Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ኣብ ኣገልግሎት ሽቕለት(arbetsförmedlingen) ዝምዝገቡ ብዕጽፊ ይውስኽ።

ኣብ ኣገልግሎት ሽቅለት ዝምዝገቡ ሰባት ብዕጽፊ ወሲኾም። ድሕሪ ምኽሳት ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣገልግሎት ሽቅለት ሽወደን ዝተመዝገቡ ሰባት ቊጽሮም ብዕጽፊ ምውሳዂ ጸብጻባት SVT ኣመልኪቶም። ዝሓለፉ ሳምንቲ ልዕሊ 14200 ሰባት ኣብ ዝርዝር ደለይቲ ስራሕ ምጽንባሮምን ጸኒሕ ቊጽሪ ኣብ ሰሙን ብ 2000 ክውስኽ ምጽንሑን SVT ገሊጹ’ሎ። ብሓጺሩ ኣብዚ ዓመት ዕጽፊ ካብቶም ዝነበሩ ደለይቲ ስራሕ ምምዝጋቦም ድማ ተሓቢሩ’ሎ።

Read More »

ቑጠባ ሽውደን ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ብ ከቢድ ይህሰ ከምዘሎ ይሕበር።

ቊጠባ ሽወደን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ብሓያል ተጸልዩ እንሃለወ ኣብዚ ወርሒ ካብ ስራሕ ምድስካል ብናህሪ ይረአ ምህላዉ ተገሊጹ።፡ ሓላፊት ኣገልግሎት ሽቕለት ማርያ ሚንድሃመር መንግስቲ ንዘሎ ምቊራጽ ስራሕ ከድሕኖን ማዕከን ሽቕለት ከይብደልን ስጒምቲ ክወስድ ተስፋ ከም ዘለዋ እውን ገሊጻ’ላ። ዛጊት 36 ሽሕ ሰባት ካብ ስራሕ ከም ዝደስከሉን ፍርቆም ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ከም ዝተፋነዉ ድማ ተገሊጹ።

Read More »

ሰልፊ ሞደራትና ን ኣብ ክፍሊ ጥዕና ዝሰርሑ ተወስኺ ገንዘብ ክወሃቦም ይሓትት።

ሰልፊ ሞድራትና ንሰራሕተኛታት ጥዕና ብውሑዱ 5000 ክሮና ሽወደን ብመልክዕ ተወሳኺ ሓገዝ ክህብወን ከም ዝደልዩ ገሊጾም ክትብል ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። “እቲ ስራሕ ክሳብ ክንደይ ጽንኲር ምዃኑ ከም እንርዳእ ኣፍልጦ ክንህቦ ድሌት ኣሎና” ክትብል ኣፈኛ ፖለቲካል ኤኮኖሚ እቲ ሰልፊ ኤልሳቤጥ ስቫንተሰን ምግላጻ እታ ጋዜጣ ሓቢራ። መንግስቲ ኣብ ክንክን ጥዕና፥ ኣባይቲ ሽማግለታትን ኣምቡላንስን ንዘለዉ ፍሉይ ኣቓልቦ ብምግባር ፋይናንሳዊ ሓገዛት ክገብር ድማ ጸዊዓ’ላ።

Read More »

መምርሒ ምትእኽኻብ 50 ሰባት ንዝበሃል ፖሊስ ሽወደን ተወሳኺ መብርሂ ሂብሉ።

መንግስቲ ሽወደን ኣቐዲሙ ንብዝሒ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ኣመልኪቱ ልዕሊ 50 ሰባት ንኸይእከቡ ዝኽልክል መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ፖሊስ ሽወደን ነዚ መምርሒ ኣብ ምትግባሩ ክቛጻጸር ምሉእ ሓላፍነት ብመንግስት ተዋሂብዎ ኣሎ። ዝኾነ ህዝባዊ ምትእኽኻብን ፍሉያት ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትን ፋሕ ከብልን ናይ ደው ምባሉ (ምቁራጹ) መሰል ከምዘለዎ ተፈሊጡ ይርከብ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ፖሊስ ሽወደን ነዞም ዝስዕቡ መብርሂታት ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ህዝባዊ ምትእኽኻባት ዝበሃሉ፣ • ብዛዕባ ውልቃዊ …

Read More »

ከተማ ስቶክሆልም ከቢድ ስግኣት ለበዳ ይጽበያ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ቆንስል ዞባ ብዛዕባ እዚ ቅልውላው ኣመልኪቱ “ደልሃመት ዝመልኦ ግዜ እዩ ዝጽበየና ዘሎ ኢሉ”። ኣብ ዝመጽእ ሳምንቲ ህዝቢ ስቶክሆልም” ጸልማት መዓልታት” ክህልዋኦ እየን ክትብል ሓላፊት ቆንስል ዞባዊ ፋይናንስ ኣይሪን ስቨኖይስ ኣብ ሆስፒታል ኣልቭስዮማሰን ኣ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። ኣብ ዝቕጽል ሾብዓተ መዓልታት ስሩዕ ሕክምና ሆስፒታላትን ጽዑቕ ሕክምናን ብዕጽፊ ምዕባዩን ሕክምና ዓቕሙ ክውስኽ ምግባሩን ተገሊጹ። ኣብ ዝመጻ ሳምንቲ ዓቕምና ብሰለስተ ዕጽፊ ከነዕብዮ …

Read More »

ፖለቲከኛታት ሽወደን ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ብ ኣብልከሽን ክከታተልዎ ይደልዩ።

ሚኒስተር ዲጂታላይዜሽን ናይ ቴሌፎን ምክትታል ክግበር ከም ዝድግፍ የፍልጥ። ፖለቲከኛታት ሽወደን ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ብሞባይል ብዝርከብ ዳታ ጌሮም ክከታተልዎ ከም ዝደልዩ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ንኣብነት እቲ ንይ ሞባይል ዳታ ክንደይ ሰባት ካብ ሽወደን ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ብምኽንያት ፋስጋ ወጺኦም ንምክትታል ክሕግዝ ይኽእል እዩ።፡ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ነዚ ጒዳይ ኣመልኪቱ ምስ ሸሞንተ ኦፐሬተራት ሞባይል ይዘራረብ ምህላዉን መንግስቲ ሽወደን ገና ብዛዕባዚ ኲነታት ከም …

Read More »

Swedish News in tigrigna – ዜና ሽወደን ብትግርኛ 30 መጋቢት 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ኣርእስታት ዜና፡ 1. ኣብ ሽወደን ግዚያዉያን ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ስራሕ ይረኽቡ ከምዘሎዉ ተፈሊጡ። 2. 6500 ወለንተኛታት ሰብ ሞያ ሕክምና ንዘሎ ሕጽረት ሰብ ሕክምና ክሕግዙ ከምዝተመዝገቡ ተሓቢሩ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ።

Read More »

ቁጽሪ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት 146 በጺሑ::

ኣብ ሽወደን ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ብዝሖም ናብ 146 ክበጽሕ እንከሎ እቶም 88 ካብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ምዃኖም ተሓቢሩ። ኣብ ሽወደን ክሳብ ሕጂ ብክሮነ ቫይረስ ተለኺፎም ዘለዉ ሰባት ብዝሖም ልዕሊ 4000 ክበጽሕ እንከሎ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ምክትታል ዝርከቡ ድማ ልዕሊ 300 ከም ዝበጽሐ ተመራማሪ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ኣንዲሽ ቲግኒል ሓቢሩ። ንበዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ሽወደናውያን ካብ ዝምድብዎ መገሻ ንኽቑጠቡን ነቲ ኣብ …

Read More »

ቦርድ ኢመግሬሽን ለበዳ ኮሮን ንምዕጋት መርመራ ሓተትቲ ዕቚባ ምቊራጹ ገሊጹ።

ቦርድ ኢመግሬሽን ብዙሓት መደባት ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ክቋረጹ ይገብር ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ። ውሕስነት ሓትተቲ ዕቚባ ንምዕቃብን ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምቊጽጻርን ብተጠንቀቕ ይከታተል ምህላዉ ድማ ሓላፊ ፕረስ እቲ በዓልመዚ ፐር ኤክ ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ግና እዚ ስራሕ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ክወስድ ምዃኑን ኣፋዊ መርትዖታት ሓተትቲ ዕቚባ ምእካብ ከም ዘየቋርጽን እዚ ድማ ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ንምንካይ ተባሂሉ ዝውሰድ ዘሎ ስጒምቲ ምዃኑ ገሊጹ። ብሓጺሩ …

Read More »

ከተማታት ሽወደን ብዝጥዕም መንገዲ ክዕጸዋ ከምዝኽእላ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን የተንብህ።

ሎቪን፡ ንዓና ዝሰማማዕን ከነትግብሮ እንኽእልን ውሳነታት ኢና ነመሓላልፍ ከም ኖርወይ ዝገበረቶ መንግስቲ ሽወደን ውን ንከተማታት ሽወደን ክዓጽወን ከምዝኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስተፋን ሎቪን፡ ሎሚ ቀዳም ምስ ተለቪዥን TV4 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ። ንምምሕዳር ስቶክሆሎም ንምዕጻው ዝተመሓላለፈ ውሳነ ክሳብ ሎሚ የለን። ከምዚ ዓይነት ውሳነ ንምትግባሩ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ብሰሜን ካብ ዶቦት ኦብሳላ ዝጅምር ኮይኑ፡ ክሳብ ሶደርታልያ ሓሊፍካ ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com