Sunday , May 19 2024

ዜና

ስቶክሆልም፡ ጥቓ ህንጻ ባይቶ ሓደ ሬሳ እናተንሳፈፈ ተረኺቡ።

ፖሊስ ስቶክሆልም ነቲ ኣብ ማእከል ከተማ ስቶክሆልም ጥቓ ህንጻ ባይቶ ዝተረኽበ ሬሳ ኣመልኪቶም መርመራ የካይዱ’ለዉ። ጥቓ ህንጻ ባይቶ ኣብ ዝርከብ ማይ ዘንሳፍፍ ኣካላት ሰብ ድሕሪ ምርኣዮም፥ ትማሊ ሰኑይ ሰዓት 9.30 ቅድሚ ቀትሪ ፥ መሰኻኽር ዓይኒ ናብ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ጻውዒት ምግባሮም ህዝባዊት ሬድዮ ፒ 4 ስቶክሆልም ጸብጺባ። ኣፈኛ ፕረስ ፖሊስ ስቶክሆልም ንጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ታብሎይድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “መዋቲ ሰብኣይ እዩ” …

Read More »

ሳፖ፡ “ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ካብ 5 ነጥቢ ኣብ 3 ይርከብ”

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ናብ ሽወደን ንዝገሹ ዜጋታቱ ኣመልኪቱ ዝጸንሐ ናይ ጒዕዞ ምኽሪ እኳ እንተቐየሮ፡ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን ሽወደን (Säpo) ግና፡ እቲ ሃገራዊ ስግኣት መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ካብ ሓሙሽተ ደርጃ ኣብ ሰለስተ ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ፥ እዚ ድማ ካብቲ ዝነበሮ ይወስኽ እምበር "ልዑል" ዝበሃል ከም ዘይኮነ ኣስሚሩሉ። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሽወደን ድሕሪ ዝተኻየደ ምቅጻል …

Read More »

ተቓወምቲ ሰልፍታት ሽወደን፡ ን ኣቦ መንበር ኮሚተ ፍትሒ ባይቶ–ሪቻርድ ጆምሾፍ– ይኸሳ።

ኣርባዕተ ተቓወምቲ ሰልፍታት ሽወደን፡ ን ኣባል ሰልፊ ዴሞክራትና ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ኮሚተ ፍትሒ ባይቶ ሽወደን ሪቻርድ ጆምሾፍ ብዝምልከት ድምጺ ክወሃበን ጠለብ ከቕርባ እየን። ሰልፊታት ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ጸጋማይ፡ ሓምላይን ማእከልን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሪቻርድ ጆምሾፍ ኣብ ወቕቲ ዊንተር ዝተኻየደ ምቅጻል ቁርኣን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶታት፡ ንሽወደን ሃስያ ዘውርድ እዩ ብምባል እየን እዚ ናይ ድምጺ ጠለብ ዘቕርባ ዘለዉ። እተን ውድባት፡ ጆምሾፍ ኣቦ መንበር …

Read More »

ምምሕዳራት ከተማ ጽንኩር ኩነታት ክሊማ ንምምካት ዘለወን ድሉውነት ዓብዪ ፍልልይ ኣለዎ ተባሂሉ።

ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፥ ሃንደበት ዝኽሰት ጽንኩር መሸንቦባ ዝናብ ንምምካት፥ ክሳብ ክንደይ እዂል ምድላው ጌረን ኣለዋ ኣብ ዝብል ሕቶ ካብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ናብቲ ካልእ ዓብዪ ፍልልይ ከም ዘሎ፥ ኣብ ምምሕዳራ ከተማ ሽወደን ክፍልታት ማይ፥ ከምኡ’ውን ምውጋን ፈሳሲ ኩባንያታት ዝሰርሕ “ማሕበር ስቨንስክት ቫተን” ሓቢሩ። ነዚ ሓደጋ ንምምካት እንታይ እንተተግብረ ይሓይሽ ኣብ ዝብል ዝሓሸ ውጥን ዘለወን ከምኒ ዮተቦሪ ዝኣመሰላ ምምሕዳራት ከተማ ከይተረፋ፡ …

Read More »

ገንዘባዊ ሓገዝ ዝወስዱ ሰባት ብቚጽሪ ኣዝዮም ይንክዩ።

ካብ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ገንዘባዊ ሓገዝ ዝረኽቡ ሰባት፥ ከም ሎሚ ጌሮም ውሒዶም ከም ዘይፈልጡ፥ ሓድሽ ኣሃዝ “ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን” ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ገንዘባዊ ሓገዝ እተገብረሎም ሰባት፥ 110 ሽሕ ጥራይ እዮም። እዚ ርኡይ ምንካይ፡ መን ሓገዝ ክረክብ ይግባእ ኣብ ዝብል ሕቶ ብዝተገብረ ጽኑዕ ሕግታት ዝመጸ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ብሰንኪ ስክፍታታት መስርሕ ምጽዳቕ ከኣ፥ ውሑዳት ሰባት ጥራይ የመልክቱ ከም ዘለዉን፥ …

Read More »

ሽወደን ኣብ ርብዒ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ ዓለም ንጃፓን 2 ብ 1 ረቲዓታ።

ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኒውዚላንድ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ፥ ሽወደን ን ጃፓን 2 ብ 1 ስዒራ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ’ላ። በዚ ድማ፥ ኣብ ዝመጽእ ጸወታ ሽወደን ምስ ስፔይን ክትገጥም ኢያ። እዚ ጸወታ ብኣቆጻጽራ ሽወደን ሰዓት 9.30 ቀዳም ንግሆ እኳ እንተ ተጀመረ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ደገፍቲ ሽወደን ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ኣብ ሞሰባ ከተራሰን ኣብ ክፉት ኣየር ኣብ ዝርከብ ባር፥ ነቲ ጸወታ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት -11-08-2023

https://youtu.be/k-lJ9CQwhXw

Read More »

ጀርመናዊ በዓል ስልጣን ንሩስያ ሚስጥራዊ ሓበሬታ ብምትሕልላፍ ተኸሲሱ።

ካብ ጀርመን ናብ ሩስያ ሚስጢራዊ ሓበሬታ ብምትሕልላፍ ዝተኸሰሰ በዓል ስልጣን መንግስቲ፥ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እቲ ሰብኣይ፥ ሕጊ “ዕቃበ ብሕታዊነት” ጀርመን ንዘይምጥሓስ፥ ንግዜኡ “ቶማስ ኤች” ተባሂሉ ተሰይሙ’ሎ። ተኸሳሲ፥ ወተሃደራዊ መሳርሕታትን ቴክኖሎጂ-ሓበሬታን ኣብ ዝምልከቱ ጒዳያት ኣብ ዝነጥፍ ቤት ጽሕፈት እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ብናይ ገዛእ ርእሱ ተበግሶ ናብቲ ኣብ በርሊን ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ ከተማ ቦን ናብ ዝርከብ ቆንስልን ብምኻድ፥ ስለያዊ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 11-08-2023

Read More »

ኮሚሽን ሓቂ ንህዝቢ ሳሚ ብዛዕባ ሕሉፍ በደላት ፍልጠት ንምዝርጋሕ ዝደሊ

  ኣብ ልዕሊ ደቀባት ሳሚ ኣብ ገለ ክፋል ኖርወይ፡ ሽወደን፡ ፊንላንድን ሩስያን ዝዝርጋሕ ሰፊሕ መሬት ዝፍጸም ዘሎ ታሪኻዊ በደል ዝምርምር ሓደ “ኮሚሽን ሓቂ” ቆይሙ ። እቲ ኮሚሽን፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ፖሊሲታት ሽወደን ኣብ ሽወደን ንዝነበሩ ዓሌት ሳሚ ብኸመይ ከም ዝጸለዎምን፡ እቲ ጽልዋ ብቐጻሊ ኸመይ ይትንክፎም ምህላዉን ንምብራህ ዝዓለመ እዩ። "ኣብ ዲሞክራሲ፡ ብዛዕባ ሓደ ዝተወሰነ ጉዳይ ዝኾነ ነገር እንተዘይፈሊጥካ፡ ከመይ ጌርካ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com