Thursday , May 2 2024

ምክልኻል ኮረና

መንገዲ ኣየርንኖርወጅያን፡ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት የቋርጽ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሽወደን እተካይዶም ዝነበረት በረራታት ንዝቕጽል ወርሒ ሚያዝያ ከምዘቋረጸቶ መንገዲ ኣየር ኖርወጂያን ሓቢራ። ብሰንኪ ምልባዕ ቫይረስ ክሮና ኣብ መላእ ዓለም ተኣዊጁ ዘሎ ናይ በረራታት እገዳን ዋሕዲ ተሳፈርትን እቶም ቀንዲ ጠንቅታት ናይዚ ውሳነ ምዃኖም ክትብል ሓላፊት ክፍሊ መራኸቢታት’ታ ኩባንያ፡ ሻርሎት ያኮብሰን፡ ንማዕከን ዜና ሽወደን TT ሓቢራ። መስመራት መንገዲ ኣየር ኖርወጂያን ካብ ስቶክሆልም ናብ ሉልዮ፡ ኦምዮ፡ ኬሮና፡ ኡስተርሾንድን ዮቶቦሪን ምንባሩ …

Read More »

ሰልፊ ሞድራትና ህዝባዊ መርመራ ቀዳምነት ክወሃቦ ጸዊዑ።

መራሒ ሰልፊ ሞድራትና ኡልፍ ክሪስተርሰን ሰልፊ ሞድራትና ህዝባዊ መርመራ ቀዳምነት ንኽወሃቦ ብ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ንዝምራሕ መንግስቲ ጻውዒት ክገብረሉ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። እዚ መርመራ ሓካይም ስርሖም ኽቕጽልዎ ንምግባርን ቊጠባ ሽወደን ንምሕዋይን ኣገዳሲ እዩ ኢሉ። ብፍላይ ስርሖም ንሕብረተሰብ ኣገዳሲ እዩ ዝበሃሉ ባእታታት እዚ መርመራ ክጅመረሎም ከም ዝግባእ ድማ ኣስሚሩሉ። ሕጽረር መመርመሪ መሳርሒ ብዓለም ደረጃ ምህላዉን መንግስቲ ሽወደን ምፍራይ እዞም መሳርሒታት ቀዳምነቱ ክገብሮን ድማ …

Read More »

ኣብ መእለዪ ጽዑቕ ሕክምና ቊጽሪ ተለኸፍቲ የንቈልቊል ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ብኮሮና ተለኺፎም ናብ መእለዪ ጽዑቕ ሕክምና ዝመጹ ሰባት ቊጽሮም እናንቈልቈል ምምጽኡን እዚ ዝመጸ ብዝተወስደ ቅኑዕ ስጒምቲ ምዃኑ ተገሊጹ ክትብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። ክኢላ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ቲግኔል እዚ ኣብ ዝሓለፋ ራብዕቲ እተራእትየ ምዕባለ ኣዎንታዊ እዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ።፡ “ኣብዛ ሃገር ነፍሲወከፍ ዝፍጽሞ ተግባር ውጽኢት ክህልዎ ግድን እዩ” ካብ ሕማቕ ዝመስል ኲነታት ናብ ኣዎንታዊ ንጥምት ምህላውና ናይዚ ውጽኢት …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብዕድመ ዝነኣሰ ግዳይ ኮሮና ህይወቱ ምሕላፉ ተሓቢሩ።

ወዲ 30 ዓመት ሽወደናዊ ኣብ ኣውራጃ ዮንሾፒንግ ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብሕማም ኮሮና ህይወቱ ምሕላፋን ዝነኣሰ ግዳይ እዚ ሕማም ኮይኑ ከም እተረኽበን ተፈሊጡ። ንሎሚ ሓዊስካ ቊጽሪ ግዳያት ሞት ሽወደን 110 ምብጽሑ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣፍሊጡ’ሎ። ካብ ትማል ክሳብ ሎሚ ተወሳኺ 8 ሰባት ምልካፎም ድማ ተመልኪቱ። ብዘይካዚ 3700 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ምህላዎን ኣሃዛት እቲ በዓልመዚ ኣመልኪቶም ኣለዉ። ኣብ ሽማግለታት ዝረአ ዝነበረ …

Read More »

ርእሰ ከተማ ሽወደን ንምዕጻዉ መንግስቲ ኣብ ውሳነ ከምዘይበጽሐ ተፈሊጡ።

ብሰንኪ ብዝሒ ተላባዒ ቁጽርን ምዉታንን ዝተላዕለ ቦታ ሒዛ ዘላ ከተማ ስቶክሆልም ሙሉእ ብሙሉእ ንምዕጻዉ ዘኽእል ስጉምቲ፣ መንግስቲ ገና ዉሳነ ከምዘይበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቨን ሓቢሩ። ንሱ ምስ ኣገልግሎት ተሌቭዥን 4 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፣ ስቶክሆልም ብብዙሕ ጉዳያት ምስ ከባቢ ዘሎዋ ከተማታት ስለትታኣሳሰር ንግዚኡ መተኻእታ ፍታሕ ስጋብ ዝርከብ፣ ንከተማ ስቶክሆልም ነጺልካ ምዕጻዉ፣ ከምዘየዋጽእ ሓቢሩ። ጎረቤት ሃገር ፊንላንድ ርእሰ ከተማኣ ዝኾነት ከተማ …

Read More »

ሎቨንን ሊንድን ምስ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተራኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪንን ሓላፊት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝኾነት ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ ትማሊ ዓርቢ ብመንገዲ ኣገልግሎት ቪድዮ ኣቢሎም ምስ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወከልቲ ሃይማኖታት ክርስትና፡ እስልምና፡ ኣይሁድን ቡድሃን ከምዝተራኸቡ ተሓቢሩ። ዕላማ ናይቲ ርክብ፡ ኩነታት ተኸተልቲ እዘን ሃይማኖታት ንምፍላጥን ኣብዚ ሽወደን ተሕልፎ ዘላ ሕማቕ ግዜ ድማ ሓለፍቲ ሃይማኖታት ንሰባት ተስፋ ኣብ ምሃብን ምርግጋእን ጸላዊ ተረኦም ንኸበርክቱ ዝዓለመ ምዃኑ …

Read More »

ፍቃድ ዝረኸበ ሓድሽ መድሃኒት ቫይረስ ኣብ ሕሙማት ኮሮን ክፍተን እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ለበዳ ኢቦላ ንምዕጋት ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዝነበረ መድሃኒት ሕሙማት ኮሮና ንምፍዋስ ፈተነ ክግበረሉ እዩ። እዚ ፈተነ ብኤጀንሲ መድሃኒታት ሽወደን ምሉእ ፍቓድ ከም እተዋህቦን። እዚ ስነምግባራዊ ሕቶ ዘልዕል ናይ ፍቓድ ሽግር ካብ ተፈትሐ ኣብ ስቶክሆልምን ዮተበሪን ማልምን ዝርከቡ ግዳያት ክፍተን ምዃኑ እውን ድሮ ተመልኪቱ’ሎ።

Read More »

መነባብሮ ሽወደናውያን ነዚ ሕማም ንምስጋር ፍቱን ኣገባብ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ብመስረት ጸብጻብ ቢቢሲ ማሕበራዊ ኮዳት ሽወደን ቅልውላው ኮሮና ንምዕጋት ኣገደስቲ ምዃኖም ካብ ቢቢሲ እተረኽበ ንውሕ ዝበለ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። “ሽወደናውያን ምስ ሰብ ጥብቕ ኢልካ ኮፍ ምባልን ሃንደራእ ኢልካ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ምዕላልን ኣየዘውትሩን እዮም” ድማ ኢሉ።፡ ጸሓፊት እዚ ጸብጻብ ሎላ ኣኪንማድ ኤከርስትሮም ሓንቲ ካብቶም ቃለመሕትት ዘካየዱ እያ። ሽወደናውያን ኮሮና ቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ ዝጸንሐ ትፍንትት ኢልክ ኮፍ ናይ ምባል ልምዲ ኣለዎም ድም …

Read More »

በዓል መዚ ጥዕና፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ኣብ ዮቶቦሪ ቁጽሪ ግዳያት ክሮና ቫይረስ ክውስኽ ከምዝኽእል የጠንቅቕ።

ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ብዙሓት ተቐማጦ ከተማ ዮቶቦሪ ዝኾኑ ሰባት ብክሮና ቫይረስ ክልከፉ ከምዝኽእሉ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰሙን ቁጽሪ ልኹፋት ክሮና ቫይረስ ኣብ ዮቶቦሪ ክውስኽ ምዃኑ ተመራማሪ ተላበዕቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኔል፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጥዊ ዋዕላ ሓቢሩ። ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዝተፈልየ ኩነት ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ለባዳ ቫይረስ ንምግታእ ብዝተፈላላዩ …

Read More »

ብመሰረት ጸብጻብ፣ ሎሚ ቀዳም ቁጽሪ ግዳያት ክሮና ኣብ ሽወደን 102 ሰባት በጺሑ።

ክሳብ ሎሚ ቀዳም 28/03/2020 ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ብሰንኪ ሕማም ክሮና ቫይረስ ዝሞቱ ቁጽሮም 102 ሰባት ከምዝበጽሐ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ከምዝተረጋገጸ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ክሮና ዝተለኽፉ ሰባት 3447 በጺሑ ኣሎ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ምክትታል ዝርከቡ ሰባት ድማ ናብ 214 በጺሑ ከምዘሎ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com