Sunday , May 19 2024

ዜና

ዘሐጉስ ብስራት . . . . ኣድማዕነቱ ክሳብ 90% ዝኾነ ጸረ ኮሮና መድሃኒት ክታበት ተረኺቡ

ክልተ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት መድሃኒት ዓለምና ዝኾና ኣሜሪካዊ ኩባንያ ፋይዘርን (Pfizer) ጀርመናዊ ኩባንያ ቢዮንቴክን (BioNTech) ብሓባር ዘፍረየኦ ጸረ ኮሮና መድሃኒት ክታበት፡ ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዝረኸባሉ ሓቢረን ክብል ቢቢሲ ኣቃሊሑ። እዚ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለምና ዝርከቡ ኣስታት 43500 ሰባት ዝተገብረ ፈተነ፡ ክሳብ 90% ኣድማዒ ምዃኑ ተፈሊጡ። ክሳብ ሕጂ፡ ዝተራእየ ኣሉታዊ ጽልዋታት ከምዘየለ እቶም ኣፍረይቲ ሓቢሮም። ነዚ ክታበት ዘማዕብላ ዘለዋ ክልተ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ንብሕታውያን ዝኾና ሃይማኖታውያን ቤት ትምህርታት ክዓጹ መደብ ይገብር

ንሃይማኖታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝዋሃብ ካብ ምትካል እግሪ ስጋብ መካየዲ ተባሂሉ ብመንግስቲ ዝግበር ደገፍ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ምዃኑ መንግስቲ ከምዝወሰነ ሓቢሩ። ዝተፈላልዩ ትካላት መንግስቲ ሽወደን እኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣብያተ ትምህርቲ ቆልዑ ኣብ ኣተሃናንጸኦም፣ ብፍላይ ከኣ ገለ ገለ ጉጅለታት ንሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ይጥቀምሉ ኣሎዉ ዝብል መረረ እንዳዓበየ ምስምምጽኡ ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ንቅልውላው ሃገረ ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ተበግሶ ይወስድ

ኣብቲ ንመበል ሻድሽይ ማዓልቲ ኣቑጺሩ ዘሎ ዉግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያዉያን ተኸቲሉ ፈጢርዎ ዘሎ ከቢድ ዞባዊ ስግኣት ንምፍታሕ፡ ሃገረ ሽወደን፡ ምስ ኩሎም ወገናት ክትዘራረብ ከም ትደልን፣ ነዚ ድሌት ዘማልእ ብመገዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኣምባሳደር ሽወደን ትሰርሕ ከምዘላ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ኣን ሊንደ ገሊጻ። ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ዞባዊ መንግስቲ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ዉግእ ይቕጽል ከምዘሎን፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀኛ ሓበሬታ …

Read More »

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ድጎማ ኩባንያታት ክቕጽል ምዃኑ፡ መንግስቲ ሓቢሩ

መንግስቲ ሽወደን ምስ መሻርኽቱ ዝኾና ፖለቲካውያን ዉድባት ሽወደን ብሓባር ብምዃን ብዝበጽሖ ስምምዕ መሰረት፣ ነቲ ካብ ምጅማር ለበዳ ኮሮና ኣትሒዙ ትካላት ንዝበጽሐን ቁጠባዊ ሃስያ ንምሕዋይ ዝተመደበ ሓገዝ ከምዘለዎ ክጸንሕ ከምዝወሰነ ሓቢሩ። ብመሰረት ምስ መሻርኽቲ ሰልፍታት ዝተበጽሐ ምርድዳእ፣ መንግስቲ፡ ንትካላትን ካልኦት  ክፍልታት ሕብረተሰብን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ንዝወርዶም ቁጠባዊ ሃስያ ንምሕዋይን፣ ምዉንዛፍ ካብ ምኽፋል ኣታዊ ግብርን፣ ዘጠቓልል ደገፍ ምዃኑ፣ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ …

Read More »

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ከይወሰኸ ቀንዩ

ኣብ ሽወደን ዘሎ ቁጽሪ ደለይቲ ስራሕ፡ ብዙሕ ለውጢ ከይገበረ፡ ኣብ ዘለዎ ደዉ ኢሉ ምህላዉ፡ ሎሚ ንግሆ፡ ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ዋላ’ኳ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 12 ሽሕ ዝኣኽሉ ሓደሽቲ ደለይቲ ስራሕ ኣብ መላእ ሃገር እንተተመዝገቡ፡ እቲ  ብሃገር ደረጃ ተመዝጊቡ ዘሎ  ቁጽሪ ደለይቲ ስራሕ ማለት  456 ሽሕ ከምዘይቀየሮ ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝወጸ ሰሙናዊ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ ኣሎ።  ብዘይካ እዚ፡ ቁጽሪ መንሰያት ደለይቲ …

Read More »

ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት፡ ኣብ ናእሽቱ መዓስከራት ክውዝዑ ከምዝግባእ፡ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ገበናት ጸዊዑ

ኣብ ሽወደን ንሓተቲ ዑቕባ ተባሂሉ ዝተመደበ ናይ ሓባር መንበሪ ቦታታት፡ ዝፍጸሙ  ጎነጻዊ ባእስታትን ካብኡ ሓሊፉ ዓበይቲ ሁከትን ዕግርግርን፣ ቀንዲ ጠንቆም፡ ብሰንኪ ዘሎ ጽበት መንበርን ዝፈጥሮም ንኣሽቱ ግርጭታት ምዃኖም፣ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ገበን ሽወደን ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ናብ ፖሊስ ካብ ዝመጹ 600 ዝኣኽሉ ጎነጻዊ ገበናት፡ ቀንዲ መበገሲኦም፡ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪኦም ዘጋጥሙ …

Read More »

ኩባንያ ቮልቮ፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ናይ ጽዕነት መካይን ንምፍራይ ይምድብ

ሽወደናዊ ኩባንያ ቮልቮ (AB Volvo)፡ ሓደስቲ ዝዓይነተን ብኤሌክትሪክ ዝስርሓ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ዝርከብ ፋብሪክኡ ምፍራይ ክጅምር ምዃኑን እዚ ድማ ናይ ስራሕ ዕድላት ክኸፍት ከምዝኽእል ተገምጊሙ ኣሎ። ኩባንያ ቮልቮ፡ ነዘን ካብ ዞባ ናብ ዞባ ክጓዓዛ ዝኽእላ ናይ ጽዕነት መካይን ከፍሪ ምጅማሩን እዘን መካይን ድማ ሓንሳብ ብኤሌክትሪክ ምስ ተመልኣ፡ ክሳብ 300 ኪሎ ሜትሮ ክጓዓዛ ከምዝኽእላ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ …

Read More »

ሰራሕተኛታት መባእታ ቤት ትምህርታት፡ ካብ መልከፍቲ ኮሮና ክንከላኸለሎም ይግባእ ተባሂሉ

ኩለን መባእታ ቤት ትምህርታት፡ ንሰራሕተኛታተን ካብ መልከፍቲ ኮሮና ንምክልኻል ዘድልዩ ናውቲ ክቕርባ፡ በዓል መዚ ምክትታል ናይ ስራሕ ሃዋሁ ከምዝወሰነ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።     እዚ ውሳኔ፡ ድሕሪ ካብ ወኪል ውሕስነት ናይ ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ባሪስ (Bergs) እትርከብ መባእታ ቤታ ትምህርቲ፡ ዝመጸ ጥርዓን፡ ከምዝጸደቐ ይፍለጥ። ብድሕሪ’ዚ፡ እቲ በዓልመዚ፡ ነታ ቤት ትምህርቲ፡ ዝግባእ ማስክ፡ ጓንትን መሸፈን ገጽን ከተቕርብ ከምዘገደዳ ይፍለጥ። …

Read More »

ኣብ ዮቶቦሪ ኣብ ዝርከባ 50 ዝኾና ቤት ትምህርታት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ተራእዩ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዮቶቦሪ ዝርከቡ ተማሃሮን ኣባላትን ናይ 50 ዝኾና ቤት ትምህርታት፡ ብቫይረስ ኮሮና ይልከፉ ከምዘለዉ ምምሕዳር ቤት ትምህርታት ዮቶቦሪ ገሊጹ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ሰበ ስልጣን ምክልኻል ለበዳን ምምሕዳር ቤት ትምህርታት ዮቶቦሪን ብሓባር ኮይኖም፡ ነተን ቤት ትምህርታት ብከፊል ወይ ብምሉእ ናይ ምዕጻው ውሳኔ ከመሓላልፉ ከምዝኽእሉ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ኣሰራርሕ ናይ ሰለስተ ቤት …

Read More »

መንግስቲ፡ ወለዲ ህጻናት ንዝፍጽምዎ ናይ ምትላል መስርሕ ንምግታእ ድሌት ከምዘለዎ ሓቢሩ

ደቆም ከይሓመሙ፡ ደቅና ሓሚሞም ብምባል፡ ደቆም ንኽናብዩ ዕረፍቲ ዝወስዱ ወለዲ (VAB)፡ ንዝፍጽምዎ ናይ ምትላል መስርሕ ብኸመይ ኣገባብ ንምቁጽጻሩ ንምጽናዕ፡ መንግስቲ፡ ወግዓዊ መርመራ ከምዝጀመረን ንህሉው መስርሕ ካሕሳ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዕረፍታት ዝምልከት ድማ ምሕዳስ ከምዘድልዮም ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ወለዲ ንዝሓመሙ ደቆም ንኽኣልዩ ዘኽእል መሰል ቅድሚ 40 ዓመታት ካብ ዝውሰን ኣትሒዙ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ሂወት፡ ብዙሕ ለውጢታት ተፈጢሮም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com