Friday , May 17 2024

ምክልኻል ኮረና

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ብመገዲ ዲጂታላዊ መራኸቢ ምስ ሓካይም ምርኻብ እንዳዓበየ መጺኡ።

ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዝፈጠሮ ዝይንቡር ኩነታት ሰባት ምስሓኻይሞም ብመገዲ ዲጂታላዊ መራኸብታት ዝገብርዎ ዘሎዉ ርክብ እንዳዓበየ ምምጽኡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ብመሰረት እቲ ጸንብጻብ እተን በዚ መገዲ እዚ ኣገልግሎ ዝህባ ማእከላት ጥዕና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ቁጽሪ ጠጠቀምቲ ከምዝበዝሑወን ይሕብራ። ብመገዲ ቪድዮ ቆጸራ ብማሓዝ ምስ ሓካይምካ ምርኻብን ኣገልግሎት ጥዓና ምርካብን፣ ልሙድ እኳ ኮይኑ እንተጸንሐ ሕጂ ግን ቁጽሪ ተገልገልቲ ብ 66 ሚእታዊት ምዕባዩይሕበር። ምስኡ …

Read More »

በዓል መዚ ኢመግረሽን ንዝርጋሐ ኮሮና ዝቕይድ ስጉምቲ ይእውጅ።

ቤትጽሕፈት ኢመግረሽን ነቶም ኣብ ስግኣት ዓንኬል ዚርከቡ (ሽማግለታትን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን) ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ፍሉይ ገዛ ከቐምጦም መዲቡ ኣሎ፡ ነዚ ስጉምቲ ዚወስዶ ዘሎ ድማ ኣብቶም ጠየቕቲ ዑቕባ ዝርጋሐ ኮሮና ንምዕጋት እዩ። በዚ ሓበሬታ መስረት ኣስታት 15 ሽሕ ኣብ ናይ ኢመግረሽን ገዛውቲ ኪቕመጡ ከለዉ፡ 21 ሽሕ ድማ ኣብ ናውልቖም ይነብሩ ከምዘለዎ ይሕበር።   የን ሶርማን፡ ሓላፊ ገዛውቲ ሚግረሽን፡ እቲ ምምሕዳር ብዚከኣል …

Read More »

ዮቶቦሪ፡ ቁጽሪ ልኹፋት ቫይረስ ኮሮና ብናህሪ ይውስኽ።

ኣብ ምምሕዳር ቨስትራ ዮትላንድ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ይውስኽ ምህላዉን ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ዓቢ ዝላ ከምዘርእየን ይኹን እምበር እቲ ወሰኽ ከምቲ ኣብ ስቶክሆሎም ዝረአ ዘሎ ከምዘይኮነ ሓላፊ ምቁጽጻር ለበዳ እቲ ምምሕዳር ቶማስ ቫልበሪ ሓቢሩ። ኣብዚ ምምሕዳር ካብ ዝተራእየ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ወሰኽ ልኹፋት ቫይረስ ካብ 30 ክሳብ 60 ሰባት ነይሮም። መብዛሕተኦም ካብ ከተማ ዮቶበሪ …

Read More »

ቲግኒል፡ ስቶክሆሎም ድሕሪ ጣልያንን እስፓኛን ኣይትስራዕን እያ ይብል።

ኣብ ጣልያንን እስፓኛን ቅልጡፍ ዝኾነ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ድሕሪ ምግጣሙ ዝተራእዩ ተርእዩታት ኣብ ስቶክሆሎም እቲ መስርሕ ለባዳ ቀስ ኢሉ ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ምዃኑን ከም ኣብዘን ሃገራት ዘጋጠመ ኩነታት ከምዘየጋጠመን ብምብራህ፡ ህዝቢ ግን ነዚ ጉዳይ ከም ውሑስ ከይወሰደ እቲ ዝዋሃቦ ምኽርታት እናተግበረን መሰረታውያን ናይ መከላኸሊ ቅጥዕታት እናፈጸመን ክቕጽል ከምዘለዎ ክብል ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ገሊጹ። ሃገራት ጣልያንን እስፓኛን ቁጽሪ ናይቶም …

Read More »

መምርሒታት ጥዕና ዝጠሓሳ ቤት ምግብን መስተን ክዕጸዋ ምዃነን ተሓ።

ንለበዳ ቫይረስ ኮኖና ንምቁጽጻር ዝምልከቱ ብኣገልግሎት ጥዕና ዝወጹ መምርሒታት ዝጠሓሳ ቤት ምግብታትን ሆቴላትን ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክውሰደለን ምዃኑ ሓላፊት ማሕበር ቤት ምግብታትን ሆቴላትን ዝኾነት ሞሊን ኣኮልት ኣጠንቂቓ። ገለ ቤት ምግብታት ነቲ ብኣገልግሎት ጥዕና ዝተዋህበ ጣውላታት ኣረሓሒቕካ ኣገልግሎት ምሃብ ዝብል መምርሒ ብምጥሓስ ይሰርሓ ከምዘለዋ ሬድዩ ኢኮት ሎሚ ሓቢሩ። ዝተዋህበ መምርሒታት ብምጥሓስ ንዓማዊል ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣገባብ ኣገልግሎት ምሃብ ቅቡል ከምዘይኮነ ኣድላይ …

Read More »

ኣብ ሽወደንካብ ዓሰርተ ሰባት እቶም 9 ምልክታት ቫይረስ ኮሮና ከምዘየርእዩ ተገሊጹ።

ኣማኻሪ ተላባዕቲ ሕማማት ኣንዲች ቲግኔል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ካብ ዓሰርተ ሰባት እቶም 9 ምልክታት ቫይረስ ኮሮና ኣየርእዩን እዮም ኢሉ። “እዚ ብብዙሕ መጽናዕቲታት ዝተረጋገጸ እዩ” ክብል ቲግኔል ንተሌቪዥን SVT ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። በዚ ድማ ሰባት ምምርማር ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጒምቲ እዩ ክብል ድማ ኣስሚሩሉ። እዚ ይዂንምበር ኲሎም ሰራሕተኛታት ሕክምና ክምርመሩ ኣለዎም ንዝብል ሓሳብ ከም ዘይሰማማዓሉ ኣፍሊጡ። ብመሰረር ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ኣብ …

Read More »

ሰራሕተኛታት ጥዕና ዝኾነ ምልክት ዘይብሉም ናይ ኮቪድ-19 ልኽፈት ተራእዩዎም።

ኣብ ናይ ሊንሾፒንግ ዩኒቨርሲቲ 50 ካብቶም ሰራሕተኛታት ብኮቪድ-19 እተለኽፉ ኮይኖም ተረኺቦም። ገሊኣቶም ምንም ምልክት ሕማም የብሎምን። እቲ ሆስፒታል ገለ ናይ ኮቪድ-19 ሕሙማት ምስ ረኸበ፡ ንኹሉ ሰራሕተኛ ኪምርምር ወሲኑ። ፍርቆም ድማ ተለኺፎም ጸኒሖም፡ ካብዚኣቶም ድማ ካብ 5 ክሳዕ 10 ምልክት ኣይተራእዮምን፡ ወይ ድማ ንእሽቶ ሕማም ርእስን ናይ ኣፍንጫ ጸረርታን ጥራይ ነይሩዎም። ስለዚ ምልክታት ጥራይ ዘይኮነ ክንርኢ ዘሎና፡ ከም ዚከኣለና ማሕበራዊ ምፍንታት …

Read More »

ኣብ ሽወደን ዘሎ ለበዳ ንምክትታል ናይ ሞባይል ዳታ ኣብ መዓላ ክውዕል እዩ።

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝርግሔ ኮሮኖ ቫይረስ ንምፍላጥ ምንቅስቓስ ምእካብ ዳታ ሞባይል ናይ ምዝርጋሕ ስርሑ ሕጂ ምጅማሩ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ። በዚ ድማ ሽወደናውያን ዝገብርዎ ምንቅስቓሳት ምስ ምስፍሕፋሕ እዚ ሕማም ዘለዎ ርክባት ንምርካብ ብእኡ ኣቢልካ ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ስጒምቲታት ሓበሬታ ንምእካብ እዩ።

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ዕላምኡ ንመኸተ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝዉዕል ተወሳኺ ስልጣንን መዝነትን ይረኽብ።

መንግስቲ ሽወደን ዕላምኡ ንመኸተ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝዉዕል ተወሳኺ ስልጣንን መዝነትን ብሕጊ ክዋሃቦ ዘኽእሎ ስምምዕ ተበጺሑ፣ ብመሰረት መሰረታዊ ሕገ መንግስቲ፣ ኣብ ሽወደን መንግስቲ ዘሎዎ ስልጣን ሓላፍነትን ብሕግን ትእዛዝን ባይቶ ሃገር ከምዝምእከልን፣ ኣብ እዋን ህጹጽ ሓደጋ መንግስቲ ብዛዕባ ክወስዶ ዝኽእል ስጉምትታት ብሙሉእነት ዝኸልእ ከምዝጸንሐን፣ ሕጂ ግን ብግዚያዉነት ንህሉዉ መንግስቲ ናይ ምግባር ዓቕሙ ዝድርዕ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ተግባር ክዉዕል ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ …

Read More »

ከተማ ስቶክሆልም ንሰራሕተኛታት መእለዪ ዓበይቲ መርመራ ከተካይድ እያ ተባሂሉ።

ዞባ ስቶክሆልም ካብ ዝመጽእ ሓሙስ ጀሚራ ኣብ ኣባይቲ መዋእለ ሽማግለታት ንዝዓዩ ሰራሕተኛታት ብፍላይ መርመራ ከም እተካይደሎም ኣፍሊጣ። ኮሚሽነር ጥዕና እታ ከተማ ኣና ስታርብሪንክ ንተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ሽወደን ኣብ መርመራ ክንድዚ ምዝሕታላ ዘሕዝን እዩ ኢላ። “ዝያዳ ሰባት ኣብ ምምርማር ክንነጥፍ ኣሎና” ዝበለት ስታርብሪክ “ቀዳምነት ግና ሕሙማት ኣብ ምእላይ ዝርከቡን ምልክታት እዚ ሕማም ዘርእዩን ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ኣስሚራትሉ። ኣብ ስቶክሆልም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com