Friday , April 26 2024
Vilhelm Stokstad/TT

inspektonen for vård och Omsorg (IVO) ንወሃብቲ ኦንላይን ኣገልግሎት ሕክምና ንምምርማር ምንቃዱ ተገሊጹ።

ኣብ ኦንላይን ኣገልግሎት ክንክን ዝህባ ኩባንያታት ንዝቐርበለን ክሲ ክቡር ዋጋ ትሑት ብቕዓትን ጸጥታዊ ሻቕላን ንምምርማር inspektonen for vard och Omsorg (IVO) ምንቃዱ ተገሊጹ።

ብመሰረት Jonkoing ከምኡ’ውን Sormland ዘቕረብዎ ኣሃዛት ኦንላይን ናይ ዶክተር ኣገልግሎት ልዕሊ ርብዒ ቢልዮን ክሮነር እዩ።

ዝዓበየ ኦንላይን ኩባንያ ጥዕና ዝኾነ doktor 24 ነዚ ብሓጎስ ተቐቢልዎ’ሎ። እዚ ኩባንያ ተገልገልቲ ብፍሉይ ኣፕሊኬሽን እናተጠቕሙ ምስ ዶክተር ብቐጥታ ክዛረቡሉ ዝኽእሉ ኣገልግሎት ብምቕራብ ዝተፈልጠ እዩ።

ሓላፊት ጒዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ኲባንያ Sara Dannborg “Doktor 24 ኣብ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ዘየድሊ ጸቕጢ ከይፈጠረ ብዝሒ ተረካብነት ዶክተራት ብምውሳኽ ዘላቒ ኣገልግሎት ክህብ ተዳልዩ’ሎ” ኢላ።

መርማሪ መንግስቲ Goran Steinstedt ኦንላይን ኣገልግሎት ጥዕና ብፍላይ ነቶም ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ናብ ሕክምና ብኣካል ካብ ምኻድ መለሳ ዝህብ ኣገባብ እዩ” ትብል ወሲኻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com