Sunday , May 19 2024

ዜና

ሓደ ሽወደናዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ ሁዋዊ ተበይኑ ዝጸንሐ እገዳ ጨረታ 5G ኣልዒሉ

ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኣብ ልዕሊ ቻይናዊ ኩባንያ  ሁዋዊ፡ ተበይኑ ዝጸንሐ እገዳ ጨረታ 5G ከምዘልዓሎ ተፈሊጡ። ኩባንያ ሁዋዊ፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደናዊ በዓልመዚ ፖስታን መራኸቢታትን ብዘቕረቦ ክሲ መሰረት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ርእዩ፡ ኣብዚ ውሳኔ ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ። በዓል መዚ ፖስታን መራኸቢታትን ሽወደን፡ ንኩባንያ ሁዋዊ፡ ኣብ ጸሊም ዝርዝር (ሊስታ) የእትይዎ ምንባሩ ይዝከር። ክሳብ ዝቕጽል ውሳነ ዝስዕብ፡ ገለ ክፋላት ናይቲ እገዳ፡ ክለዓሉ …

Read More »

ሓድሽ መልክዕ ዝሓዘ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት (ካርድ) (uppe­hålls­till­stånds­kort) ተሰሪሑ

ኣብ ሽወደን ንኽነብሩ ዝተፈቕደሎም ሰባት፡  መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ከምዝወሃቦም ይፍለጥ። ኣብ ቀጻሊ፡ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት (ካርድ)፡ ኣብ ትወሃበሉ እዋን፡ ፍልይ ዝበለ ሓድሽ ካርድ ክኸውን እዩ። እዚ ብመምዘኒታት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝተሰርሐ ካርድ፡ ንኽትምየን፡ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ እዩ ዝሕበር። ብተወሳኺ ድማ፡ ዜጋታት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሓደ ዓይነት መልክዕ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ንኽህልዎም ዝዓለመ እዩ። ቅድሚ 01 ታሕሳስ 2020 ዝወጸ (ዝተረከብካዮ) መንበሪ ፍቓድ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 11 11 2020

Read More »

ኩነታት ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ዕድመ ኣቑጺሩ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ፡ እንዳተጋደደ ብምምጽኡ፡ ናብ ዝላዓለ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ክሰጋገር ዘሎዎ ተኽሎ ዓቢ ከምዝኾነን፡ ድሮ ነዚ ዘረጋግጽ ክስተት ይረአይ ምህላዉ፡ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ። ብሰንኪ ኣብ መንጎ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ፡ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ቀረባ ግዜ ብምርጫ፡ ምሕደራ ዝተረከበ ዞባዊ መንግስቲ ትግራይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ድሮ ብዙሓት ወታሃደራት መንግስቲ ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ …

Read More »

ሽወደናዊ በዓልመዚ ጥዕና፡ ተወሳኺ መርመራታት ኮሮና ንኽግበር ይጽውዕ።

ኣብ መላእ ሽወደን መርመራታት ኮሮና ንምክያድ፡ መንግስቲ፡ ሰሙናዊ  ክሳብ 270 ሚልዮን ክሮና ወጻኢ ክገብር ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቁጽሪ ዝካየዱ መርመራታት ክውስኽ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ሎሚ፡ ጻውዒት ምቕራቡን ተገሊጹ። ኣብ መበል 44 ሰሙን፡ ሽወደን፡ 193293 ናይ ኮሮና መርመራታት ምክያዳን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብመሰረት መንግስቲ ሽወደን ምስ ማሕበር ምምሕዳራት ከተማ ዝገበሮ ውዕል፡ ዋጋ ናይ ነፍሲ ወከፍ መርመራ 1400 ክሮና ክኸውን ከም እትወሰነ …

Read More »

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ንካብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ወጻኢ ዝግበር መገሻ ኣመልኪቱ፡ ምኽርታቱ የመሓላልፍ

ካብ ዕለት 15/11/2020 ጀሚሩ ክሳብ 31/01/2021 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ዜጋታት ሽወደን፡ ካብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ወጻኢ፡ ንዘካይድዎም ኣገደስቲ ዘይኮኑ መገሻታት ከቛርጹ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ምኽርታቱ ኣመሓላሊፉ። ኣብ ውሽጢ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝርከባ ሰለስተ ሃገራት፡ ማለት፡ ኢስቶንያ፡ ኣየርላንድን ላትቭያን ዝግበር መገሻታት ከቋርጽ ዝብል ምኽሪ ናይ ወጻኢ ጉዳያት፡ ክሳብ 18/11/2020 ክጸንዕ ኣዘኻኺሩ። ወላ’ኳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ንካብ ሽወደን ዝበጽሕዋ ገያሾ፡ …

Read More »

ኣብ ስቶክሆሎም፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ መርመራ ኮሮና ዝገብሩ ሰባት፡ ብቫይረስ ዝተለኽፈ ምዃኑ ተረጋጊጹ

ኣብ ስቶክሆሎም፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ መርመራ ኮሮና ዝገብሩ ሰባት፡ ብቫይረስ ዝተለኽፈ ምዃኑ  በዓል መዚ ጥዕና’ታ ምምሕዳር ኣረጋጊጹ። ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ሓደገኛ ዝኾነ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ይረአ ምህላዉ ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና’ቲ ምምሕዳር፡ ቢዮርን ኢሪክሰን ሓቢሩ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ብልዑል ናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ርዱእ ኮይኑ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ድማ፡ ኢሪክሰን፡ ይሕብር። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 4184 ሰባት ብሕማም ኮቪድ-19 …

Read More »

ብጥሩፍነት ዝተጠርጠረት እስላማዊት ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ክትዕጾ ተወሲኑ

ኣብ ያቭለ እትርከብ፡ ካብ መባእታ ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ እትምህርት እስላማዊት ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ኒያ ካስተት (Nya Kastet) ካብ መጀመርታ ዓመተ 2021፡ ስራሓ ከትቋርጽን ክትዕጾ ምዃናን ተቖጻጻሪት ቤት ትምህርታት ወሲና ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። እዚ ዝተወስደ ውሳኔ፡ ብሰንኪ ርክብ ናይዛ ቤት ትምህርቲ ምስ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ዘለዎም ወገናት ምዃኑን፡ እቶም ተማሃሮ ድማ ንሓደጋ ተቓሊዕም ምህላዎምን እዩ ተባሂሉ። ሚኒትስተር ትምህርቲ ሽወደን፡ ኣና …

Read More »

ካብ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ነጻ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ሎቪን፡ ናይ ምውሸብ ግዚኡ ወዲኡ ወጺኡ

ናይ ቫይረስ ኮሮና መርመራ ኣካይዱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሎቪን፡ ነጻ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጹን ምስ ሓካይሙ ድሕሪ ምዝታዩን፡ ንነብሱ ወሲኑላ ዝነበረ ናይ ምውሸብ ግዚኡ ወዲኡ ከምዝወጸ፡ ጸሓፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ሚካኤል ሊንድስትሩም ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ፡ ቀረብኡ ዝኾነ ሰብ ምስ ካልእ ድሒሩ ብኮሮና ከምዝተለኽፈ ዝፈለጠ ሰብ ድሕሪ ምርኻቡ፡ እዚ ናይ ምውሻብ ውሳኔ ከምዝወሰደ ይዝከር። በዓልቲ ቤት …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 09 11 2020

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com