Thursday , May 2 2024

ሃገራዊ ዜና

መጠንቀቅታ ካብ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ስዊድን

ኣልኮምፒስ- ኩነታት ኣየር ትካል ሜትሮሉጂ ስዊድን SMHI ትማሊ ረቡዕ መዓልቲ አብ ዘውጽኦ መጠንቀቅታ ንሰብ መካይን ጎማ መኪና ከይቀየሩ ከይዝውሩ ኣተሓሳሲቡ:: እዚ ዝተዋህበ መጠንቀቅታ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሃላንድ ጎትላንድ ቨርምላንድ ከምኡውን ኣብ ሰፊሕ ክፋላት ስሞላንድ ኮይኑ መካይን ክንሸራረታ ከምዝኽእላ ሓቢሩ:: ከምዝፍለጥ ካብ 1 ታሕሳስ 2018 ጀሚሩ ምቅያር ጎማ ናይ ክራማት ግዴታ ክኽውን ምኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ::

Read More »

ዜግነት ሽወደን ንምርካብ ዝሕተት ረቛሒ ክተረር ሓሳብ ናብ ፓርላማ ቀሪቡ።

ኣባል ባይቶ ሽወደን ዝኾነት ኣባል ሰልፊ ዓቃባውያን ቦርያና በርግበርግ ኣብ ሽወደን ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት ዜግነት በዛዕባ ምሃብ ዝምልከት ሓድሸ እማመ ናብ ባይቶ ኣቕሪባ’ላ። ብመሰረት ዌብሳይት ባይቶ ሽወደን እቲ እማመ ከምኒ ምልከት ቋንቋ ሽወደን፥ ነብስኻ ምኽኣልን ካብ ትካላት መንግስቲ እተዋህበካ ዕዳ ምኽፋልን ዝብላ ረቛሒታት ኣብቲ እማመ ምርካብ ዜግነት ክጠቓለላ እየን። “ዘይከም ካልኦት ሃገራት ኣብ ሽወደን ዜግነት ምርካብ እቲ …

Read More »

መሓመድ ኣል፡ዓሙዲ ካብ ኣቦመንበር ቦርድ ኩባንያ ነዳዲ ፕሬም ተላዒሉ።

ኩባንያ ፕሪም ሽወደን ንጄሰን ሚላዞ ሓድሽ ኣቦመንበር ቦርድ ከኸውን መሪጻቶ ኣላ። ቦርድ ነቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ተሓዪሩ ዝጸንሐ መሓመድ ኣል-ዓሙዲ ብምትካእ እያ ነዚ ሓድሽ ኣቦ-መንበር ዝመረጸት። “ኣብዚ ንዕስራ ዓመታት ዝሰራሕኩሉ ትካል ብመሪሕነት፥ ብቕዓትን፥ ተወፋይነትን መሓመድ ኣል-ዓሙዲ ኣዚየ ሕጉስ እየ” ይብል ዋና ኣካያዲ በዓልመዚ ፒተር ሆላንድ። መሓመድ ኣል-ዓሙዲ ሓደ ካብቶም ምንጪ ሃብቶም ክምርመር ከምኡ’ውን መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ካብ ሃብቶም …

Read More »

ናብ ስዊድን ንምምጻእ ብዙሓት ግዳያት ይኾኑ ኣለው::

ኣብ ዓመተ 2017 ጥራሕ 444 ሰባት ግዳያት መሸጣ ደቂ ሰባት ከምዝኾኑ ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ኣፍሊጡ:: ሐደ ካብ ሰለስተ ከዝገለጽዎ ናብ ስዊድን ክመጹ ከለዉ እቲ ሽግር ከምዝገጠሞም ገሊጾም:: እቲ ዝበጽሖም በደላት ስርቂ ኣካል ወዲሰብን: ግዱድ ምንዝርናን ብኣስገዳድ ምስራሕን ከምዘጣቃልል ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ሓቢሩ:: ብተዛማዲ ዜና ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ስዊድን ሓላፊት ጎዳያት ገበንመሸጣ ደቂ ሰባት ዝኾነት ካይሳ ዋህልበርግ ከምዝበለቶ ብዝሒ ናብ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ኣባይቲ ምሻጥ ካብ ዓሚ ሎሚዘበን ከም ዝኸብድ ተገሊጹ::

ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ኸሎ ጽኑዕ ሕግታት ልቓሕን ተጣራጣርነት ዓደግትን፡ ንኲነታት መሸጣ ኣባይቲ ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮ ዝበዝሑ ሰብ ዋኒን ዕድግን መሸጣን ኣባይቲ ይገልጹ። ብመሰረት ኣብ ሓደ ሄምነት ዝተባህለ ኣባይቲ ዝሻየጠሉ መርበብ-ሓበሬታ ዝተኻየደ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ፡ ኣስታት 60 ሚእታዊት ዝኾኑ ሰብ ዋኒን ዕድግን መሸጣን ኣባይቲ ኣብዚ እዋን ገዛ ወይ ኣፓርታማ ምሻጥ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ይዛረቡ። ብኣገላልጻ እቶም ሰብ ዋኒን፡ ዕዳጋ ኣባይቲ …

Read More »

ፓርላማ ሽወደን ቀዳማይ ሚኒስተር ንምምራጽ ድምጺ ክህብ እዩ

መራሒ ሶሻል ደሞክራት ስቴፋን ሎፍቨን ዝቕጽል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ይኹን ዶ ኣይኹን ንምውሳን ሓገግቲ ኣካላት ድምጺ ከም ዝህቡ ኣፈኛ እቲ ፓርላማ ዝሓለፈ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣፈኛ ፓርላማ ኣንድርያስ ኖርለን ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ (3 ታሕሳስ) ንሎፍቨን ብወግዒ ከም ሕጹይ ከቕርቦ እዩ። ኣብቲ ዕለት እቲ ሎፍቨን እውን ኣብቲ እንተተመሪጹ ዝምስርቶ መንግስቲ ነየኖት ሰልፍታት ከም ዘእቱ ነቲ ኣፈኛ ከፍልጦ ትጽቢት …

Read More »

ወዲ 20 ዓመት ተቐማጢ ከተማ ኤስኪልስቱና ብጥይት ተቐቲሉ።

ትማል ምሸት ፖሊስ ናይታ ብብዝሒ ስደተኛታት ዝቕመጡላ ዞባ ኔቩሽ ጸብጻብ ገበን በጽሕዎም። ፖሊሰ ኣብቲ ገበን እተፈጸመሉ ቦታ ምስበጽሑ ሓድ ብጥይት ዝቖሰለ ሰብ ረኺቦም። እዚ ሰብ ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ዓሪፉ’ሎ። ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብቲ ገበን እተፈጸመሉ ቦታ ሸሞንት ሰባት ክሃድሙ ከም ዝረኣየን ብዙሕ ድምጺ ተኹሲ ከም ዝሰምዐን ገሊጹሎ። ፖሊስ ኣብቲ ሓበሬታ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለዉ።

Read More »

ሽወደናዊ ፓስፖርት ምሃብ ብግዝያውነት ኣቋሪጹ

ስቶክሆልም:  ኣብ ምሃብ  ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ሽወደን ቀጥታዊ ሓላፍነት ዘለዎም ፖሊስ ካብ ሕዳር 30 ክሳብ ታሕሳስ 2 ኣብ ዘሎ መዓልታት  ሕቶ ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ከም ዘይቕበል ኣፍሊጡ። ፖሊስ ኣብ ዝሃበዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት ምዕዳል ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ብዘመናዊ ኣገባብ ንምጅማርን ነቲ ኣረጊት ኣገባብ ንምትካእን ተባሂሉ ምዃኑ ኣነጺሮም ኣለዉ። እዚ ማለት ስርዓት ኣወሃህባ እምበር ናይ ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ምቕያር ማለት ከም ዘይኮን ክበርህ ይግባእ። …

Read More »

ኽልተ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሽወደን መንግስቲ ክምስርቱ ክፍትኑ እዮም።

ብኽልተ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሽወደን ዝተኣመመ መንግስቲ እንተስ ክጸድቕ እንተስ ክንጸግ ናብ መስርሕ ምድማጽ ክኣቱ’ዩ ዋላ እኳ ገለ ሰብ-ኪዳኖም ኣብቲ ወሳኒ ሕርያ ኣንጻሮም ከድምጹ ተእኽሎ እንተሎ ሰልፊ ልዙባትን ክርስትያን ደሞክራትን መንግስቲ ክምስርቱ ክፍትኑ እዮም። ኣፈኛ ፓርላማ ኣንድሪያስ ኖርለን ሎሚ (ሰኑይ 12 ሕዳር) ብወግዒ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ዝተኣመመ መንግስቲ ዝምልከት ውሳነ ንምሕላፍ ኣብቲ ‘ሪክስዳግ’ ብምባል ዝፍለጥ ሓጋጊ ኣካል ሽወደን ረቡዕ ንግሆ …

Read More »

ብጉዳይ ገበን ሓደ ሓላፊ ደው ዝበለ ናይ ስነ-ጽሑፍ ሽልማት ኖበል

እቲ ንሽወደናዊ ኣካዳሚ ኣብ ክልተ ዝገምዐን ብሰንኩ ድማ እቲ በዚ ትካል በብዓመቱ ዝወሃብ ናይ ስነ-ጽሑፍ ሽልማት ኖበል ደዉ ከም ዝብል ዝገበረን መስርሕ ይግባይ ሎሚ ሰኑይ 12 ሕዳር 2018 ጀሚሩ። እቲ ብገበን ምዕማጽ ዝተፈርደን “ምስሊ ባህሊ” ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥን ሰብኣይ መራሒ ናይቲ ምስ ሽወደናዊ ኣካደሚ ምትእስሳር ዘለዎ ባህላዊ መድረኽ እዩ ነይሩ። ኣባል ናይቲ ኣካደሚ ዝኾነት በዓልቲ ቤቱ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com