዮ ዝተባህለት ገጠር፡ ሸሞንተ ሰባት ኣብ ሰሜናዊት ኣውራጃ ኢቱሪ ኸኣ ክልተ ሰባት ከም ዝቐተሉን ወተሃደራት ሃገረ ኮንጎ፡ ነዞም ሚሊሻ ኣብ ምህዳን ተጸሚዶም ምህላዎም ድማጺ ኣሜሪካ ሓቢራ’ላ። ብዘይካ እቲ ዝተፈጸመ ቕትለት፡ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ’ውን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com