Monday , May 6 2024

ውህደት

ኣብ ምንሽርታት በረድ ዝሳተፉ ካብ መንደራጋሕ ክጥንቀቑ መጸዋዕታ ቀሪቡ።

ኣብ እምባታት ሽወደን ኣብ ጸወታ ምንሽርታት በረድ ዝሳተፉ ዘበሉ ኣብዚ ወቕቲ ካብ ዘጋጥም መንደራጋሕ ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብሩ ሰብመዚ ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ለካቲትን ምጅማር ወርሒ መጋቢትን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንሰሙን ዝዕጸዋሉን ብዙሓት ስድራቤታት ንበዓላት ናብ ዓቐብ ዝበዝሖ ከባቢታት ከም ዝዛወሩን እቶም ሰብ መዚ ገሊጾም። ኣብ ምንሽርታት በረድ ዝዋፈሩ ሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ጸዳፋት ቦታታት ኣብ ፍሉጣት …

Read More »

ኣብ ማእከላይ ሽወደን ብዝወረደ ውርጪ ትራፊክ ተዓጊቱ።

ኣብ ማእከላይ ሽወደን ክሳብ 30 ሰንቲሚተር ዝኸውን ውርጪ ክወርድ እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉ ተገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ኡረብሮ፡ ቫስትራ፡ ኣፕሳላ ከምኡውን ስቶክሆልም ብርቱኻናዊ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ። ኣብ ማእከላይ ኡረብሮ ብስንኪ ውርጪ ዓበይቲ መካይን ተዓጊተን ጒዕዞአን ዘገምታዊ ክኸውን ምግዳደን ተመልኪቱ’ሎ። በዚ ድማ ኲሎም ህዝባዊ መጓዓዝያታት ክስረዙ እንከለዉ ኣብ ስቶክሆልም ከምኡውን ዞባታት ቫስትማላንድ ን ኣፕሳኣን ምዕጋት ትራፊክ ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። ብዘይካቲ …

Read More »

ኣህጉራዊ መዓልቲ ቛንቋ ኣደ ንመበል 22 ግዜ ተጸምቢሉ ።

ትማሊ  21 ለካቲት ኣህጉራዊ መዓልቲ ቛንቋ ኣደ ንመበል 22 ግዜ ተጸምቢሉ ኣሎ።ኣብ ገሊኡ ድማ ይጽምበል ክህሉ ትጽቢት ይግበረሉ።ኣብ ሕዳር 1999 ፡ውድብ ትምህርትን ስነ-ፍልጠትን ባህልን ዓለም ብዝወሰኖ መሰረት፡ካብ 2000 ዓመተ ምህረት ክብዓል ዝጀመረ መዓልቲ ቛንቋ ኣደ(Modersmål dagen)፡ወዲ ሰብ ብቛንቛ ኣዲኡ ከም ድሌቱ ክዛረብን ክጽሕፍን ንምዝኽኻር ዝዓለመ ኣህጉራዊ ጽምብል ኢዩ።2.3 ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ማለት 40% ብቛንቋ ኣዲኡ ክምሃር ዕድል ዘይረኸበ እዩ። …

Read More »

ኦስትራልያ ዶባታ ን ኣህጒራዊ በጻሕቲ ከፊታ።

ኦስትራልያ ንኽልተ ዓመት መመላእታ ተዓጽያ ድሕሪ ምጽናሕ ዶባታ ንኣህጒራውያን በጻሕቲ ከፊታ’ላ። እዚ ውሳነ ነቶም ምስ ስድራኦም ተፈላልዮም ዝጸንሑ ሰባት ዓብዪ ሓጎስ ፈጢሩሎ። ብዘይካዚ ጽላት ቱሪዝም ኣብ ምብርባር እውን ተወሳኺ ኣወኦታዊ ስጒምቲ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ኦስትራልያ ብምኽንያት ኮቪድ ካብ መጋቢት 2020 ኣትሒዛ ኣዝዩ ጽንኲር ናይ ጒዕዞ መምርሒታት ኣጽኒዓ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ኦስትራልያውያንን ካልኦትን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሕዞም ክምለሱ እኳ እንተተፈቒደሎም ወጻእተኛታት ግና …

Read More »

ንግስቲ ኤልሳቢጥ ብ ኮቪድ-19 ተለኺፋ።

ንግስቲ ኤልሳቢጥ ብኮቪድ-19 ከም እተለኽፈት ቤተመንግስቲ ባኪንሃም ገሊጹ። ፍዂስ ዝበሉ ምልክታት እቲ ሕማም ተርኢ ምህላዋ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ሳምንታት ኣብ ዊንድሶር ፍዂስ ዝበለ ዕዮታታ ክትቅጽል እያ ዝብል ውጥን ምህልዉ ወሲኹ ኣመልኪቱ። “ኣድላዪ ሕክምናን መምርሒታትን ምስዓብ ክትቅጽል እያ” ይብል እቲ ዜና። ኣብ ቤተመግሲ ባንኪንሃም ን ቦኽሪ ወዳ መፍስን ዌልስ ሓዊስካ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት በቲ ሕማም ከም እተለኽፉ ክግለጽ …

Read More »

ሓይልታት ሩስያ ኣብ ቤላሩስ ክጸንሕ ተነጊርዎ።

ወተሃደራዊ ልምምድ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ቤላሩስ ብሰንበት ክውዳእ እኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ቅልውላው ዩክሬይን እቲ ሰራዊት ኣብ ዘለዎ ክጸንሕ ከም እተነግሮ ተፈሊጡ። በዚ ድማ እቲ ሰራዊት ምስ ሰራዊት ቤላሩስ ብምዃን ተወሰኽቲ ልምምዳት ክገብር እዩ ክትብል ቤላሩስ ኣነጺራ’ላ። እዚ ውሳነ ነቲ ድሮ እናነሃረ ዝመጸ ቅልውላው ዩክሬይን ተወሳኺ ወጥሪ ዝፈጥር እዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ ኣለዉ።

Read More »

መራሒ ወረበላታት ሽወደን ን 18 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ቤት ፍርዲ ይግባይ ኣብ ውሽጢ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ቅትለት፡ ምዝውዋር ዕጸፋርስን ኣጽዋርን ተዋፊሩ ጸኒሑ ንዝበሎ መራሒ ወረበላታት ንንውሕ ዝበለ ማእሰርቲ ፈሪዱ። እዚ መራሒ መርበብ ቮርቢ ምንባሩ ዝተገልጸ መራሒ ወረበላታት ን 18 ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረድ ምዃኑ ቤት ፍርዲ ይግባይ ገሊጹ’ሎ። እቲ መራሒ ነቲ ዝተባህለ ገበናት ኣይወዓልኲዎን ክብል ናይ ክሕደት ቃሉ ክህብ ምጽንሑ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። እዚ መጋባእያ ኣብ ታሪኽ ሕጊ ሽወደን …

Read More »

ዜና ሃርሞኒ / Harmony News 18 02 2022

7

Read More »

ሽወደን ኣምባሳደራ ካብ ኪዬቭ ጸዊዓ።

ብሰንኪ ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ጸጥታዊ ወጥሪ ሽወደን ንገለ ኣባላት ኤምባሲኣ ካብ ኪየቭ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጌራ። “ብሰንኪ ጽንኲርን ክትንበዮ ዘሸግርን ጸጥታዊ ኲነታት ኤምባሲና ኣባላቱ ካብ ኪዬቭ ከጒድል ወሲኑ’ሎ” ክትብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ገሊጻ’ላ። ቤተሰብ እቶም ኣባላት ኤምባሲ ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ ዝገብሮ ጻውዒት ድሮ ናብ ሽወደን ተመሊሶም ኣለዉ። ንምዕባለታት እቲ ከባቢ ብኣንክሮ ይከታተሎ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ ብዘይካ …

Read More »

ኢንዱስትሪታት ብ ናህሪ ዋጋ ሞተረ ዲዝል ይጥቅዓ።

ኣብ ሽወደን ዋጋ ነዳዲ ሞተረ ዲዝል ብቕልጡፍን ዘይነዓቕን መጠን ክውስኽ ምጽንሑን እዚ ድማ ብ ሓይሊ ሞተረ ዲዝል ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ኣብ ዝግልገላ ቢዝነሳት ጸቕጢ ፈጢሩ ምህላዉ ተገሊጹ። በዚ ድማ ሚኒስተር ጒዳያት ገጠር ኣና-ካረን ሳዘርበሪ ኣብ ኩባንያታት ሕርሻን ፍሩስታለን ንዝውዕል ዲዝል ዝስላዕ መጠን ቀረጽ ክጐድል እማመ ኣቕሪባ’ላ። ዋጋ ነዳዲ ዲዘል ካብቲ ዓሚ ዝነበሮ ብ 40% ብምውሳኹ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ኣብ ዓብዪ ጸቕጢ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com