Monday , May 20 2024

ኮረና ቫይረስ

April, 2020

  • 6 April

    ቲግኒል፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ስቶክሆልም ጫፍ ከምዝበጽሐ ምልክታት ይሕብር።

    ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ጫፍ ከምዝበጽሐን ብዝያድ ድማ ኣብ ዝቕጽል ክልተ መዓልታት ከፍልጥ ምዃኑን ምልክታት ሓቢሮም ክብል ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ተመራማሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል ሓቢሩ። ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ጫፍ በጺሑ ማለት፡ ብቫረስ ኮሮና ዝልከፉ ሰባት ቁጽሮም እናወሓደ ክመጽእ ማለት እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝረአ ዘሎ ቁጽሪ ብዝሒ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ንጹር ስእሊ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ …

  • 6 April

    ምስ ኮቪድ 19 ዝትትሓዙ ሕቶታትን መልስታቶምን ብዶክተር ዓዚዝ ኣሕመድ

  • 6 April

    ተደጋገምቲ ሕቶታት ብዛዕባ ክሮና ቫይረስ

    ህዝባዊ ጥዕና በዓልስልጣን ነዚ ዚስዕብ ሕቶን መልስን ኣኪቡ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ SARS-CoV-2 ጠንቁ ዝኾነ   covid-19 ይምልከት። እዚ ገጽ’ዚ ንሓፋሽ ይምልከት። ዳሕረዋይ ሓበሬታን ግዜያዊ ኣሃዛትን ኣብ  vår sida om utbrottet. ይርከብ።  ኮሮናቫይረስ እንታይ እዩ? ብዙሓት ናይ ኮሮናቫይረስ ኣዝማድ ዝኾኑ ቫይሩሳት ኣለዉ፡ መብዛሕትኦም ኣብ እተፈላለዩ እንስሳታት ድማ ይርከቡ። ካብዚኣቶም ውሑዳት እዮም ንሰብ ዚለኽፉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንሰብ ዚለኽፉን ዘሕምሙን ሸውዓተ ዓይነት …

  • 5 April

    News Magazine ዜና መጽሄት 4 ሚያዝያ 2020

    ኣብ ናይ ሎሚ ዜና መጽሔት መደብ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣባላት ምድላዉ ፈነወና ንፈነወ ዝበቅዕ ዘዳለዉዎ ሓበሬታ ኮይኑ፣ እብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ዘተኮረ እዩ ። 1. ብዛዕባ እዚ ዘሎ ህሉው ክኖታት ናይ ክሮና ቪሩስ ሓደገኛ ምዕባለታቱ ! 2. መብርሂ ብዛዕባ መደባት ኣልኮምፒስ ትግርኛ !

  • 4 April

    ኣብ ሽወደን ናውቲ ሕክምና ምውሳኽ ዋጋ ምርኣዩ ተገሊጹ።

    ጋዜጣ ዳገን ንሄተር DN ከም ዝጸብጸበቶ እንተኾይኑ ዋጋ ናውቲ ጽሬትን ሕክምናን ብናህሪ ወሰኽ ዋጋ ኣርእዩ’ሎ። እዞም ናውቲ ማስክ፥ መነጽር፥ ከምኡ’ውን ናይ ኢድ ጸረ ተሃዋስያን እዮም። ብመሰረት እታ ጋዜጣ ብናህሪ ጠለብ እዚ ዋጋ 900% ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ሃገራዊ ማእከል ዕቀባ ኣብቲ ምውሳኽ ዋጋ ዘለዎ ምስምማዑ ምግላጹን እታ ጋዜጣ ወሲኻ ኣብሪሃ። ኣብ ፍርያት ርኡይ ሕጽረት ምህላዉ ድማ ኣመልኪታ።፡ ብዘይካዚ ዋጋ ትራንስፖርት ኣጸቢቑ ወሰኽ …

  • 4 April

    ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት፥ ናይ ሕጂ ቀዳምነታትና ህዝቢ ምድሓን ሙዃኑ ይገልጽ።

    ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት፥ ሕጂ ቀዳምነታትና ህዝቢ ምድሓን እዩ፥ ድሕሪኡ ምድሓን ቊጠባ ብምግባር ይሰርሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ። ሚኒስተረ ውሽጣዊ ጒዳያት ሚካኤል ዳምፐሪ ቀዳምነት መንግስቲ ሽወደን ብቫይረስ ኮሮና ዝመውት ሰብ ንኸይህሉ ምስራሕን ህይወት ህዝቢ ምድሓንን ምዃኑ ገሊጹ። ” ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኲነታት ኢና ዘሎና” ዝበለ ዳምፐሪ”ዝኸፍአ ክመጽእ ይኽእል እዩ ኢልና ኢና ተዳሊና ዘሎና” ብምባል ንተሌቪዥን ሽወደን ገሊጹ። ካብ ቊጠባ ሃገርን ምድሓን ህይወትን ኣየናይ …

  • 4 April

    መንግስቲ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ክገብሩ ሓቲቱ።

    መንግስቲ ሽወደን ምስ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ኣድላዪ ስጒምቲ ንምትግባር ናብ ባይቶ ከይቀረበ ንምውሳን ዘኽእሎ እማመ ሕጊ ምውጽኡን ተገሊጹ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና TT መንግስቲ ተቓወምቲ ሰልፊታት ነዚ እማመ ክድግፍዎ ሓቲቱ’ሎ። መንግስቲ እዚ ሕጊ ብህጹጽ ክጸድቕን ኣብ ዝመጻ ሰልስተ ወርሓት ተግባራዊ ክኸውንን ጻውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ። እቲ እማመ ምዕጻው ካፈታት ባራት ናይትክለባትን ኣብያተ ስፖርትን ከምኡ’ውን እክብ ምባል ዝኽልክል ኮይኑ ገለ መጓዓዝያ፥ ወደባትን መደብራት ኣውቶቡስን …

  • 3 April

    ኣቴንዶ ዂሎም ሰራሕተኛታትና ናውቲ የድልዮም ኣሎ ይብል።

    ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕና ከም ብሕታዊ ትካል ዝነጥፍ ዓብዪ ትካል ጥዕና ኣቴንዶ ኣብ ዘካይድዎ ንጥፈታት ጥዕና ዝያዳ ናውቲ ከም ዘድልዮም ጸብጻባት SVT ሓቢሮም። ሰራሕተኛታትና ኣብ ከቢድ ናይ መልከፍቲ ኲነታት ይሰርሑ ብምህላዎም ዋላኳ ምልክታት እቲ ሕማም ኣየርእዩ ምናልባት ተለኺፎም ይኾኑ እዮም ኣብ ዝብል ትርጣረ ኢና ንርከብ ክብል ይገልጽ። ስለዚ ድማእዩ ዝያዳ ናውቲ የድልየና ኣሎ እንብል ዘሎና ክብል ድማ ገሊጹ።፡ ብፍላይ ድማ …

  • 3 April

    ካብ ቻይና እተረኽበ ሓገዝ መርመራ ኮሮና ብድርብ ንምዕባይ ተስፋ ይህብ።

    ካብ ቻይና ዝመጸ መሳርሒ ናውቲ ሕክምና ናብ ሽወደን ኣብ ግዚኡ ብምብጽሑ፣ እዚ ሓገዝ ኣብ ምቅላል ዘሎ ሕጽረታት ኣብ ምፍታሕ ዓቢ ተራ ክህልዎ እዩ። ኣብ ትካል ካሮሊንስካ ፕሮፌሰር ምክልኻል ለበዳ ላርስ ኤንግስፍራንድ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ነዚ ናውቲ ካብ ቻይና ክመጽእ ሓበሬታ ምሃቡ ገሊጹ። ሕጂ ትካል ካሮሊንስካ ምስ ዞባታትን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ብዛዕባ ኣጣቕማ እቲ ናውቲ ክዛተ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። በዚ …

  • 3 April

    ብምኽንያት ፋሲኻ ናይ ጒዕዞ መደብ ዘለዎም ሽወደናውያን ዝያዳ ሓላፍነት ኣለዎም ተባሂሉ።

    ኣብ መዓልቲ በዓል ፋሲካ ክጓዓዙ ዝደልዩ ዝለዓለ ሓላፍነት ኣለዎም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሉፊን ሓቢሩ። ንሱ ኲነታት ክኸፍእ ከም ዝኽእል ብምምልካት ትዕግስቲ ምግባር ልዕሊ ዝኾነ ዝድለ ብቕዓት ምዃኑ ደጋጊሙ ኣስሚርሉ። ብዛዕባ ዝመጽእ ሳምንታት ትንበያ ምቕራብ ዋላ ንሰብሞያ’ውን ከይተረፈ ኣሸጋሪ ይኸውን ምህላው ዘመልከተ ሉፊን ኣብ ኡስተርጉትላንድን(Östergötland) ሱርማላንድን(Sörmland) ዘሎ መጠን መልከፍቲ ምስቲ ናይ ስቶክሆልም ተመጣጣኒ ምዃኑ ኣብሪሁ’ሎ።፡ ኣብ ስቶክሆልም ዘጋጥም ኣብተን ካልኦት እውን …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com