Wednesday , May 15 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ኣብ መስጊድ ዮተበሪ ቅትለት ንምፍጻም ወጢንካ ተባሂሉ እተጠርጠረ ሰብ ብናጻ ተለቒቑ።

ፖሊስ ሽወደን ትማል ምሸት ነዚ ቅትለት ንምፍጻም ወጢንካ ተባሂሉ እተጠርጠረ ሰብ ብናጻ ለቒቑ’ሎ። እቲ ጥርጡር ነበር ገዝኡ ብፖሊስ ከም እተፈተሸን ኣብ ገዝኡ ኣውቶማቲክ ክላሺን ትህሉ እያ ዝብል ጥርጣረ ከም ዝነበረን ዛጊት ግና ምንም ከም ዘይረኸቡን እዮም ገሊጾም። እቲ ሰብኣይ ኣብ እስልምናን ኣመንቱን ጽልኢ ከም ዝነበሮ ብተደጋጋሚ ዝገለጸ ኮይኑ ኣቐዲሙ ናብቲ መስጊድ Bellevue ብምኻድ ኣበየናይ ሰዓት እዮም ምእመናን ብብዝሒ ዝእከቡ ኢሉ …

Read More »

4 ሰባት ኣብ መንደቕ ባይቶ ሽወደን ጽሑፍ ብምልጣፎም ተቀይዶም።

ኣርባዕተ ሰባት ኣብ መንደቕ ህንጻ ባይቶ ሽወደን “ኣይትፍርሁ” ዝብል ጽሑፍ ብምልጣፎም ፖሊስ ሽወደን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞም። እዞም ኣርባዕተ ሰባት ትማል ምሸት ቅድሚ ምግባእ ባይቶ እዮም ነቲ “ኣይትፍርሁ” ዝብል ኣዝዩ ምርኡይን ፍሩይን ጽሑፍ ኣብ መንደቕ ህንጻ ባይቶ ሽወደን ዝለጠፍዎ። እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ኮይኖም ገሊኣቶም ኣብ 90ታት ዝተወልዱ እዮም ክብሉ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። …

Read More »

ክሮነር ሽወደን ምንቊልቋ ኣርእዩ።

ክሮነር ሽወደን ምስ ዶላርን ዩሮን ብምውድዳር ምንቊልቋ ኣርእዩ’ሎ ተባሂሉ። እዚ ተርእዮ ሎሚ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ በጺሑ’ሎ ተባሂሉ። ሸርፊ ሓንቲ ዩሮ 10.79 ክሮነር ምብጽሑን እዚ ምስቲ ዝጸንሖ ናይ 9.65 እንክነጻጸር ዓቢ ምንቊልቋል ምዃኑን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ዋጋ ዩሮ ምስ ክሮነር እንክወዳደር ከንቈልቊል እዩ ጸኒሑ። ካብ ምጅማር ዓመተ 2019 ንደሓር ክሮነር ሽወደን ብመንጽር ዩሮ 6 ሚእታዊት ብመንጽር ዶላር ከኣ …

Read More »

ኣስያ ቢቢ ዕቚባ ንምንዳይ ካብ ፓኪስታን ሃዲማ ተባሂሉ።

እታ ንእምነት እስልምና ብምንሻው ብሞት ተፈሪዳ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐት ኣማኒት ክርስትና ዝኾነት ኣስያ ቢቢ ካብ ፓኪስታን ሃዲማ ተባሂሉ። ንሳ ምስ ጐረባብታ ኣብ ዝወዓለቶ ቈይቂ ንነብዪ መሓመድ ጸሪፍኪ ተባሂላ እያ ብ 2010 ተኸሲሳ ኔራ። ንሳ ከምዚ ዝበለ ዘረባ ካብ ኣፋ ከም ዘይወጸ ብምክርኻር ንጽህናኣ ክፍለጠላ ክትጣበቕ ጸኒሓ እያ። ሰብመዚ ፓኪስታን ቢቢ ናበይ ተሰዊራ ንዝብል ሕቶ መልሲ ክህብሉ ኣይደለዩን። ጠበቓኣ ሰይፍ ኣል …

Read More »

ኮኾብ ናይ ተሌቪዥን ጋዜጠኛ ካብ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ናጻ ኢኻ ተባሂሉ።

ኮኾብ ናይ ተሌቪዥን ጋዜጠኛን ኣቕራቢን ማርቲን ቲመል ኣብ ቤትፍርዲ ናይ ይግባይ ሕቶኡ ክረአ ድሕሪ ምሕታቱ ናጻ ከም ዝተባህለ ተገሊጹ። እቲ ክሲ ካብ ዝቐርብ ዓሰርተ ዓመታት ከም ዝሓለፎን ኣርባዕቲኦም ዝቐረቡ መሰኻኽር ንሓድሕዱ ዘይሰማማዕ ቃል ብምሃቦም እዩ እቲ ተኸሳሲ ብናጻ ክሰናበት ተጌሩ ክብል ዳኛ እቲ ቤትፍርዲ ገሊጹ’ሎ። ማርቲን ብወገኑ ነቲ ከሳሲኡ ብጽላም ስም ክኸሶ ምዃኑ ቃል ሂቡ’ሎ።

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 6 ግንቦት 2019

ገለ ካብ ትሕዝቶ ናይ ሎሚ ዜናታት፣- ኣርእስተ ዜናታት  ድሕሪ ምቛም መንግስቲ ሽወደን ኣብ ወርሒ ጥሪ ፈላማይ ክትዕ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተኻይዱ  ባዓል መዚ ኢመግራሽን ንዜጋታት ኤርትራ ዝርእይ ፍሉይ ፍታሕ ከምዝገበረ ተፈሊጡ።  ኣብ ብዙሕ ዞባታት ሽወደን ዝርከቡ ባንክታት ደም ሕጽረት ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ። መደባትናን ብሰፊሕ ሓበሬታን ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ ::

Read More »

ሕጽረት ለገስቲ ደም ኣጋጢሙ ተባሂሉ።

ባንክ ደም ሽወደን A ወይ O ዓይነት ደም ዘለዎም ለገስቲ ደም ነበርቲ Skåne Upsalla ዮተበሪን ስቶክሆልምን ኣብ ቀረባኦም ናብ ዝርከብ ክሊኒክ ክውከሱ ጻውዒት ጌሩ’ሎ። ኣብ ደቡባዊ ሽወደን Skåne ዋሕዲ ዓይነት ደም B ከም ዘሎ’ውን ተገሊጹ’ሎ። “እዚ ሕጽረት እተኸስተሉ ምኽንያት ብምብዛሕ በዓላት ክንዲቲ ዝድለ ንሰርሕ ብዘይምህላውና እዩ ዝኸውን” ወይ’ውን” ለገስቲ ደም ናባና ክመጹ ብዘይምኽኣሎም እዩ” ትብል ኣዋሃሃዲት ደም Ge Blod Enisa …

Read More »

ICA ዘፍርዮ ዓይነት ብላሽ መግቢ ክንኪ እየ ይብል።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሰንሰለት ICA ዝኾነ Per Strömberg ኣብ 2025 ዘፍርዮ መጠን ገፈጥ-መፈጥ መግቢ ብፍርቂ ከጒድለ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ ክብል ን ጋዜጣ dagens ሓቢሩ’ሎ። ፍርያት ገፈጥ መፈጥ ኣብ ከባብያዊ ብከላ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎም ዝፍለጥ እዩ። ምዕሩይ ምዕባለ መታን ክህሉ መራሕቲ ቢዝነስ ህዝቢ ዝሓሸ ጥዕናዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ ክወስድ ከተባብዑን ክመርሑን ሓላፍነት ከም ዘለዎም’ውን ተሰሚርሉ’ሎ።

Read More »

ጒጅለታት ጒሒላታት ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት 500 ቢልዮን ክሮነር ይረኽቡ ተባሂሉ።

ሽወደን እተሳተፈቶ ሓደ ኣውሮጳዊ መጽናዕቲ ጒጅለታት ጒሒላታት ንሰብመዚ ቀረጽ ብምፍርራህን ስርዓት ቫት ብምኽታርን ቢልዮናት ክሮነራት ዝግመት ማል ከም ዝረኽቡ ኣመልኪቱ። 35 ማዕከናት ዜና ኣውሮጳ እንተላይ ናይ ሽወደን Ekot ራድዮ ኣብቲ መጽናዕቲ ተሳቲፈን። እዞም ጒጅለታት ጒሒላታት ኣብ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ንግድ ዝዋፈሩ ኮይኖም ኣብ ዶባት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እዮም እቲ ናይ ቫትን ምጥፍፋእ ቀረጽን ከም ዝፍጸም ዝገብሩ ዘለዉ ይብል እቲ ዳህሳስ። …

Read More »

ሓድሽ ንጉስ ታይላንድ ዘውዲ ደፊኡ።

ሓድሽ ንጉስ ታይላንድ ቫጂራሎንኮርን ብክብ ዝበለ ጽንብል ዘውዲ ደፊኡ። ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ንግስነት ጽንብል ብምሕላፍ ድሕሪ ሰብዓ ዓመታት ሓድሽ ንጉስ ታይላንድ ዘውዲ ምርካባ ተፈሊጡ። እቲ ጽንብል ናይ ቡድሃነትን ሂንዱነትን ትውፊታት ብተዛነቕ ዝቐርበሉ ኮይኑ ኣማኢት ዓመታት ዝገበረ ልምዲ ምዃኑ ይፍለጥ። ዘውዲ ንጉስ ቫጂራሎንጎርን 7.3 ኪሎ ዝምዘን ኮይኑ ብምስሊ መንበሪ ጣኦት ኢንዲራ ዝተሰርሐ እዩ ይበሃል።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com