Monday , April 29 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ሴነጋላዊ መበቈል ዘለዎ ኢጣልያዊ ዘዋር ኣውቶቡስ 50 ቆልዑ እተሳፈርዋ መኪናኡ ብምብራዑ ተኣሲሩ።

ሴነጋላዊ መበቈል ዘለዎ ኢጣልያዊ ዘዋር ኣውቶቡስ 50 ቆልዑ እተሳፈርዋ መኪናኡ ብምጭዋይን ነቶም ዝኣሰሮም ቆልዑ ክቐትሎም ምዃኑ እናፈራርሀን ነታ መኪና ብምብራዑን ብረቡዕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ተገሊጹ። 47 ዓመት ዝዕድሜኡ ነቶም ካብ ሊብያ እናተበገሱ ሜድቴራንያን ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ምእታው ዘይካኣሉ ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ሕነ ንምፍዳይ ኢሉ ዝገበሮ ምዃኑ ተዛሪቡ። “ማንም ዝድሕን የለን” ምባሉ’ውን ፖሊስ ገሊጾም። “ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ስደተኛታት ደው …

Read More »

ምንዋሕ ግዜያዊ ሕጊ ዑቕባ ዘይንዓቕ ሽግራት ከስዕብ እዩ ክብል ዳይረክተር ጀነራል ኢመግረሽን ገሊጹ።

ዳይረክተር ጀነራል በዓል መዚ ኢመግረሽን Mikael Ribbenvik ምንዋሕ ግዜያዊ ሕጊ ኣብ ኣመልከትቲ ዘይንዓቕ ሽግራት ከስዕብ ይኽእል እዩ ክብል ገሊጹ። እዚ ሽግራት ኣመልከትቲ ብዛዕባ ሕግታት ሓፈሻዊ ስእሊ ከም ዘይህልዎም ብምግባር ብፍላይ ድማ ቦርድ ስደተኛታት ናብ ሕሉፋት ጒዳያት እንክዝምብል ናብ ኣዝዮም ዝተሓላለኹ በደላታት (ምልውዋጣት) ከእቱ ዝኽእል ብምዃኑ እዩ። መንግስቲ ንዘቕረቦ እማመ ምንዋሕ ግዜያዊ ሕጊ ቦርድ ማይግሬሽን ዝሃቦ ግብረመልሲ ነዚ የረጋግጾ እዩ። እዚ …

Read More »

ሰማይ ኣብ ስቶክሆልምን ካላኦት ከባቢታትን ጽድያዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ።

ን 24 ሰዓታት ንባእከላይ ሙቐት ንሾብዓተ መዓልታት ክቕጽል ምዃኑ ድማ እዩ” ጽድያዊ ሰማይ” ከስምዮ ተኻኢሉ ዘሎ። ኣብ Gotland ከምኡውን ገለ ከባቢታት Svialand ኣብ ሰዓታት ንግሆ ሙቐት ክሳብ 10 ዲግሪ ሴልሴስ ክበጽሕ እዩ። እዚ ይኹን’ምበር እዚ ጽድያዊ ኲነታት ኣየር ናብ ሰሜናዊ ጫፋት እታ ሃገር ከም ዘይበጽሕን ኣብ ሰሜናዊ Norland ሎሚ ውርጪ ክወድቕ እዩ ዝብል ትጽቢታት ምህላዉን ተገሊጹ።

Read More »

ቤትጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ብጉዳይ ሃገራዊ ጸጥታ መርመራ ምጅማሩ ተፈሊጡ።

ብመሰረት Dagens Nehiter ሃገራዊ ጸጥታ ብምጥሓስ ቤትጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ መርመራ ዝጀመረት ምስ ኣብ ቻይና ኣምባሳደር ሽወደን Anna Lindset ምዃና ተፈሊጡ። ቅድሚ ወርሒ ብዘይኣፍልጦ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ምስ ቻይናውያን ነጋዶ ዝገበረቶ ርክባት ድማ ዘርዚሩ። ንሳ ኣብ ሆቴል ስቶክሆልም ምስ ጓል ቻይናዊ ኣሕታሚ Minhai ን ካላኦት ቻይናውያን ሰብ ንግዲ ምርኻባን ጓሉ ድማ ኣብ እዝዩ ኣዋጣሪ ኲነታት እኳ እንተሃለወት ኣቦኣ ክፍታሕ ኣዝያ …

Read More »

ፖሊስ ኣብ መሳጊድ ሽወደን መጥቃዕቲ ክወርድ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘይብሎም፡ ገሊጾም።

ፖሊስ ኣብ መሳጊድ ሽወደን መጥቃዕቲ ክወርድ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘይብሎም፡ እንተኾነ ግና ነቲ ጒዳይ ብቐረባ ይከታተልዎ ምህላዎም ገሊጾም። ኣድላዪ እንተኾይኑ ቊጽሪ ሓለዋ ክውስኹ ድሉዋት ምዃኖም’ውን ገሊጾም ኣለዉ። ሎሚ ንግሆ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ኒውዚላንድ እተፈጸመ ቅትለት ንጹሃን ኣስላም ኣብ ሽወደን ክድገም እዩ ዝብል ስጋኣት ከም ዘየለን በዚ ድማ ምጥባቕ ጸጥታዊ ኲነታት ኣድላዪ ኮይኑ ከም ዘይረኣዮን …

Read More »

ወርሓዊ ጸብጻብ ጉዳይ ዜግነት ሽወደን

ኣብ ወርሒ የካቲት 2019 ጥራሕ ናይ ዜግነት ሕቶ ዘቅረቡ ሰባት ብዝሒ 6429 ከኾኑ ከለው ካብዚ ኦም 4586 ናይ ሸወደን ዜግነት ወሲዶም። እዚ ማለት ድማ 85 % ዜግነት ሽወደን ረኺቦም ማለት እዩ። Migrationsverket ተመልኪቱ መልሲ ኣብ ምጽባይ ዘሎ ናይ ዜግነት ሕቶ 87061 ምኻኑ በዓል መዚ ኢመግረሽን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

Read More »

ሓላፊ Säbo ንፖለቲከኛታት የጠንቅቅ።

ሓላፊ Säbo ፖለቲከኛታት ካብ ግብረሽበራ ክመጽእ ይኽእል ብዛዕባ ዝበሃል ጸጥታዊ ስግኣት ኣዝዩ ዝተጋነነ ስእሊ ካብ ምሃብን ናብ ደረጃ ሕሉፋት ብምውራድ ብቋንቋ እዞም ባእታታት ካብ ምዝራብ ክቚጠቡን ጸዊዑ። ሓላፊ ስቱር ፖሊስ ሽወደን(Säbo) ዝኾነ Klass Freiberg ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዝተጋነነ ስእሊ ጸጥታዊ ስግኣት ግብረሽበራውያን ካብ ምሃብ ክቚጠቡን ቅድሚ ናብ ትንተና ምእታዎም ኣጸቢቖም ክሓስቡን ተላብዩ’ሎ። ንሱ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ …

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 2019 03 18

Read More »

ትፈልጡዶ?

ኣብ ጋና ኣብ እትርከብ Mamfe Dove እተባህለት ገጠር ኣማልኽቲ መታን ከይቁጥዑ ብምባል ጥኑሳት ኣብ ውሽጢ እዛ ገጠር ከይሓርሳ ዝኽልክል ያታ ኣለዋ። ነዚ ያታ ከይጥሕሳ ብምባል ብዙሓት ነፍሰጾራት ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ካብታ ገጠር ክወጻ ነዊሕ ይጐዓዛ ምህላወን ድማ ቢቢሲ ጸብጺባ’ላ። ገለ ኣንስቲ ግና ነዚ ዝጸንሐ ያታ ክብድሃ ምጅማረን ቢቢሲ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

Read More »

በዓልቲ ቤቱ እኳ እንተተቐትለት ንቐታሊ ይቕረ ከም ዝብለሉ ፋሪዝ ኣሕመድ ገሊጹ።

ብዓርቢ ኣብ ክራይስትቸርች ኣብ ዝተኻየደ ጃምላዊ መቕተልቲ ኣስላም ብህይወቱ ዝወጸ ሰብ በዓልቲ ቤቱ እኳ እንተተቐትለት ንቐታሊ ይቕረ ከም ዝብለሉ ገሊጹ። ፋሪዝ ኣሕመድ ካብዚ መጥቃዕቲ ካብ ብሱል ጥረ ዝወጸ ኮይኑ በዓልቲ ቤቱ ግና ግዳይ ኮይና እያ። ጓል 44 ዓመት ሖስና ኣሕመድ ነቲ ብዊልቼር ዝንቀሳቐስ በዓልቤታ ንምድሓን ናብቲ መስጊድ እናኸደት እያ ተቐቲላ። ንቐታሊ ይቕረ ከም ዝብለሉን ዱዓ ከም ዝገብረሉን ከኣ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com