Sunday , May 19 2024

ውህደት

ቀጽሪ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንነፈርቲ ሩስያ ካብ ክሊ ኣየሩ ኣጊዱ።

ኣውሮጵዊ ሕብረት ትማል ሰንበት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓደስቲ ተረርቲ ውሳነታት ኣጽኒዑ’ሎ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩኬይን ወራር ብምፍጻማ ዝኾነነ እቲ ሕብረት ነፈርቲ ሩስያ (ወተሃደራውያን ይዂና ሲቪል) ኣብ ክሊ ኣየር ቀጽሪ ኣውሮፓዊ ሕብረት ከይበራ እገዳ ኣንቢሩ’ሎ። ብዘይካዚ ኣብ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝፍነዋ ማዕከናት ዜና ሩስያ ክዕጸዋ ተጌሩ’ሎ። ብተወሳኺ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንሰራዊት ምክልኻል ሩስያ ገንዘባዊ ድጋፍ ብምግባር ከዕጥቖ ከምኡ’ውን …

Read More »

ሽወደን ናብ ዩክሬይን ኣጽዋር ክትልእኽ እያ።

ሽወደን ጸረ-ታንክ ሚሳይል ቊራዕ ርእሲን ድርዒ ሰብነትን ዘጠቓልል ወተሃደራዊ ሓገዝ ናብ ዩሬይን ክትልእኽ ምዃና ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ትማል ሰንበት ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። ሕብረት ሶቭዬት ን ፊንላንድ ኣብ 1939 ካብ እተጥቅዕ ንደሓር ሽወደን ናብ ዓውደ ኲናት ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ክትልእኽ ሕጂ ንመጀመርታ ግዜኣ እዩ። “ከም ቀዳመይቲ ሚኒስተር ንዓይ ዘሕስበኒ ንህዝቢ ሽወደን ጸጥታዊ ረብሓኡ ዝሕልወሉ ኣየናይ ውሳነ እዩ ዝብል …

Read More »

ፕረሲደንት ዩክሬይን ወተሃደራዊ ሓገዝ ሓቲቱ።

ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮላድሚር ዘለንስኪ ዓለም ን ዩክክሬይን ንምድሓን ብዘይምንስቓሳ ወቒሱ። “ሎሚ በይንና ሃገርና ንከላኸል ኣሎና፡ ጽባሕ ግና ናብ ኲልና እዩ” ክብል ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝፈነዎ ቪድዮ ገሊጹ።፡ “በዚ ናይ ትማል እገዳታት ትዕገት ሩስያ ኣይክትህሉን እያ፡ ኣብ ኣየርን ምድሪን ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ወራር መጥቃዕቶም ደው ኣየበልዎን” ኢሉ። ክልቲእተን ሃገራት ተዂሲ ደው ከብላ እውን ጻውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ። “ውዒሉ ሓዲሩ ሩስያ ብዛዕባ ምቊራጽ ተዂሲን …

Read More »

ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሩስያ ከቢድ ክሳራ ኣውሪደ ትብል።

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊኣ ካብ ዝካየድ ኣትሒዙ ዩክሬይን ኣስታት 800 ወተሃደራት ሩስያ ምቕታላ ሚኒስተር ምክልኻል ዩክሬይን ገሊጹ። ብዘይካዚ ልዕሊ 30 ታንክታት ሩስያ ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኾና እንከለዋ 7 ነፈርቲ ኲናትን 6 ኤሊኮፕተራትን ሰራዊት ሩስያ ከም እተባርዓ ን ሚኒስተር ምክልኻል ዩክሬይን ብምጥቃስ CNN ጸብጺቡ’ሎ። ሰራዊት ሩስያ ነዚ መሰረት ዘይብሉ እዩ ኢሉ ነጺግዎ’ሎ። እዚ ክሳራታት ሩስያ ብናጻ ሚድያ ክረጋገጽ ከም ዘይተኻእለ ኖርዌይ …

Read More »

ሽወደን ን ወራር ሩስያ ኮኒና።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሰን ን ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ወራሩን ኣበርቲዓ ከም እትዂንን ገሊጻ። ቭላድሚር ፑቲን ሰራዊት ሩስይ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ንኽፍጽም ትማሊ ምእዛዙን ኣብ ዩክሬይን ሓያል ኲናት ይቕጽል ምህላዉን ዝፍለጥ እዩ። “ፕረሲደንት ፑቲን ኣብ ዩክሬይን ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ብቕጽበትን ብዘይቅድመ ኲነትን ደው ኣቢሉ ሰራዊት ክስሕብ ንጠልብ” ክትብል ንዩክሬይን ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ’ላ። ብዘይካዚ ወራር ሩስያ ንኽቕልበስ ን …

Read More »

ጆሃንሰን፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ስደተኛታት ዩክሬይን ንምቕባል ተዳልዩ’ሎ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ብሰንኪ ወራር ሩስያ ካብ ዓዶም ንዝፈናቐሉ ስደተኛታት ዩክሬይን ንምቕባል ድሉው ምህላዉ ኮሚሽነር ሽወደን ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዪልቫ ጆሃንሰን ገሊጻ። እንተኾነ ግና ኣብዚ ዘሎ ዝዓበየ ብድሆ ዩክሬናውያን ኣብ ክንዲ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ገጾም ዝስደዱ ኣብ ውሽጢ ዩክሬይን እንድሕሪ ተመዛቢሎም እዩ ክትብል ጆንሰን ዘለዋ ስክፍታ ገሊጻ’ላ። ብመሰረት ጆሃንሰን ኲለን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ስደተኛታት ዩክሬይን ንምቕባል ቊሩባት ምህላወንን መንግስታት ኣውሮጳ ኣብዚ …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያን ቤላሩስን ሓድሽ ማዕቀብ ክግበር ተሰማሚዑ።

ትማል ሓሙስ መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያን ቤላሩስን ትርር ዝበለ እገዳታት ኣንቢሮም ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብሩስያ ዝግበር ዘሎ ወራር ብምሉእ ፍቓድን ምትሕብባርን ቤላሩስ ይግበር ብምህላዉ ቤላሩስ እውን ኣብዚ ኣገዳታት ክትኣቱ ተጌራ’ላ። እዚ እገዳታት  “ንጽላታት ፋይናንስ፡ ጸዓት፡ መጓዓዝያ፡ ምቊጽጻር ሰደድ፡ ፋይናንስ ሰደድን ፖሊሲ ቪዛ’ ዝምልከት ኮይኑ  ብዘይካዚ ዝርዝር ገለ ሩስያውያን ዜጋታት እውን ዘጠቓልል እዩ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ምስ ምልዓል መምርሒታት ኮቪድ ካርኒቫላት ይበራበሩ ኣለዉ።

ካርኒቫላት ኣብ መላእ ዓለም ዳግማይ ይጅመር ኣሎ። ብፍላይ ኣብተን ኩነታት ለበዳ ኮሮና ህድእ ዝበለለን ዓዲታት እተኸትቡ ዜጋታት ብናጽነት ኣብዚ ዝፈትዉዎ በዓል ካርኒቫል ይሳተፉ ምህላዎም ተገሊጹ። ንኣብነት ብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ቦሊቭያ ላ ፓዝ ኣብ ዝተጸንበለ በዓል ካርኒቫል ንግስቲ ካርኒቫል ዳያና ሞሊና ከም ዘድመቐቶ ጸብጻብ ዶቸቬለ ኣመልኪቱ።

Read More »

ሚኒስተር ምክልኻል ኖርዌይ፥ “ህላወ ጥሙር ሓይሊ ኣገዳሲ እዩ”

ኣብዚ ሰሙን ኤኖክሰን ንጸጥታዊ ኲነታት ኣውሮጳ ኣመልኪቱ ምስ ብርክት ዝበሉ ኣውሮጳውያን መሻርኽቲ ተዛትይ’ሎ። “ሓባራዊ ስላምን ጸጥታን ከባኢና ንምሕላው ኣብ እንገብሮ ዘሎና ጻዕሪ ህላወ ጥሙር ሓይሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምርኻብ፡ ከምኡውን ምስቶም ኣብ ጥሙር ሓይሊ ዝሳተፉ ኣብ ሰሜን ኣውሮጳ ዘለዉ መሻርኽቲና ብዛዕባ ኲነታትና ምዝታይን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። “ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ኲነታት ኣዝዩ ተኣፋፊ እዩ፡ ጸጥታዊ ኲነታት …

Read More »

ስታቲስቲክስ ኖርዌይ : ሰደድ ፍሬሽ ሳልሞን ዝለዓለ ዋጋ ኣመዝጊቡ። 

ኣብ ሻብዓይ ሰሙን  ዋጋ ፍሬሽ ሳልሞን ን ኪሎ 87.60 ክሮና ኖርዌይ ምንባሩን ምስታ ቅድሜኣ ዝነበረት ሰሙን እንክነጻጸር ናይ 13% ወሰኽ ምርኣዩን ትማል ረቡዕ ዝወጸ ስታቲስቲክስ ኖርዌይ ኣመልኪቱ። ብመሰረት E24, እዚ ሓድሽ ክብረወሰን ዋጋ እዩ፡ ዋጋ ሳልሞን ሕጂ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ብ 72% ዝለዓለ እዩ። ዝሓለፈ ዝለዓለ ዋጋ ቀዳማይ ሰሙን 2020 ንሓደ ኪሎ 78.20 ክሮና ኖርዌይ እዩ ኔሩ። . …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com