Friday , April 26 2024
Daniele Bennati/AP

ሴነጋላዊ መበቈል ዘለዎ ኢጣልያዊ ዘዋር ኣውቶቡስ 50 ቆልዑ እተሳፈርዋ መኪናኡ ብምብራዑ ተኣሲሩ።

ሴነጋላዊ መበቈል ዘለዎ ኢጣልያዊ ዘዋር ኣውቶቡስ 50 ቆልዑ እተሳፈርዋ መኪናኡ ብምጭዋይን ነቶም ዝኣሰሮም ቆልዑ ክቐትሎም ምዃኑ እናፈራርሀን ነታ መኪና ብምብራዑን ብረቡዕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ተገሊጹ።

47 ዓመት ዝዕድሜኡ ነቶም ካብ ሊብያ እናተበገሱ ሜድቴራንያን ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ምእታው ዘይካኣሉ ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ሕነ ንምፍዳይ ኢሉ ዝገበሮ ምዃኑ ተዛሪቡ። “ማንም ዝድሕን የለን” ምባሉ’ውን ፖሊስ ገሊጾም።

“ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ስደተኛታት ደው ኣብልዎ ወይ ነዚ ጃምላዊ ቅትለት ክውዕሎ እየ” ክብል ከም እተሰምዐ ድማ ኣፈኛ ፖሊስ ማርኮ ፓልሜሪ ሓቢሩ።

እዚ ኦሰይኑ እተባህለ ዘዋር መኪና ጥቓ ከተማ ችሬሞና ኣብ ዝካየድ ዝነበር ስፖርታዊ ውድድር ንምክፋል ናብ መኪናኡ ንዝተሳፈሩ 51 ቆልዑ ተመሃሮ እዩ ብስሕለት ናብ ምፍርራህ ዝኣተወ።

እዚ መጭወይቲ ን40 ደቓይቕ ኣቢሉ ምጽንሑን ናብ ከተማ ሚላኖ ገጹ ከም ዘምርሐን ተገሊጹ’ሎ። ነታ ኣውቶቡስ ኣብ ጽዑቕ ትራፊክ ዘለዎ ጎድና ምስ ካልኦት መካይን ከጓንጻ ድሕሪ ምጽናሕ ክኣ ፖሊስ ኣብ ዘንበርዎ መዕግቲ ደው ኢሉ በንዚን ብምፍሳስ ነታ መኪና ኣቃጺልዋ።

ፖሊስ መስትያት እታ ኣውቶቡስ ብምስባር ቆልዑ ክወጹ ጌሮም ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ቆልዑ እዚ ኣውቲስታ በንዚን ኣብ ነብሶም ብምንስናስ ከቃጽሎም ምኳኑ ከም ዘፈራርሆም ገሊጹ’ሎ።

ሰባት ኣብ ኣፍሪቃ ይሞቱ’ለዉ፥ ናይዚ ተሓታቲ ዲ ማዮን ሳልቪኒን እዮም ይብል ኔሩ ኢሉ። ሰልሰተ ደቁ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኢጣልያ ብጃልባ እናተጓዕዙ ከም ዝሞትዎ ምዝራቡ’ውን ወዲ 12 ዓመት ውጻእ መዓት ገሊጹ’ሎ።

እቶም ቆልዑ ትኪ ብምምዓጐምን በቲ ዝወረዶም ናእሽቱ መጒዳእትን ንኽእለዩ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ።

እዚ ኣውቲስታ ኣብ 2004 ዜግነት ጣልያን ዝረኸበ ኮይኑ እቐዲሙ ሰቲኻ ምዝዋርን ጾታዊ መጥቃዕቲን ዝመሰሉ ምፍጻሙ ጸብጻብ ከም ዘለዎም ሓቢሮም ኣለዉ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት እታ ሃገር ዜግነት እዚ ሰብ ብዛዕባ ዝስረዘሉ ኣገባብ ይዛተ ምህላዉ ተዛሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com