Thursday , May 16 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ መንግስቲ ኣብ ጒዳይ ተመለስቲ ዳዕሽ ንዘውጽኦ እማመ ነቒፍዎ።

ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ መንግስቲ ኣብ ጒዳይ ተመለስቲ ዳዕሽ ንዘውጽኦ እማመ እኹል ኣይኮነን፥ ኣዝዩ ዝደንጎየ እዩ ብምባል ነቒፍዎ። ወኪል እቲ ሰልፊ Andreas Karlsson ኣባል ወይ ተደናጋጺ ደቀንስትዮ ዝዕምጽ ጒጅለ ዝኾነ ሰብ ብኽሕደት ክፍረድ ይግብኦ እዩ ኢሉ’ሎ። ሊበራላውያን ብወገኖም ነቲ እማመ ብምድጋፍ ንግብረሽበራውያን ዝዳኒ ኣህጒራዊ ቤትፍርዲ ክቐውም ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ሓምላይ ሰልፊ ምምላስ እዞም ወተሃደራት ተቓዊማ “ቆልዑ ግና ብገበን ኣቦኦም ክሕተቱ ኣይክእሉን እዮም” …

Read More »

ዘይድህሰስ ሃብቲ ብበሪሁሉ ብኣማን

“ኣብዚ ዓለም፣ እቶም ዝበለጹን ዝጸበቑን ነገራት ብዓይንኻ ኣይረኣዩን፣ ብኢድካ’ዉን ኣይድህሰሱን፡ ኣብ ዉሽጥኻ ክስምዑኻ እዩ ዘለዎም” ሄለን ኬለር ገንዘብ፣ ዓስቢ ኩሉ ዓይነት ዕዮ ወይ ኣበርክቶ ክኸዉን ኣይክእልን። ሓያሎ ወለዲ ንደቆም፣ ዓስቢ ክበሃል እንከሎ በቲ ዝጭበጥ ክፋሉ ዘይኮነ በቲ ረቂቕ ክፋሉ ክምዘን ከም ዘለዎ ከይመሃሩ እዮም ዘዕብይዎም። ብዙሓት ሰባት ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ዝዉንኑ ክነሶም መንፈሳዊ ድኽነት ወሪስዎም ትረኽቦም። ዕላማ ህይወትና ገንዘብ ክህልወና …

Read More »

ዘወርቲ ኣውቶቡሳት ተወሳኺ ስልጠና ምዝዋርን ድሕነትን ክወሃቦም ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣገልግሎት መጓዓዝያ ሽወደን ድሕሪ’ቲ ብሰንበት ዘጋጠም ምፍንጃር ገለ ለውጢታት ክገብር እዩ ዝብል ትጽቢታት ምህላዉ ተገሊጹ። ዳይረክተር ኣገልግሎት መጓዓዝያ Michael Svensson “እዚ ኣጋጣሚ ፈጺሙ ክድገም የብሉን” ድሕሪ ምባል ዘወርቲ ኣውቶቡሳት ናይ 13 መዓልቲ ተወሳኺ ስልጠና ምዝዋርን ድሕነትን ክወሃቦም ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ሓደጋ ዘጋጠመ ኣውቲስታ ነዳዲ ገዲፉ ጋዝ ክጥቀም ብምጅማሩ ኮይኑ እታ ኣውቶቡስ ምሉእ ብምሉእ ከም እተቓጸለት ተፈሊጡ። ኣብ እዋን ምፍንጃር ምንም …

Read More »

Swedish News on Tigrigna – ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 2019 03 11

Read More »

ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ሽወደን ኣብ መስርሕ ምትላል ንዝሓዞም ሸውዓተ ተመሃሮ ከባርር እዩ።

እዞም ተምሃሮ ኣብ ገዜ መርመራ እናታለሉ እናሃለዉ እዮም ተታሒዞም። እቲ ዩኒቨርሲቲ ንጋዜጣ Sysvenskan ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዞም መታለልቲ ተመሃሮ ካብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ክረኽቡ ምጽንሖምን ዓሚ ከም እተቓልዐን ገሊጻ። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ቆንስል ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣብ ምትላል ንእተረኽቡ ተመሃሮ ክሰጒግ ምዃኑ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር። ዛጊት 22 ተመሃሮ በዚ መንገዲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተኣልዮም ኣለዉ። ካልኦት 200 ጒዳያት ውሳኔ ክረኽቡ …

Read More »

4 ሽወደናውያን ዝርከብዎም 157 ሰባት ብሓደጋ ነፋሪት ሞይቶም።

ሓንቲ ዋንነታ ናይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ ጄት 737 ካብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምንቃላ ከም እተሓምሸሸት ተገሊጹ።  እቲ መንገዲ ኣየር ከም ዝገለጾ 149 ገያሾን 8 ኣባላት በረራን ኣብ ቊጽሪ በርራ  ET 302 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ኬንያ ይገሹ ምንባሮምን ኲሎም ድማ ምሟቶም ገሊጹ። ካብዞም ዝሞቱ 32 ኬንያውያን 18 ካናዳውያን 8 ኣመሪካውያን 7 ከኣ ኢጣልያውያን ዜጋታት ይርከብዎም። እዚ ምሕምሻሽ …

Read More »

ሚኒስተር ሕርሻ ነበር Eskil Eirlandsson ብፍቓዱ ስልጣኑ ምሕዳጉ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ባይቶ ነበር ንኣርባዕተ ደቀንስትዮ ኣባላት ባይቶ ጾታዊ ትንኮያ ፈጺምካ ዝብል ክሲ ምስ ቀረቦ ብፍቓዱ ስልጣኑ ምሕዳጉ ተገሊጹ። እዚ ሚኒስተር ባይቶ ናይ ማእከላይ የማን መንግስቲ እዩ ኔሩ።    62 ዝዕድሜኡ ሚኒስተር ሕርሻ  Eskil Eirlandsson ነዘን ኣርባዕተ ኣባላት ባይቶ ኣካላተን ይተናኽፈን ከም ዝነበረን በዚ ድማ ሓላፊ ናይቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ሰልፊ ስልጣኑ ክሓድግ ከም ዝሓተቶን ይግለጽ እዩ።  ብመሰረት Expressen እዚ ፖለቲካዊ ቅለት ኣብ …

Read More »

ቁጽሪ ዝተዓመጹ ደቂ ተባዕትዮ ብናህሪ ይውስኽ።

ኣብ ሽወደን ቁጽሪ ጾታዊ ዓመጽ ናይ ዝበጽሖም ደቂተባዕትዮ ምውሳኹ ቆንስል ጸረ-ገበን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ፡፡ ብዙሓት ሰብኡት ጾታዊ ዓመጽ ይበጽሓና ኣሎ ዝብል ጥርዓን ምቕራቦምን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ እቲ ቁጽሪ ብናህሪ ክውስኽ ምጽንሑን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ”ሎ፡፡ ኣብ 2007 ጥርዓን ጾታዊ ዓመጽ ዘእተዉ ሰብኡት 143 ከም ዝነበሩን ኣብ 2017 ናብ 559 ምዕባዩን ድማ ከም ኣብነት ቀሪቡ”ሎ፡፡ በመሰረት እዚ ጸበጻብ መብዛሕትኦም ካብዞም …

Read More »

ኣብ ልዕሊ መማሃራን ዝወርድ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ርኡይ ወሰኽ ጌሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ኣከባቢ ኣብ ልዕሊ መማሃራን ዝወርድ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ርኡይ ወሰኽ ጌሩ’ሎ። ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት እዚ ተርእዮ ብዕጽፊ ዓብዩ’ሎ ይብል እቲ ጸብጻብ። ኣብ ስቶክሆልም ኣብ እትርከብ ቤትትምህርቲ Hjulsta grundskola ጥራይ ልዕሊ 50 መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ መማህራን ምውራዱ’ውን ተጠቒሱ’ሎ። ሬድዮ ሽወደን ብሰንኪ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝለቐቐ መምህር ዝገበረቶ ዕላል ዝሓዘ ጸብጻብ ፈንያ ኔራ። …

Read More »

ኣብ ብሪጣንያ ብ ኤችኣይቪ ተለኺፉ ዝንበረ ሰብኣይ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ብሪጣንያ ብ ኤችኣይቪ ተለኺፉ ዝንበረ ሰብኣይ ካብ ኣንጉዕ ኣዕጽምቲ ናይ ካልእ ተጻዋርነት እቲ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ፈርዒ ዋህዮ (ስቴም ሴል) ምቕያር ድሕሪ ምግባሩ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣቐዲሙ’ውን ካልእ ሰብ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ ይፍለጥ። ተመራመርቲ ዋላኳ ፈውሲቲ ቫይረስ ኣይርከቡ ኣብ ቀረባ እዋን ንኤችኣይቪ ካብ ምድረ ገጽ ከጥፍእዎ ከም ዝኽእሉ ዝእምት እዩ ክብሉ ዶክተራት ገሊጾም ኣለዉ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com