Friday , May 3 2024

ምክልኻል ኮረና

ኣብ ከተማ ስቶኮልም ንሰራሕተኛታት ጥዕና ዘገልግል ምውሳኽ ደሞዝ ክተኣታቶ ሙዃኑ ተሓቢሩ።

ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ኣብያተ ሕክምና ንዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ዝዉዕል፣ እቲ ኣብ እዋን ሓደጋን ቅልዉላዉን ዘገልግል ስርዓተ ደሞዝን ምዉሳኽ ሰዓታት ስራሕን ከታኣታቱ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣማኻሪት ፋይናንስ ዞባ ኢሪነ ስቨኖንዬስ ብሓሙስ ምሸት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ እዚ ውሳነ ብምሉእ ድምጺ ምሕላፉ ገሊጻ። ንሳ ህይወት ንምድሓን ዘርኣናዮ ናይ ሓድነት መንፈስ ዘሐብን እዩ። ስለዚ ድማ እቲ ዝተገብረ ስምምዕ ክበራበር ንኽሰርሓን ኣብ ስሙን 48 ሰዓታት ንኽዓያን ናብ …

Read More »

ሽማግለታት ናብ ግሮሰሪታት ካብ ምኻድ ክግትኡ በዓልመዚ ጥዕና ኣመልኪቱ።

በዓልመዚ ጥዕና ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል የኽእል እዩ ዝበሎ ካልእ ሕጊ ኣብ ናይ ሎሚ ግዜጣዊ መግለጺ ተዋሂቡ። ነዚ መግለጺ ዝሃቡ ዳይረክተር ጀነራል ጆሃን ካርልሰንን ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያትን ሌና ሃለንግረንን እየን። እቲ በዓልመዚ ልዑል ትራፊክን ብዝሒ ሰብ ዘለዎ ኣጋጣሚ ከወግዱን ካብ ማሕበራዊ በዓላት ክእለዩን ድማ ጸዊዑ። ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ብፍላይ ናብ ግሮሰሪታትን ህዝባዊ መጓዓዝያን ካብ ምኻድ ክቚጠቡ ድማ መኺሩ። ብዘይካዚ ድኳናት መጠን …

Read More »

ኣብ ኣዋጣሪ እዋን ክሮና ቫይረስ ክግበሩ ዝግብኦም ነገራት

Read More »

ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ካብ ካልእ ሰብ ዝፍለ ሓደጋን ተቓላዕነትን ለበዳ ኮሮና የብሎምን ተባሂሉ።

ኣቐዲሙ ከምዚ ዝበለ ወረን ሓበሬታን ክጋዋሕ ምጽንሑ እንተኾነ ግና ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ዝተፈልየ ተቓላዕነት የብሎምን ተባሂሉ። ተጸዋዒ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ቴግኔል ብጽቡቕ ዝእለ ሕማም ሽኮር ምንም ዝተፈልየ ተቓላዕነት ከም ዘይብሉ ኣብ ክሊኒክ ካሮሊንስካ ዋና ሓኪም ሚካኤል ራይደን ገሊጹ’ሎ። እቶም ኣብ ሓደጋ ኣለዉ ዝበሃሉ ሕዱር ሕማም ሽኮርያን ካልእ ተጓደንቲ ሽግራትን ዘለዎም ጥራይ እዮም ድማ ኢሉ።

Read More »

ኣብ ብዙሓት ቦታታት ሽወደን ለበዳ ኮሮና ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ ክብል በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ ትኽ ዝበለ መስመር ብዝብል ክግለጽ ዝጸንሐ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮና ኲነታት ይቕየር ምህላዉ ተገሊጹ። ሕላፊት ትንተና በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ን ሬድዮ P1 ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ እቲ ኣሃዛት ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ፡ እንተኾነ ግና ካብዚ ብምብጋስ ብዛዕባ መጻኢ ምትንባይ ከም ዘሸግር ገሊጻ። ኣብ ዝበዝሑ ክፋላት ሽወደን ሕጂ’ውን ህድእ ዝበለ ኲነታት ምህላዉ፥ ኣብ ገሊኡ ግና ብኣንጻሩ ብናህሪ ዝዓቢ ለበዳ ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ። …

Read More »

ካብ ኩሉ ብእኩብ ዝካየድ ዓይነት ስፖርት ካብ ምክያድ ሰባት ክቛርጽ ይጽውዕ።

ዝኮነ ሰብ ኮነ ስፖርተኛታትን ዝተዋህበ ምኽሪ ውድድራት ደው ብምባል በብቅልቖም ኣብ ግዳም ልምምዳትኩም ኣካይዱ ሰብ መዚ ጥዕና ይምሕጸኑ። ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ከም ውድድራት ካልእን ክውንዘፉ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እዚ ዝተባህለ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እዩ። ዳይረክተር ጀነራል ጆን ካርልሰን ገሊኣቶም ስፖርት ጠቢቕካ ምርኻብ መይ ምትንኻፍ ዝሓቱ ብምዃኖም ክካየዱ የብሎምን ኢሉ። ኲሎም ብምትንኻፍ ዝካየዱ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንግዜኡ ክዕገቱ ድማ ጻውዒቱ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ በዓል ፋሲካን ሮሞዳንን ንምጽንባል ዝግበሩ ምትእኽኻባት ንኽስረዙ ይጽውዕ።

ሕብረተ ሰብ ሽወደን በዓል ፋሲካ ንምጽንባል ናብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ካብ ምጋሽ ክቑጠቡ መንግስቲ ተማሕጺኑ። ብተወሳኺ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ሃይማኖታዊ በዓላት ከም በዓል ፍሲካ ኮነ ሮሞዳን ንምጽንባል ዝግበሩ ዝነበሩ ምትእኽኻባት ንኽስረዙ ሚኒስተር ህዝባዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን ጸዊዓ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ምግታእ ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምዃኑ እታ ሚኒስተር ሎሚ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳት፡ ቤት ምግብታት፡ ድኳናትን …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ፋርማሲታት ዝግዝኡ መድሃኒት ቀይዲ ክግበረሎም እዩ።

ኣብ ዕዳጋታት መድሃኒት ቅልውላው ንኸየጋጥም ብምባል መንግስቲ ሽወደን ነቲ ካብ ፋርማሲ ዝሃልኽ መድሃኒታት ቀይዲ ክገብረሉ ሎሚ ንግሆ ወሲኑ። ፋርማሲታት ንሕሙማት ክሸጣሎም ዝጸናሓ ናይ ሓደ ዓመት መድሃኒት ተሪፉ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል መድሃኒት ጥራይ ክሸጣሎም ከምዘለወን እዚ ሓድሽ ውሳነ ይእዝዝ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሎሚ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢራ። ሕዱር ሕማም ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ንሓደ ዓመት ዝኣክል …

Read More »

ጽማቚ ትሕዝቶ ቃለመሕትት ዶክተር ብሩስ ኣይልዋርድ

ዶክተር ብሩስ ኣይልዋርድ ከምኒ ፖልዮ፥ ኢቦላን ካልኦት ሕማማትን ኣብ ምክልኻል ናይ ሰላሳ ዓመት ተመኲሮ ዘለዎ በዓልሞያ ኮይኑ ሕጂ ምሉእ ኣተኲሮኡ ኣብ ምዕጋት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና( COVID-19) ጌሩ ይርከብ።  ኣሊዋርድ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ሓደ ካብቶም ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምቅላስ ዝለዓለ ሓላፍነት ወሲዶም ዝሰርሑ ዘለዉ እዩ።  ብዛዕባ ውጻኢታውነት ግብረመልሲ ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ንምጽናዕ ኣብ ለካቲት ልፍንታዊ ልኡኽ …

Read More »

ሽወደን ዝያዳ መርመራ ኮሮና ክትገብር ትደሊ።

ዝያዳ መርመራ ቡዙሕ ወጻእታትን ዝያዳ ስራሕ ከም ዘድሊ እካ እንተኮነ። ክኢላ ለበዳ ሕማም ኣንደርስ ቴግኔል ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 10 ሽሕ ሰባት መርመራ እዚ ቫይረስ ከም እተገብረሎም ዝፍለጥ እዩ። መንግስቲ ዝያዳ ሰባት ክምርመሩ ከም ዘለዎም ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ እንተኾነ ግና ሚኒስተር ጥዕናን ማሕበራዊ ጒዳያትን ሌና ህልግረን እዚ ኣገባብ ቅኑዕ ኣይኰነን ነቶም ዝምልከቶም ዝበልናዮም ጥራይ ሸቶ ክንገብር ይግባኣና ኢላ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com