Sunday , May 19 2024

ገበን

ግሪኽ: ህቡብ ተዋሳኣይን ዳይረክተርን ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ

ህቡብ ግሪኻዊ ተዋሳኣይን ዳይረክተርን ናይ መድረኽ ቲያትር ዲሚትሪስ ሊግናዲስ ብጾታዊ ምድፋር ትሕቲ ዕድመ ኣብ ትሕቲ ቅይዲ ኣትይ። 56 ዝዕድሜኡ ሊግናዲስ ኣብ 2010 ኣብ ልዕሊ ወዲ 14 ዓመት ህጻን ጾታዊ ምድፋር ብምፍጻሙ ከምኡውን ካልእ ዛጊት ዝርዝራቱ ዘይተገልጸ ተመሳሳሊ ክሲን እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። እዚ ህቡብ ዳይረክተር ሃገራዊ ትያትር ግሪኽ ነዚ ክሲታት ናይ ክሕደት ቃል ምሃቡ ጠበቓኡ ገሊጹ’ሎ። ሊግናዲስ ብገዛእ ፍቓዱ …

Read More »

ጓል 28 ደቡብ ኣፍሪቃዊት ነፍሰጾር ዝቐተለ ሰብ ተፈሪዱ

ጓል 28 ዓመት ነፍሰ ጾር ብዘስካሕክሕ ጭካኔ ዝቐተለ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ወንጀለኛ 20 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። እዚ መቕተልቲ ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ቊጠዐ ፈጢሩ ፕረሲደንት እታ ሃገር መደረ ከስምዕ ደሪኹ እዩ። ሬሳ መዋቲት ሸጎፋሶ ፑለ ኣብ ገረብ ተንጠልጢሉ እዩ ተረኺቡ። ብርክት ዝበለ ክፋል ኣካላታ ብስሕለት ከም እተወግአ ድማ ፖሊስ ሓቢሮም ኣለዉ። 31 ዝዕድሜኡ ክሱስ ሚዚካዪሰ ማሌፋን ነቲ ገበን ምፍጻምጅ ቃልይ ን …

Read More »

ኣልጀርያ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ወሲኑ

ኣልጀርያዊ ቤት ፍርዲ፡ ንፈረንሳዊ ሓዃራይ ጨውዩ ንዝሰየፈ ሰብ፡ ብሞት ክቕጻዕ ወሲኑ። 55 ዝዕድሜኡ ሃርቬ ጉርዴል፡ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ፡ ጁርጁራ ምብጻሕ እናፈጸመ እንከሎ እዩ ተጨውዩ። ድሕሪኡ ብባርባራዊ ኣገባብ እናተሓርደ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ። ጁንድ ኣልኸሊፋ ዝተባህለ ምስ ዳዕሽ ዝምድና ዘለዎ ጒጅለ ናይዚ ግብረሽበራ ሓላፍነት ወሲዱ ኔሩ። ሓደ ካብዞም ጥርጡራት ዓብደልማሊክ ሓማዛዊ፡ ብሓሙስ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቡን ካልኦት መሓዙቱ እውን ኣብ ዘየለዉሉ ናይ …

Read More »

ማላዊ፡ ዕንባባታት ብባጤራ’ታ ሃገር ንዝጠቕለሉ ዜጋታት ኣሲራ።

ፖሊስ ማላዊ ኣብ መዓልቲ ፍቚራት ዕታር ዕንባባታት ብገንዘብ ንዝጠቕለሉ ዜጋታታ ኣሲራ። ስእሊ ናይቶም ብ 2000 ክዋቻ (ባጤራ እታ ሃገር–2.60$) ዝተጠቕለሉ ዕታራት ዕንባባታት ኣብ ዋሳፕ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐባበሉሎም ቢቢሲ ሓቢሩ። በዓልመዚ መርመራ ማእከላይ ባንክ ማላዊ፡ ኢማኑኤል ማላሳ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኮነ ኢልካ ገንዘብ ንምርኻስ መጠቕለል ዕንባባ ዝገበሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው መርመራ ኣካዪድና ኢና ኢሉ። ባንክ እታ ሃገር ኣቐድም …

Read More »

ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ክልተ ገበነኛታት ኲናት ናብ ቤት ፍርዲ ይቐርቡ

ሓላፊ ፈደሬሽን ኲዕሶ እግሪ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ነበር፡ ፓትሪስ -ኤድዋርድ ንጋይሶና፡ ነቲ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበነኛታት ዝቐረበሉ ክሲ፡ ኣይወዓልኩዎን ብምባል ናይ ክሕደት ቃል ሂቡ። ንጋይሶና ነቶም ኣንጻር ኣስላም፡ ቅትለት ዝፍጽሙ ዝነበሩ ዕጡቓት፡ ጸረ ባላካ፡ ዝመርሕ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት፡ ዝኾነ ገበን ኣይፈጸምኩን ክብል ቃሉ ሂቡ’ሎ። ኣብ 2013/4 ንሱን ኣልፍረድ ያካቶምን ኣንጻር ኣመንቲ ምስልምና እታ ሃገር መጥቃዕቲ ብምፍጻም እዮም ተኸሲሶም። …

Read More »

Harmony Media News 17/02/2021

Read More »

ኣብ ደብዳቤ ዝተጻወደ ነቷጊ፡ ኣብ ጀርመናዊ ቤት ጽሕፈት ኩባንያ ሊድል ተፈንጂሩ

ሎሚ ረቡዕ፡ ከባቢ ሰዓት 4:30 ናይ ምሸት፡ ኣብ ኔካርሱልም (Neckarsulm)፡ ጀርመን፡ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኩባንያ ሊድል፡ ብፖስጣ ተጻዊዱ ዝመጸ ነቷጊ ከምዝተፈንጀረ ሂልብሮነር ስቲመ ዝተባህለ ጀርመናዊ ጋዜጣ ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻባት ፖሊስ፡ እቲ ዝተፈንጀረ ነቷጊ፡ ብፖስጣ ዝተጻወደ ምንባሩን፡ ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት፡ ነቲ ፖስጣ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን ከምዘጋጠመ ሓቢሩ ክብል እቲ ጋዜጣ ይሕብር። ኣብቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ፡ ክልተ ሰባት ብፎኪስ ክቖስሉ …

Read More »

ናይጀርያ—ተመሃሮ ብ “ዕጡቓት ሸፋቱ” ይጭወዩ።

ኣብ ዞባ ኒጀር (ናይጀርያ) ዛጊት ቊጽሮም ዘይተፈልጠ ተመሃሮ ወጋሕታ ብ “ዕጡቓት ሸፋቱ” ከም እተወስዱ ተገሊጹ። እዞም ሸፋቱ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ነቲ ጭውያ ምፍጻሞም መራኸቢ ብዙሃንን ሰብመዚን እታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ። ጸሓፊ መንግስቲ ናይጀርያ፡ ኢብራሂም ማንተ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዕጡቓት ሰባት ነቲ ኣብ ካጋራ ዝርከብ ኮሌጅ ሳየንስ ብምጥቃዕ ተመሃሮ ጨውዮም ኣለዉ። ካጋራ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር …

Read More »

ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ ምስ ትግራይ ምትእስሳር ኣሎኪ ብዝብል ማህረምቲን ምክልባትን ይበጽሓ።

ብብሕታ ኣብ ጋዜጠኝነት እትነጥፍ ሉሲ ካሳ ኣብታ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንበሪኣ እናሰርሐት ሰኑይ መዓልቲ ቤታ ከም እተዃሕኲሐ ትገልጽ። “ማዕጾ ምስ ከፈትኩዎ ሰለስተ ሰብኡት ብሓይሊ ደፊኦምኒ ንቤተይ ኣትዮም” ክትብል ሉሲ ን ቪኦኤ ገሊጻ። “መን ምዃኖም ወይ ካበይ ከም እተላእኩ ኣይገለጹን፥ ዝኾነ መለለዪ ወረቐት ወይ ናይ ቤት ፍርዲ ፍቓድ መፈተሺ እውን ኣየርኣዩንን..ብቕጽበት ቤተይ ምፍታሽ ጀሚሮም” ድማ ትብል። እዞም …

Read More »

ኣብ ዴንማርክ፡ ሓደ ተቐማጢ ማልመ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

ኣብ ዴንማርክን ጀርመንን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንኽፍጽሙ  ወጢኖም ብዝብል ካብ ዝተጠርጠሩ ኣባላት መርበብ ግብረ ሽበራ፡ ሓዲኦም፡ ወዲ 45 ዓመት፡ ተቐማጢ ማልመ ከም ዝኾነ ኣብ ጋዜጣ ሴድቨንስካን ዝተሓትመ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ፖሊስ ዴንማርክ ምስ ጀርመን ብምትሕብባር፡ ሓደ ግብረ ሽበራዊ ስርሒት ከይተፈጸመ ብምብርዓን፡ ካብ ምፍንጃር ነተጒቲን ሞትን ከም ዘድሓኑ ኣፍሊጡ። እዚ ጉጅለ፡ ብ 3 ሶርያውያን ኣሕዋት ዝምራሕ 14 ኣባላት ዘለዉዎ ምዃኑ ጋዜጣ ጀርመን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com