Monday , April 29 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ኣብነታዊት መምህር

ጋዜጣ ሽወደን Aftonbladet ሓንቲ ሽወደናዊት መምህር ንህይወት 55 ዝኾኑ ሓተትቲ ዕቚባን መጻእተኛታት ተመሃሮኣን ብኣዎንታ ንምጽላው ዝተጻወተቶ ተራ ዝምልከት ሓደ ጽሑፍ ኣቕሪባ። ብመሰረት እዛ ጋዜጣ 46 ዝዕድሚኣ መምህር ካልኣይ ደረጃ Cecilia Duvfa ካብ 2017 ጀሚሩ እዩ ከምዚ ዝበለ ተገዳስነት ክሓድራ ዝኸኣለ። ኣብቲ ዓመት ብዙሓት ተመሃሮ ናብ ኣብ Vermo ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ Gustavsbery High School መጺኦም። መብዛሕትኦም 18 ዝዕድሚኦም ብምዃኖም ትምህርቶም ክቕጽሉ …

Read More »

መንግስቲ ኣብ ግብረሽበራዊ ውድባት ንእተሳተፉ ሰባት ብገበን ዘቕጽዕ ቅዋማዊ ክለሳ ክገብር ይህቅን ምህላዉ ተገሊጹ ክትብል ቲቪ 4 ሓቢራ።

TV4: መንግስቲ ኣብ ግብረሽበራዊ ውድባት ንእተሳተፉ ሰባት ብገበን ዘቕጽዕ ቅዋማዊ ክለሳ ከገብር ይህቅን ምህላዉ ተገሊጹ ክትብል ቲቪ 4 ሓቢራ። ሚኒስተር ፍትሒ Morgan Johansson እዚ ጒዳይ ብኸመይ ንቕድሚት ከም ዝደፍኡሉ ንምዝርራብ ምስ ሰልፊታት ቡርዡዋ ክራኸብ እዩ። እታ ተሌቪዥን ዝርዝር እቲ እማመ ኣኳ እንተዘየቕረበት ቆንስል ምምኻር ሕጊ ግና ኣበራት ኣለዎ፥ ገሊኡ ዓንቀጻቱ ምስ ናጽነት ምውዳብ ዝጻረር እዩ ብምባል ከም ዝነጸጎ ገሊጻላ። ብተወሳኺ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen)ኣስታት 500 ሓለፍቲ ከፋንው ምኻኑ ተፈሊጡ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ካድረታቱን ክፍልታቱን ከጒድል ምጅማሩን ኣሃዱታት ምምሕዳሩ ኣብ ሽወደን ጥራይ ካብ 24 ናብ 7 ከውርድ ምዃኑን በዚ ድማ ኣስታት 500 ዝኾኑ ሓለፍቲ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ስራሕ ክሰናብት ምውሳኑን ተፈሊጡ። ብመሰረት እቲ በዓልመዚ 17 ማእከላት ክስረዛ ኣየን። ኣብ ምምሕዳራት Fallon, Uttipuri, Kalmar, Kristenheim, Malmo, Stockholm and Ostersund ዘለዋ ጥራይ እየን ክቕጽላ። እቲ ቤትጽሕፈት እዚ ዝወሰነሉ ምኽንያት …

Read More »

ቅድመ ንቡር ግዜ ንዝውለዱ ናጽላ ኣብ ምድሓን ሽወደን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከም እትስራዕ ተገሊጹ።

እዚ መጽናዕቲ ኣብ ዘይግዜኦም ቅድሚ ክልተን ሰለስተ ኣዋርሕ ዝውለዱ ናጽላ ዘጠቓለለ እዩ። ኲለን ኣብዚ መጽናዕቲ እተሳተፋ ሆስፒታላት ሽወደን ከም ዘረጋገጻኦ 77 ሚእታዊት ኣብ ዘይግዜኦም ዝውለዱ ቈልዑ ብህይወት ምንባር ክቕጽሉ ክኢሎም ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ ዓመታት 2004 ክሳብ 2007 ካብ ዝነበሮ ብ 7 ሚእታዊት ዓብዩ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ብዋጋ ኣብቶም ናጽላ ዝወርድ ናይ ጥዕና ምትሕልላኻት ኣይኮነን፥ ብኣንጻሩ ኣብዞም ናጽላ ዝወርድ …

Read More »

ዓርሞሸሽ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ (social democrats) ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ብዙሕ በዳህቲ ሕቶታት ኣይገጠሞን ተባሂሉ።

ዓርሞሸሽ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣብ ናይ ሚእቲ ዓመት ታሪኹ እቲ ዝኸፍአ ዝበሃል ውጽኢት እኳ እንተረኽበን ብዙሕ ቅሬታታት ኣብ ውሽጡ እኳ እንተለዎን ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ብዙሕ በዳህቲ ሕቶታት ኣይገጠሞን ተባሂሉ። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ምስ ዝዓዪ መራሒ ማሕበር ተሃድሶ Markus Kalifatides ኣብ ዝገበረቶ ዕላል ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ እቲ ሰልፊ ግቡእ ክትዓት ክካየድ ዘይምጽንሑ ክትርዳእ ክኢላ’ላ። ፖለቲካዊ …

Read More »

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኽሰት ጎነጽ ብዕጽፊ ምዝያዱ ተገሊጹ።

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኽሰት ንፍርራህ ጎነጽ ምስቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝነበሮ እንክነጻጸር ብዕጽፊ ምዝያዱ ኣሃዛት ኤጀንሲ ከባቢ ዕዮ ኣመልኪቶም። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኤጀንሲ ከባቢ ዕዮ ኣስታት 450 ዝኾኑ ጸብጻባት ጎነጻዊ ምፍርራሃት ከም ዝነበሩን ሎሚ ናብ 900 ክብ ምባሉን ሓቢሩ። መንግስቲ ነዞም ጸገማት ተሃድሶ ካሪክሉም ብምትእትታውን ተመሃሮ መሰል ጥራይ ዘይኮነ ግቡእ እውን ከም ዘለዎም ብምምሃር ከምኡ’ውን ጥዑይ ናይ ስራሕ ከባቢ ብምፍጣር …

Read More »

ብተዛማዲ ብርቱዕ ዝበሃል ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ሰሜናዊ Hagfors ኣጋጢሙ።

ሰሉስ ንግሆ ሰዓት 7:16 ካብ Hagfors 34 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቦታ ኣጋጢሙ። ብመሰረት ማእከል ሴስሚክ ሽወደን ዓቐን እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 3.2 ሬክተር ስኬይል ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ። መብዛሕትኦም ተቐማጦ Värmland ነዚ ምስምዖም ድማ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ክኢላ ምንቅጥቃጥ ምድሪ Boron Lund እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብደረጃ ሽወደን ብተዛማዲ ብርትዕ ዝበለ ክበሃል ዝከኣል እዩ። ኣብ ሽወደን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሳሕቲ ጥራይ እዩ ዘጋጥም። …

Read More »

በዓል መዚ ኢመግረሽን ንፓስፖርት ብሪጣንያውያን ዜጋታት ማሕተም ናይ ምሃብ ውጥኑ የደንጒዮ ምህላዉ ተገሊጹ።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዚ ዝኸውን ዘሎ ብመሰረት ወግዓዊ ምልቃቕ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዓንቀጽ 50ን እዩ ኢሉ’ሎ። እዚ ማሕተም ኣብ ኣጋጣሚ ውዕል ኣልቦ ምልቃቕ ክሳብ 29 መጋቢት ብሪጣንያውያን ኣብ ሽወደን ከም ድላዮም ክንቀሳቐሱ ዝብል ውጥን እዩ ኔሩ። ካብ በዓል መዚ ኢመግረሽን ዝኾነት Asa Hemingway ዝበለጸ ሓበሬታ ይጽበዩ ምህላዎም ገሊጻ’ላ። ኣብ ሽወደን ልዕሊ 20 ሽሕ ብሪጣንያውያን …

Read More »

ኣማኢት ወተሃደራት ዝጸዓና ወተሃደራውያን ነፈርቲ ሩስያ ብሰንበት ኣብ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ቬነዝዌላ ዓሊበን።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሩስያ ስፑትኒክ እዘን ነፈርቲ “ቴክኒካዊ ወተሃደራዊ ውዕላት ንምምላእ” እየን ተላኢኸን ዘለዋ። ቨነዝዌላዊ ጋዜጠኛ ሃቬር ማዮርካ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ካብተን ነፈርቲ 100 ወተሃደራትን 35 ቶን ጽዕነትን ክራገፍ ምርኣዩ ገሊጹ’ሎ። እዘን ክልተ ሃገራት ወተሃደራዊ ውዕል ድሕሪ ምፍራመን ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ እዚ ዝፍጸም ዘሎ። ሩስያ ንነዊሕ እዋን መሻርኽቲ ቨነዝዌላ ኮይና ንሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ሓገዝን …

Read More »

ነበርቲ ሁስቢ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ።

ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ሁስቢ ንኽሰርሖ ሓሲብዎ ዘሎ መንበሪ ገዛውቲ ብምቅዋም ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ሰባት ሎሚ መዓልቲ ሰንበት 24 ማርች 2019 ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ። Foto: Christy Chamy እቶም ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝገልጽዎ እዚ ገዛውቲ ንምስራሕ ብዙሕ ኣግራብ ክበርስ ስለዝኾነ እዚ ኸኣ ነቲ ከባቢ ሃሳይ እዩ ብዝብል ምኽንያት ከምዝተቃወምዎ ሓቢሮም። ኣብ ሁስቢ ዝርከቡ ነበርትን ማሕበራትን ብሓባር ዝጸውዕዎ ሰላማዊ ሰልፊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com