Sunday , April 28 2024
(AP Photo/Alberto Pezzali) VLM109

COP 26: መራሕቲ ዓለም፡ ኣብ 2030 ምብራስ ኣግራብ ከብቅዕ ቃል ይኣትዉ

ኣብ ጒባኤ COP 26፡ ልዕሊ 100 መራሕቲ ዓለም ኣብ ዓመተ 2030፡ ምብራስ ኣግራብ ደው ምባልን ዳግመ ምግራብ ዓለምና ንኸሳልጡን ከም ዝሰርሑ ቃል ኣትዮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እታ ሰፊሕ ካብ ጫካ ኣማዞን ዝበረሰላ፡ ሃገረ ብራዚል፡ ሓንቲ ካብተን ነዚ ውዕል ዝፈረማ ሃገራት ክትከውን እያ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ጒዳይ፡ ናይ ልዕሊ 19 ቢልዮን ዶላር ህዝባዊን ግላዊን ማዕከን ዝሓትት እዩ።

ክኢላታት ነዚ ተበግሶ እኳ እንተነኣድዎ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዓመተ 2014 ዝተኣትወ ተመሳሳሊ ውዕል፡ ምብራስ ኣግራብ ከጒድል ኣይከኣለን፡ ስለዚ ድማ ሓቀኛ ቆራጽነት ዘድልዮ ቃል እዩ ክብሉ ኣመልኪቶም።

ምብራስ ጫካታት፡ ነቶም ካርቦን ዳዮክሳይድ ዝወስዱ ኣግራብ ብምዕናው፡ ዓለምና ክትውዕን ክሊማ ዓለምና ንኽቕየርን ከም ዝገብር፡ ክኢላታት ይገልጹ።

ኣብ ግላስጎው ዝግበር ዘሎ ጒባኤ ዘአንግድ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጃንሰን፡ ሎሚ ሰሉስ ንዝብጻሕ ውዕል፡ “ጫካታት ዓለምና ንምዕቃብ ዝተኣትወ ኪዳን” ብምባል ክሰምዮ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com