Friday , May 10 2024

ቲግኒል፡ ስቶክሆሎም ድሕሪ ጣልያንን እስፓኛን ኣይትስራዕን እያ ይብል።

ኣብ ጣልያንን እስፓኛን ቅልጡፍ ዝኾነ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ድሕሪ ምግጣሙ ዝተራእዩ ተርእዩታት ኣብ ስቶክሆሎም እቲ መስርሕ ለባዳ ቀስ ኢሉ ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ምዃኑን ከም ኣብዘን ሃገራት ዘጋጠመ ኩነታት ከምዘየጋጠመን ብምብራህ፡ ህዝቢ ግን ነዚ ጉዳይ ከም ውሑስ ከይወሰደ እቲ ዝዋሃቦ ምኽርታት እናተግበረን መሰረታውያን ናይ መከላኸሊ ቅጥዕታት እናፈጸመን ክቕጽል ከምዘለዎ ክብል ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ገሊጹ። ሃገራት ጣልያንን እስፓኛን ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉን ከም ሳዕቤኑ ድማ ዝሞቱን ብመንጽር ግዜ ክረአ እንከሎ ብጣዕሚ ልዑል ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ስቶክሆሎም ብተዛማዲ ቁጽሪ ናይቶም ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ለውጢ የብሉን። እዚ ማለት ግን እቲ ለብዳ ኣብ መወዳእታ ናይ መጀመርታ ደኣ እምበር ኣብ መጀመርታ ናይ መወዳእታ በጺሕና ማለት ከምዘይኮነ ክንርዳእ ይግባእ። እዚ ናይ ምምሕያሽ ኩነታት ንኽቕጽል ግን ህዝቢ እቲ ብሰበ ስልጣን ዝወሃቦ መምርሒታት ከተግብር ከምዘለዎን እዚ ኩነታት ከምዘለዎ ንዝነወሐ ግዜ ምጽናሕ ማለት ምምሕያሽ ነርኢ ኣለና ማለት ምዃኑ ክብል ቲግኒል ምስ መርበብ ሓበሬታ ሽወደን TT ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ስቶክሆሎም ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ኣላ’ዶ? ንዝብል ሕቶ ከምዚ ክብል መሊሱ። ቲግኒል፦ ዘተኣማምን ነገር የለን። ኩነታት ስቶክሆሎም፡ ኣብ ትግባረ መምርሒታትን ምንቅስቓስ ኣህዛብን ዝተሞርከሰ ስለዝኾነ። ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ነቲ ምንቅስቓስ ናይ ሰባት ዝሕብር መርበብ ተዓዚብና ንኩነታትና ዝምልከት ገለ ስእሊ ክህበና እዩ። ነዚ ሽወደን እትኽተሎ ዘላ ስትራተጂ ኣመልኪቶም እቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ መዛኑኻ እንታይ ይብሉ? ቲግኒል፦ ካብቶም መዛኖይ ዝኾነ ዓይነት ነቐፌታ ይኹን ቅሬታ ዝመጻና የለን። ሽወደን ትኽተሎን ካልኦት ሃገራት ዝኽተለኦን ኣገባባት ኣብ መጨረሽታ ጽልውኡ (ውጺኢቱ) ተመሳሳሊ እዩ። ገለ ሃገራት ብሕጋዊ ሓይሊ ክጥቀማ እንከለዋ፡ ሽወደን ድማ ብወለንታዊ መንገዲ ተጠቂማ። ከምዚ ክንብል እንከለና ግን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሃዱታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ብዝሒ ሕሙማት ከምዘለናን ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዘጋጥም ዘሎ ለበዳ ብዙሕ ምዃኑን ክንዝንግዕ የብልናን። ነዚ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝረአ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ንምውሓድ፡ ተወሳኺ ስጉምታት ክንወስድን ንሰርሓሉ ከምዘለናን የዘኻኽር። ብቫይረስ ኮሮና ክትጥቃዕ ተኽእሎታት ኣሎ’ዶ? ቲግኒል፡ እወ። ዕድመይ 63 ብምዃኑ ነቲ ሕማም ክቛወሙ ካብ ዝኽእሉ ምድብ ስለዝኾንኩ ናይ ምሕዋይ ዕድለይ ዝሓሸ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com