Friday , May 17 2024

ውህደት

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ 5

ዝኸበርካ ኣቦይ ዓዲ ከመይ ኣሎ፡ ዝዓበየን ዝነኣሰን? ኣቦ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝነገርኩኻ፡ እዛ ዘለኹዋ ገዛ ናይ ሰላም ገዛ ክትኮነለይ እምነ፡ ከመይሲ እቶም ናይቲ ገዛ ብጾተይ ዘይኮኑስ፡ እቶም ኪበጽሑ ዝመጹ እዮም ገዲዶምኒ ዘለዉ። ቀዳመሰንበት፡ ነቲ ናይጀርያዊ ኪበጽሕ ዚመጽእ መንእሰይ ኣሎ። ባዕሉ ናይጀርያዊ እዩ፡ ናይ ጥንቆላ ነገራት ድማ ይፈቱ። ሚግረሽን ጌና ስለ ዘይተቐበሉዎ፡ ናብ ዓዱ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ጸላም ደርሆ ሓሪዶም ኣብቲ ኣፍደገ ገዝኡ …

Read More »

ሃገር ሽወደን 5000 ናይ ክዎታ ዕቝበኛታት ንኽትወስድ ትውስን

ካብ 1990 ጀሚሩ እቲ ዝለዓለ ክዎታ ሎሚ ዓመት እዩ። ኣብ 2018 ሃገር ሽወደን ክሳዕ 5000 ስደተኛታት ክትቅበል እያ። እቲ ስራሕ ከምቲ እተመደቦ ይካየድ ኣሎ። ክሳዕ ሕጂ እቲ ቝጽሪ ናብ 4000 በጺሑ ኣሎ፡ ክሳዕ ሕዳር ድማ ናብ 5000 ኪበጽሕ እዩ። ከምቲ ሚግረሽን ኣቐዲሙ ዝበሎ ሃገር ሽወደን ንምቕባል ክዎታ ስደተኛታት ብዚምልከት ኣብ ዓለም ሳልሰይቲ እያ። እቲ ክዎታ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ካብ 1900 …

Read More »

ኣብ መላእ ዓለም ሕማም ኣእምሮ ይሰፍን ኣሎ

ኣብ መላእ ዓለም ቍጽሪ ናይቶም ብሕማም ኣእምሮ ዚሳቐዩ ይልዕል ኣሎ። ኣብ መንጎ 2010-2030 ዘሎ ግዜ፡ እዚ ጸገምዚ ነቲ ዓውለማዊ ቁጠባ 16 ቢልዮን ዶላር ኪሳራ ከምጽኣሉ እዩ፡ ማለት ኣስታት 145 000 ሚልያርድ ክሩነር። ካብቲ እተባህለ ብዝሒ ገንዘብ፡ ንሕክምናን ንመድሃኒትን ዚሃልኽ ወጻኢታት እዩ። እዚ ቀጥታዊ ኪኸውን ከሎ፡ ዘይቀጥታዊ መገዲ ድማ ጸገማት ፍርያትን፡ ናይ ማሕበራዊ መነባብሮ ሓገዛትን መጠን ኣባላት ፖሊስን ክብ ኪብል እዩ፡ …

Read More »

ደንማርክ ክትኣቢ ኸላ፡ ኖርወይ ግን ብዙሓት ናይ ክዎታ ስደተኛታት ክትቅበል ኣሚማ ኣላ

ኣብ ዝመጽእ ዓመት፡ ኖርወይ 3000 ናይ ክዎታ (ሓንቲ ሃገር ክትቅበሎ ዘለዋ ምዱብ ብዝሒ) ስደተኛታት ክትቅበል እያ። እዚ ድማ ነቲ መንግስቲ ኣብቲ ሰኑይ ዚካየድ ንቀውዓዊ ባጀቱ ዝቐረበ እማመ እዩ። እዚ እማመዚ እንተ ደኣ ሓሊፉ፡ እታ ሃገር ምስቲ ኣብ 2018 ዝነበራ ምቕባል ስደተኛታት ክብ ኪብል ኣዩ። ኣብቲ ዓመት’ቲ 2120 ዕቝበኛታት ጥራይ እያ ተቐቢላ ነይራ። እቲ ቅድሚ ዓመት ይገብር ዝነበረ ናይ ሆይረን ናይ …

Read More »

ሽወደናውያን ብዓይኒ ኣማኑኤል ሳህለ ካልኣይ ክፋል

ብቐዳምነት ብዛዕባ ፍልጠት ሽወደንን ህዝባን ብዝምልከት ክልተ ዓይነት ኤርትራውያን ከተለሊ ትኽእል ኢኻ፡፡ እቶም ቀዳሞት ኣብ 1950ታት ኣብ ኣስመራ ዝነበራ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን ሽወደናውያን ዝተማህሩ  እዮም፡፡ እቶም ካልኦት ከኣ ኣብአን ዘይተማህሩ፡፡ ኣነ ንባዕለይ ካብቶም ኣብአን ዝተማህሩ እየ፡፡ ግና ኣብዚ ጽሑፍ ነቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ጥራይ ኣብ ግምት ብምእታው ክቐጽል እየ፡፡ ንሽወደን ብኣካልን በወረን እየ ዝፈልጣ፡፡ ወላዲተይ ኣብ ወንጌላዊ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ሽወደን …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ Brev till mitt land (ንመዘናግዕን ንመምሃርን) ቁ. 4

ዝኸበርካ ኣቦይ፥ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ፡ ናብ ካልእ ካምቢ ወሲዶምኒ። ግን ባላሶ እምበር ካምቢስ ኣይኮነን። እተን ናብኡ ዝወሰዳኒ፡ ናይቲ ሚግረሽን ሰራሕተኛታት እየን። ብእንግሊዝ እናተዛረባ ክሳዕቲ ካምቢ ምስ ወሰዳኒ፡ ብሓደ ዄንና ናብቲ ኣፓርትማ ደዪብና። ኣብ ኢደይ ባልጃይን ሓንቲ ጥቕልልቲ ፍርናሽን ነይራ። ኣብኡ ምስ ኣብጽሓኒ፡ ሓድሓደ ምኽርታትን ለበዋን ሂበን ገዲፈናኒ ተዓዚረን። ነቲ ክፍልታት በብሓደ እናኸፈትኩ እንተ ረኣኹ፡ ሰብ የብሉ ኦም የብሉ። ናበይ ደኣ …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ Brev till mitt land (ንመዘናግዕን ንመምሃርን)

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቁ. 3                                                                 ብኣማኑኤል ሳህለ ሓበሬታ፥ ሽሕኳ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ኢመይል ወይ ፈይስቡክ ወይ ሞባይል/ቫይበር ብምጥቃም ምስ ቤተሰቦም ዝራኸቡ እንተ ኾኑ፡ እዚ ዓምድ’ዚ ግን …

Read More »

መጽናዕቲ፥ ናይ ወለዲ ሞባይላዊ ወልፊ ምስቲ ናይ ህጻናት ናይ ጠባይ ጸገማት እተኣሳሰረ እዩ

ብመሰረት ምርመራዊ መጽናዕቲ፡ ንሞባይል ካብ ኣእዛኖም ዘየልግሱ ወለዲ፡ ጠባይ ዘይብሎም ህጻናት እዮም ዘፍርዩ። እቲ ናይ ወለዲ ምስ ደቆም ዚህሉ ትሑት ምዕላል፡ ኣብቶም ህጻናት ናይ ዘረባን ቋንቋ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ብኒኖስ ሃምራ 24 መስከረም 2018  ተሓቲሙ። እቲ መጽናዕቲ ን183 ወለዲ ተኸታቲሉ፡ ኣብዚ ድማ 40 ሚእታዊት ኣደታት፡ 32 ሚእታዊ ኣቦታት ንሞባይላቶም ዓቢ ትዅረት ከም ዚህቡ ተኣሚኖም፡ ናይ ሚሺጋን ዩኒቨርሲቲን ናይ ኢሊኖይ …

Read More »

ሰልፊ ዕዮ ዓባይ ብሪጣንያ ሓድሽ ምርጫ ይደሊ – ከምኡውን ረፈረንድም

ብሪጣናውያን ከም ብሓድሽ ብዛዕባ ብረክሲት ኪውስኑ ዲዮም?” ወይስ በቲ ካልእ ኣማራጺ ብምኻድ ነቲ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘውጽኣ ፍትሕ ደው ከብሉዎ እዮም? ። እዚ እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብቲ ናይ ሊቨርፑል ኣኼባኡ ኪፈትሖ ዘለዎ ዓቢ ብድሆ እዩ። ዓባይ ብሪጣንያ ካብቲ ኤ.ሕ ንኽትወጽእ ፍርቂ ዓመት ተሪፉዋ ኣብ ዘላትሉ ግዜ ኣብ ቀውሲ እያ እትርከብ ዘላ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተረዛ መይ ከመይ ኢላ ከም …

Read More »

ጸጋማይ ሰልፊ ምስ ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና SD ሕጹይ ፕረሲደንት ይበኣስ

ፖለቲካ TT ጸጋማይ ሰልፊ ነቲ ናይ ባይቶ ካልኣይ ምኽትል ፕረሲደንት ቦታ ንምውሳድ ምስ ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና SD ሕጹይ ፕረሲደንት ይቃለስ። ዮናስ ሸስተድ ንማእከላይን ንሊበራልን ሰልፍታት፡ ነቲ ናይ ጸጋማይ ሕጹይ ኪመርጹ ይምሕጸን። ዮናስ ሸስተድ ኣብቲ ምስ ጋዜጣ ዝገበሮ ዝርርብ፡ እቲ ጸጋማይ ሰልፊ ነቲ ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና ብዮርን ሶደር ከም ናይ ባይቶ ምክትል ፕረሲደንት ከም ዘይቅበሎ ሓቢሩ። ከም ልሙድ፡ እቲ ሳልሳይ ዝዓበየ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com