Saturday , May 18 2024

ሃገራዊ ዜና

ሸለልትነት ሓካይም ሂወት ጓል 72 ዓመት ስዊድናዊት ኣኒካ የጥፍእ።

ጓል 72 ዓመት ሽወደናዊት ኣኒታ ሃትባናይስ ዶክተራት ከይመርመዋ ካንሰር ናብ መላእ ኣካላታ ብምስፍሕፍሑ ሞይታ። ነቲ ኲነታት ብዕሙቈት እትከትታል ኣፍቶንባልደት ዝተባህለት ጋዜጣ ቤተሰባ ክሲ ምምስራቶም ጸብጺባ ኣላ።

Read More »

ኣብ ጉዳይ ንግዲ ትምባኾ ሽጋራን መሰልቱን ዝተገብረ ሓድሽ ውሳኔ።

ኣብ ናይ ጎደና ቤት ሻሂታት ዝተወሰነ እገዳ ምትካኽ ካብ ዝቕጽል ክረምቲ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ክውዕል’ዩ። መንግስቲ ሸወደን ኣብ ኣብ ጉዳይ ንግዲ ትምባኾ ሽጋራን መሰልቱን ዝተገብረ ሓድሽ ውሳነ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ። እዚ ሕጊ ብመሰረት ዝተገብረ ናይ ሕጊ ለውጢታት ዝሰዓበ ኮይኑ ካብ ባሕቲ ሓምለ ጀሚሩ ተግባራዊ ኪኸውን እዩ። ኮሚተ ማሕበራዊ ጉዳያት ነቲ እማመ ብሓፈሻ ብምቕባል ባይቶ እማመ መንግስቲ ምስናይ ገለ ለውጢታቱ ክቕበል …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ኣብታ ሃገር ብዝለዓለ ደረጃ ብፖሊስ ናይ ዝድልዩ ሰባት ዝርዝር ዕላዊ ጌሩ።

እዚ ዝርዝር ኣስማትን ፎቶግራፍን ኣዝዮም ሓደገኛታት ጥርጡራትን ዝተረፉ ካልኦትን ኣብ ሽወደን ወይ ድማ ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት እዩ ዝርከብ። እዚ ማለት ኣብ ሽወደን፥ ኖርዌይ፡ ዴንማርክ፡ ፊንላንድን ኣይስላንድን ዝርከቡ ፖሊስ ሓባራዊ ዝርዝር ኣስማትን ፎቶግራፍን ኣዝዮም ሓደገኛታት ገበነኛታት ኣለዎም ማለት እዩ። “ኣብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ እትርከብ ሃገር መሕብኢ ገበነኛታት ክትከውን የብላን” ይብል ሽወደናዊ በዓል መዚ ፖሊስ ናደዝ። ኣብ ሓሙሽቲአን ሃገራት ኖርዲክ ዝርከቡ ፖሊስ …

Read More »

ምይይጥ ሰላም የመናውያን ሎሚ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ቀጺሉ::

እቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ኣብቲ ናይ ትማሊ ምይይጥ ምሩኻት ኲናት ንምልውዋጥ ብምስምምዖም እቲ ዘተ ሰላም ጩራ ተስፋ ዝተራእየሉ እኳ እንተኾነ ኣብዛ ብኲናት ተመናኒሃ ዘላ የመን ሰላም ንምርግጋጽ ግን ነዊሕ ጉዕዞ ከም ዝሓትት ይግለጽ። እቶም ዓለወኛታት ካብታ ኣብ ምዕራብ የመን እትርከብ ከተማ ሑዴዳ ዘየንሳሕቡ እንተኾይኖም ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከም ኣማራጺ ከም ዝውሰድ ኣባል ልኡኽ መንግስቲ የመን ዝኾነ በዓል ስልጣን ኣብቲ ብሓልዮት ሕቡራት ሃገራት …

Read More »

ክሊማዊ ለውጢ ጠንቂ ጥዕና ኣእምሮ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ::

ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ልዕሊ ኣከባቢ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ደቂ ሰብ እውን ሳዕቤን የኸትል ምህላው ተገሊጹ። መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ’ቲ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ መፍትሒ ንምንዳይ ከም መቐጸልታ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ፖላንድ ተጋቢኦም ኣብ ዝርከቡሉ እዋን ከይተረፈ እዚ ሽግር’ዚ በብግዚኡ ጭንቀት ይፈጥረሎም ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ሰባት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ካሪን ካሊ ኣንደርሰን፡ ክሊማዊ ለውጢ ንዘስዕቦ …

Read More »

ኣብ ቴሌፎን ዝተጻዕነ መተግበሪ (App) ብምጥቃም ዝዝውተር ኣገባብ ኣተኣላልያ ጐሓፍ ካብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ተቓውሞ ገጢምዎ::

ልዕሊ 100,000 ነበርቲ ስቶክሆልም ብክፍሊት ናይ ገዛ ጐሓፍ ዝወስዱ ውልቀሰባት ብኦንላይን ደልዮም ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ዘሎ ናይ ቴሌፎን መተግበሪ (App)፡ ሕጊ ኣተኣላልያ ጐሓፍ ዝጥሕስ ኣገባብ ምዃኑ ብምግላጽ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ተቓዊምዎ። እቶም ነበርቲ ኣብቲ ቲፕታፕ ብዝብል ስም ዝፍለጥን ኣብ 2016 ዝተጀመረን መተግበሪ (App)፡ ኣሳእል ናይቲ ዘየድልዮምን ካብ ገዝኦም ክእለየሎም ዝደልዩዎን ዓይነት ኣቚሑ ብምልጣፍ ናይ ጽዕነት መኪና ምስ ዘለዎም ሰባት ብገንዘብ …

Read More »

ዜና ብቛንቋ ትግርኛ 07 ታሕሳስ 2018

Read More »

ናይ ቤልጁምን እንግሊዝን ዜግነት ዘለዎም ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተፈሊጡ::

ናይ ቤልጁምን እንግሊዝን ዜግነት ዘለዎም ሰባት ናብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ስቶክሆልም ብወገን እኩባት ደሴታት ሙስኮ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ኣቲኹም ብዝብል ጠርጠራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተፈሊጡ። ሰራሕተኛ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ካሪን ሮዛሮንድ እቶም ሰብኡት ሕጊ ገዛእቲ ትሕተ ቅርጺ ብምጥሓስ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ገሊጻ። እቶም ሰብኡት ቅድሚ ምትሓዞም ብተደጋጋሚ ናብ ሙስኮ ተምላሊሶም እዮም። በዚ ድማ ንክልተ ዓመት …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ኣብ መሸጣ ዕጸፋርስ ክዋፍሩ ዝጸንሑ ጉጂለ ይሃድን ከም ዘሎ ተገሊጹ

ኣብ መሸጣ ዕጸፋርስ ስርሐዩ ኢሉ ተተሓሕዝዎ ዝርከብ፡ ናይ ገበነኛታት ዕሉል ጉጂለ ፡ ንብዙሓት ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዝርከቡ ንእሽቱ መንእሰያት ስደተኛታት ብምውዳብ ግዳይ ይገብር ከም ዘሎ ፖሊስ ሽወደን ሓቢሮም ። ኣብ ኡፕሳላን ዩቶቦርን ዘጋጠመ ፈጽሚ ምርኩስ ብምግባር ጉዳ’ዩ ዘልዓለ ፖሊስ ሽወደን ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ኣፍጋኒስታን ዝርከብዎ እልቢ ዘይብሎም መንእሰያት ግዳይ ይኾኑ ከምዘሎው ብተደጋጋሚ ዝገልጹ ዘሎዉ ። ብኑጹር ዝተታሕዘ ኣሃዛዊ ቁጸረይ ዘሰዓቦ …

Read More »

ዘተ ሰላም የመን ሓሙስ ኣብ ስዊድን ክጅመር እዩ::

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ዘተ ሰላም የመን ሓሙስ ክጅምር ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እቲ ዘተ ካብ ስቶክሆልም ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ዮሃንስበርግስ እዩ ክካየድ። ተወከልቲ ሑቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ምስ ኣህጒራዊ ዓጃቢ የመን ማርቲን ግሪፊን ኣትዮም ኣለዉ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ማርጎት ዎልስትሮም ቅድሚ ምጅማር እቲ ዘተ ብዓወት ክዛዘም ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ’ላ። “እዚ ዘተ ነዚ ኲናት ኣብ ምዝዛም ኣገዳሲ ስጒምቲ እዩ” ዝብል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com