Friday , April 26 2024
Hasse Holmberg/TT

Comvikን Tele2ን ሽግራት የጋጥሞም።

መርበባት መራኸቢ Comvikን Tele2ን ካብ ትማል ምሸት ጀሚረን ኣብ መላእ ሽወደን ዓበይቲ ሽግራት ምድዋል ምቕባልን ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎትን ከም ዘጋጠሞ ተገሊጹ።

መራኸቢ ብዙሓን ሽወደን ንዓማዊል ክልቲኣተን ኩባንያታት ብምውካስ ከም ዘረጋገጾ ኣገልግሎት ሞባይልን ኢንተርነትን ተቛሪጽዎም ኣሎ።

ብመሰረት ዳይረክተር መራኸቢታት Teleia ዝኾነ Joel Epson እዚ ሽግር ትማል ሰዓት ሰለስት እዩ ጀሚሩ።

ሽግር ሞባይል ኣብ መላእ ሃገር ከም እተራእየን ብቕልጡፍ ምምሕያሹን እንተኾነ ኣብ ከምኒ ዮቶበሪ ዝበሉ ከተማታት ዛጊት ምምሕያሽ ዘይምርኣዩ ገሊጹ።

እቶም ናይ ሞባይል ሽግር ዘጋጠሞም ሓንሳብ ኣጥፊኦም ድጊሞም ብምውላዕ ኔትዎርክ ምህላዉ ይፈትሹ ኢሉ።

እቲ ኩባንያ ምኽንያት እቲ ምትእጒጓልን መኣስ ከም ዝፍታሕን ኣርጊጹ ሓበሬታ ኣይሃበን ዘሎ።

Comvik ብወገኑ ነዚ ሽግር ብኣንክሮ ይከታተሎ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com